ወደባት ተባራበር ንሪምካ ንመሰካ &#466
نشر من قبل omaal في 05:31 صباحا - 09 11 1431 هـ (16 10 2010 م)

ወደባት ተባራበር ንሪምካ ንመሰካ

ሹዑ እዩም ዝካሓሱ ሰማእታትካ

ሕድሪ ሰማእታትና ክቡር እዩ

በርሀ ዑቁባዝጊ ሃገር ጀርመን


تفاصيل الخبر

ወደባት ተባራበር ንሪምካ ንመሰካ

ሹዑ እዩም ዝካሓሱ ሰማእታትካ

ሕድሪ ሰማእታትና ክቡር እዩ

በርሀ ዑቁባዝጊ ሃገር ጀርመን

ወደባት ተባራበር ንሪምካ

ኣይትረስዕ ቡሉጻት ከም ዝኸፈልካ

ንህግደፍ ምግልጋል እንተ ገዲፍካ

ሹዑ እዮም ዝካሓሱ ሰማእታትካ።

ንፍትሒ ተቓለስ ገዲፍካ ኩዳ

ሕትም ግደፎ ከም ብዕራይ መኸዳ

ታዓዛባይ ምዃን አይርከቦን ፋይዳ።

ደቂ ኤረይ ኑዑ ታአከቡ ተላዘቡ

ንፋስ ዘእቱ ቀዳድኩም ለግቡ

በለጽ ገዲፍኩም ጽቡቕ ሕሰቡ።

ወዲ ሃገር ዓቕሉ እንዳ ጸበቦ

ከይትቃወም ሲኢንካ ሓቦ

ህዝቢ ከእዊ ተጸጊዕካ ትዕዘቦ

ድምጽኻ ኣስምዕ ግደፎ ጎቦጎቦ።

ዓዲ ጽቡቕ ኣሎ እንዳልካ

ወደባት ከፊእዎ ብሰርኻ

ንሱ እንተኮይኑ ትሕዝቶኻ

ምስ ህግደፍ ትቕበል ፍርድኻ።

ያኣክል ክሰጉልካ ምጽባይ

ሓገዝ የድልዮሎ ተቓላሳይ

ዓቕሉ ጸቦብዎ ኮሎ እቲ ኣባይ

ይድልሎ ኤእምንኻ ምድርባይ።

ወደባት ተቃለስ ንመሰልካ ንሪምካ

ኣብ ዝጥዕመካ ተቐሚጥካ

ህግደፍ ዝሓተቶ ከፈልካ

ኣብ ዓዲ  ቢላ ኣጥሪኻ

ገለ ኣውሮጳ ገለ ኣመሪካ

ህዝቢ ከየድሓንካ

እወ ህዝቢ ከየድሓንካ

ሕድሪ ስዉኣት ጠሊምካ

ንህግደ እዳ ኣገልገካ

ተቓወምቲ ክተናኣእስ ኮይኑዃ

ክንድኦም ግበር ምውርዛይ ይትረፍካ።

ኤረትራዊ የ ትብል ዘለኻ

ንድሕነት ህዝቢ ትዕደም ኣሎኻ

ደድሕሪ ህግደፍ ግደፎ ያላኻ

እዚ እንተ ዘይገበርካ

ኤረትራዊየ ምባል ይትረፍካ

ወደባት ተቓለስ ንሪምካ ንመሰልካ።

ዓወት ነቲ ደም ዝነብዕ ዘሎ ህዝቢ ኤረትራ

ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ሰማእታትና

ኤረና ንለብዘበን እንበር ነዓመታስ ሸዊት ለምለም

ዕንወት ንጃንዳ ህግደፍን ዓንገልቶምን