ዉሑዳት ይቃለሱ ቡዙሓት ይዕዘቡ
نشر من قبل omaal في 10:14 صباحا - 19 11 1431 هـ (26 10 2010 م)

ዉሑዳት ይቃለሱ ቡዙሓት ይዕዘቡ

ሕድሪ ሰማእታትና ክቡር እዩ

በርሀ ዑቁባዝጊ ሃገር ጀርመን 

 


تفاصيل الخبر

 

ዉሑዳት ይቃለሱ ቡዙሓት ይዕዘቡ

ሕድሪ ሰማእታትና ክቡር እዩ

በርሀ ዑቁባዝጊ ሃገር ጀርመን 

ተቃወምቲ ዉዱባት ንብስና ኣይነታዓሻሹ

ሲቪካዊያን ማሕበራት ነብስና ኣይነታዓሻሹ

ክንጽበ ነቶም ወገሔ ጸብሔ ናዓዲ ዝገሹ

ክንጽበ ነቶም እንዳ ሰምዑ ዘጽቀጡ

ንሓርነት ንቃለስ ከምዘሎና እንዳ ፈለጡ

ኣይንጸበ ንኣብ እቶ እቶ ክጽግዑ ዝጽበዩ

ኣገልገልቲ ምልኪ ንህዝብና ዘብኪዩ።

ሓቦ ዝጎዶሎም ታዓዘብቲ

ላንጋ ላንጋ ተበለጽቲ

ዉሑዳት ይቃለሱ ቡዙሓት ይዕዘቡ

ክጽንበሩና ክንጽበ ምቕባጾም ሲኢና

ስለ ዘኽበርናዮም ይዋራዘዩ ባአና

ንበለጽ ዛኣመሎም እንታይ ኣጸበየና

ካብ ብርሰት ነድሕኖ ህዝብና

ጋቢ ክንከድኖም ንወለዲ ጀጋኑና።

ብከዳዕ ጠላም ጀጋኑ ተደርቢዮም ጽርጊያ

ብከዳዓት ወለዲ ሰማእታት ኣለዋ ይበኽያ

ኣለዋ ኣለዉ ክንዲ ህግደፍ ዝዘርዩ ዝዘርያ

ዓዲ ጹቡቕ ኣሎ ኢልካ ገዛ ንምስራሕ ጉያ።

ዉሑዳት ይቃለሱ ብዙሓት ይዕዘቡ

ኣብ ሃገርና ግዝየ ጊላነት ተመሊሱ

ህግደፍ ናብ ሰብ ምሻጥ ካብ ተበጊሱ

ኢሰያሳዊያ ከጽኑቱና ካብ ገስገሱ

ኤረትራዊያን ንሱር ነቀል ለውጢ ተበገሱ

ምሕረት የሎን ህዝቢ እንተ ተሲኡ ቆሪጹ

ሕጂ ህዝቢ ኣድሕኑ ምስ ወግሔ ከይትመጹ

ምልኪ ምስ ተሳዕረ ጉድኩም ከይትወጹ።

ዉሑዳት ይቃለሱ ቡዙሓት ይዕዘቡ

ኣብ ዝጸናሕካ ጸኒሕካ የሎን ጽግዕ

ጉያ ንቦሎኛ ከምቲ ድሕሪ ምሕራር ባጽዕ

ምልኪ ምስ ተሳዕረ ከይትወጽእ ቃልዕ።

ብድቁሳትኩም ተቓወምቲ ተማርሩ

ምምራር ገዲፍኩም ቁምነገር ግበሩ

ጃንዳ ህግደፍ ካሓጽር ዕምሩ ክቡቖስ ካብ ሰሩ።

ኤረትራዊ ብህግደፍ ተዋሪዱ

ወደባት ጓና ኰይኑ ኣብ ዓዱ።

ኣብ ስደት እትነብር ኤረትራዊ

ትም ሕደጎ ንወጽዓ ህዝቢ የእዊ

ሕጂ አራጋግጽ ምዃንካ ሃገራዊ

መንእሰይ ክጋላገል ካብ ሳዋ ሃገር ክርህዋ።

ዓወት ነቲ ደም ዝነብዕ ዘሎ ህዝቢ ኤረትራ

ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ሰማእታትና

ኤረና ንለብዘበን እንበር ነዓመታስ ሸዊት ለምለም

ዕንወት ንጃንዳ ህ.ግ.ደ.ፍ.ን ዓንገልቶምን