ሽማግለ ንጉባኤ- በይ ኤርያ ኦክላን&#4
نشر من قبل omaal في 04:58 صباحا - 20 11 1431 هـ (27 10 2010 م)

ብዕለት 10/16/2010 ኣብ ኦክላንድ ብኣባላት ሃገራዊት ኮሚሽን ዝተኻየደ ህዝባዊ ኣኼባ፡ 25 ዝኣባላት ቦርድ ከም ከምእተመርጸ ይዝከር። እዚ ቦርድ እዚ፡ ሽማግለ ንጉባኤ- በይ ኤርያ ኦክላንድ ዝብል መጸዋዕታ ተዋሂብዎ፡ ብዕለት10/24/10 ተኣኪቡ ነብሱ ክሰርዕ ውዒሉ።


تفاصيل الخبر

 

 ሽማግለ ንጉባኤ- በይ ኤርያ ኦክላንድ ኣኼባ ኣካይዱ

Monday, 25 October 2010 10:23

ብዕለት 10/16/2010 ኣብ ኦክላንድ ብኣባላት ሃገራዊት ኮሚሽን ዝተኻየደ ህዝባዊ ኣኼባ፡ 25 ዝኣባላት ቦርድ ከም ከምእተመርጸ ይዝከር። እዚ ቦርድ እዚ፡ ሽማግለ ንጉባኤ- በይ ኤርያ ኦክላንድ ዝብል መጸዋዕታ ተዋሂብዎ፡ ብዕለት10/24/10 ተኣኪቡ ነብሱ ክሰርዕ ውዒሉ።

ኣብዚ ስርርዕ እዚ፡ ኣብ ፖለቲካዊ ቤት ጽሕፈት፡ ምጣነ ሃብታዊ፡ ህዝባዊ ስርርዕ፡ ዜናን ፕሮፓጋንዳን እትነጥፍ ፈጻሚት ኣካል፡ ከምኡ እውን ኣቦ መንበርን ሰክረታርያት ቦርድን መሪጹ። ድሕሪ ክልተ ቕነ ከኣ፡ መደብ ስርሑ ከጻፍፍን ከነጽርን ኣኼባ ቆጺሩ ኣሎ።

ሽማግለ ንጉባኤ፡ ከነተኣታትዎ ዘሎና ጠቓሚ ኣገባብ ቃልሲ፡ ካብ ብሕጂ ጀሚርና ክንለማመዶን ከነተግብሮን ኣሎና፡ ብማለት እዩ ኣኼብኡ ዘበገሰ። ኣብዚ ሓሳባት እዚ ተመርኩሱ ከኣ፡ ካብ ኣኼባ ርእይቶ ነቐለ። እቲ ርእይቶ ንኣገባብ ምርጫ ዝምልከት ኮይኑ፡ ንኽንደይ ዓመታት ኣብ ከባቢና እንርእዮን እንምስክሮን ዘሎና ኣገባብ ምርጫ ኣብ ፖለቲካዊ ባህልና ክትኣታቶ ጠቓሚ’ዩ፡ ይብል። ቀጺሉ፡ እዚ ናይ ዘመነ እርሓሰና እርሓሰና ኣገባብ ምርጫ ከነልግሶ ኣሎና። ሓደ ዜጋ ንሓደ ሰብ ንምርጫ ክሮቁሕ ወይ ክሓጽዮ እንከሎ፡ ስለምንታይ ከምዝሓጸዮ፡ እንታይ ኣገዳሲ ነገር ከምዝረኣየሉ ነጥብታት ከቕርብ ኣለዎ። ኣብ ልዕሊ እቲ ዝተሓጽየ ዜጋ ተቓዉሞ ዘለዎ ሰብ፡ ተቓውሞኡ ክስማዕ ይግባእ። እቲ ዝሕጸ ሰብ እውን፡ ንነብሱ ምስ ኣኼበኛ ከፋልጥን፡ ብቕዓቱን ተሞክሮኡን ክገልጽ፡ ከመይ ገይሩ ነቲ ስራሕ ከድምዕ ከም ዝኽእልን ብግልጺ ክዛረብ ኣለዎ። ኣኼበኛ ነዚ ርእይቶ ተሰማሚዕሉ ከተግብር ነቐለ።

ኣብ ግዜ ምርጫ፡ እዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ረቛሒታት ብምልኡ እኳ እንተዘይተተግበረ፡ ሽማግለ ንጉባኤ በዚ ዝቐረበሉ ኣጋባብ ታተ እንዳበለ ክላማመዶ ወዓለ። ኣብዚ ምርጫ እዚ፡ ሕጹያት፡ ኣነ ኢሎም ነብሶም እንዳ ኣፋለጡ ብቕዓቶምን ተሞክሮኦምን ገለጹ። ኣብ ነብሶም ብምትእምማን፡ ኣብዚ ሸነኽ እዚ ምረጹኒ፡ ኣብኡ ከድምዕ ይኽእል እየ ክብሉ ምብቅዖም ተሓጒሽና። ብተወሳኺ ኣኼበኛ ተተሲኡ ንዝፈልጦ ሕጹይ ምስክርነት ክህበሉ፡ ታሪኽ ቃልሱ ክነግረሉ ርኢና። ሕጹያት መንእሰያት ታሪኾምን ታሪኽ ሕጹያት ብጾቶምን ብወግዒ ክገልጹ እንከለዉ፡ ብሓቂ በዓል መን ከም ምዃና ክንፋለጥን ክንፈልጥን በቒዕና። ብሓጺሩ ነቶም ንመርጾም ክንፈልጦም ክኢልና። ኣብ ነፍሲ-ወከፍ ሕጸ እዚ ኣገባብ እዚ ተኻይዱ፡ ኣብ መጨረሽታ እቲ ምርጫ ብምስጢራዊ ኣገባብ ክካየድ ውዒሉ።

ኣብዚ ኣኼባ እዚ፡ ሕጹይ ንኸይምረጽ ዝቐረበ ተቓዉሞ ኣይነበረን። ኮይኑ ግና፡ ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ኣገባብ ምርጫ ከተግብር ምልምማዱ ዓቢ ስጉምቲ እዩ። ኣብ ዝመጽእ ግዜ፡ ንተሳተፍቲ ዋዕላ ዝግበር ህዝባዊ ምርጫ ኣብ በይ ኤርያ፡ ባህሊ ተቓዉሞ ተኣታትዩ፡ ዜጋ ደው ኢሉ ነዚ ሕጹይ እዚ በዚ ምኽንያታት እዚ ከይምረጽ እቃወም ኣለኹ፡ ክብል ክንሰምዕ እንተድኣ በቒዕና ከኣ፡ ኣብ ኣጋባብ ምርጫን ዓቢ ዝላ ከምዝገበርና ክቑጸር ይከኣል።

ብተወሳኺ ምስዚ ርእይቶ ምርጫ ተሳንዩ ንመንእሰይ ወለዶ ዝምልከት፡ ዕላማኡ ሓደ እኳ እንተኾነ ክልተ ዝተፋላለየ ርእይቶ ቀረበ። እቲ ቀዳማይ፡ ስልጣን ኣብ ላዕሊ ይኹን ኣብ ታሕቲ ኣብ መንእሰያት ክመሓላለፍ ኣለዎ፡ ዝብል ኮይኑ ታሪኻዊ መደገፍታ ኣቕረበ። ነጻነት እትው ምስ በለ፡ ሮሞዳን መሓመድ ኑር፡ ሕጂ ንሕና ይኣኽለና፡ ስልጣን ኣብ ንኡስ ወለዶ ኣሕሊፍና ንዕረፍ ብማለት፡ ርፍትያ ሓቲቱ ካብ ስልጣን ብፍቓዱ ከምእተኣልየ ይሕብር። ድሕሪ ዓሰርተ ዓመት ከኣ፡ ጴጥሮስ ሰሎሙን ምትሕልላፍ ስልጣን ኣብ መንእሰያት ክትግበር ኣለዎ በለ። ተቓወምቲ ውድባት እውን ዝሰማምዕሉ እዩ። እዚ ሕቶ እዚ ንነዊሕ ዓመታት ከይተፈትሐ ዝቕጽል ዘሎ እዩ። ስለዚ ብርግጽ እንኣምነሉ እንተድኣ ኾይና፡ ካብዛ ኣኼባ እዚኣ ክንጅምራ ኣሎና። መንእሰያት ናይ ምምራሕ ብቕዓት ከጥርዩን ክላማመዱን፡ ክመርሑና ዕድል ክንህቦም ይግባእ። ንሕና እውን ክንፈልጦም ዕድል ንረክብ። ይብል።

እቲ ካልኣይ ርእይቶ ከምዚ ይብል፡ መንእሰያት ኣብ ምምራሕ ደረጃ እንተድኣ ክስቀሉ ኮይኖም፡ ብጽዓቶምን ጻዕሮምን ከምጽእዎ ኣለዎም። ኣቃባጢርካን ጠቢርካን ዝኸውን ነገር ናይ ሓሶት ከምስሎ እዩ። ሓሶት እዩ እውን። ኣብ ርእሲኡ፡ እዚ ኣረኣእያ እዚ ንመንእሰያት ከም ድዉያት ገይሩ ይቐርቦም ስለዘሎ፡ ነቶም ክንቃለስ ተቐሪብና ዘሎና መንእሰያት ምቁንጻብ እዩ። ይብል። ብሓቂ ድማ መንእሰያት በይ ኤርያ ንቓልሲ ዝተቐረቡ ይመስሉ። ነቲ ፈጻሚ ኣካል ሽማግለ ንጉባኤ ከኣ ብብዝሒ ኣትዮሞ ኣለዉ።

ሽማግለ ንጉባኤ ለበዋ ተቐቢሉ ኣኼብኡ ደምደመ። እቲ ለበዋ ብዛዕባ ግሉጽነትን ኣገዳስነቱ ኣብ ቃልስን ኮይኑ ከምዚ ይብል። ዝተገብረ ኣኼባታት ብዘይውዕል ሕድር ኣብ ህዝቢ ክቃላሕ ኣለዎ። ኣሳልጦኡን ጉድለቱን ምሉእ ትሕዝቶኡን ከይተሓብአ ክቐርብ ይግባእ። ኣኼባታትና ጉባኤታትና፡ ኩሉ ግዜ ብጉድለት ግሉጽነት ምስ ተሓምየ እዩ። ክፍሊ ዜናን ፕሮፖጋንዳን ተዋሂብኩም ዘሎ ሓላፍነት ንሽሙ ኣይኮነን። ከተተግብርዎ ይግባእ። ዝብል ነበረ።

እዚ ኣብ በይ ኤርያ ኦክላንድ ዝተገብረ ኣገባብ ምርጫ፡ ሽሕኳ ተልሜደን እንተኾነ፡ ዘይተሓጎሰሉ ኣባል ቦርድ ኣይነበረን። ድሕሪ ኣኼባ እውን ከም ኣገዳሲ ነጥቢ ኮይኑ ኣብ ዕላላት ቀጺሉ። ኣብ ካልእ ክፍለ ዓለማት ዝርከብ ሽማገለ ጉባኤ ከኣ፡ እንተኾነ ዝያዳ ዝበለጸን ብዝተረፈ ከኣ፡ ከምዚ ዓይነት ኣገባብ ምርጫ ከተትኣታትዉ ሓደራ ንብል። ክንዕወት፡ ምርጫና ግሉጽ ስራሕና ግሉጽ ክኸውን ይግባእ።

እቲ ኣገባብ ቃልሲ እንዳተቐየረ ዝመጽእ ዘሎ ይመስል። ምሕዋስ መንእሰያት ዓቢ ተቐይሮ እዩ። ኣባላት ሽማግለ ንጉባኤ፡ ንቃልሲ ወታእታእ ክብል እንተድኣ ርእየሞ፡ ኣፍካ ኣጽሪ ብማለት ከየናሕስዩ ዝቃወሙ ተገቲሮም ዝእርሙን ዓገብ ዝብሉን ተቓለስቲ ባእታትን መንእሰይትን ተጸንቢሮሞ ኣለዉ። ንኣብነት እዚ ኣገባብ ምርጫን ግሉጽነትን ኣብዚ ኣፈናዊ ኣኼብኦም ታተ ኣቢሎሞ ኣለዉ። ኣብቲ ዝመጽእ ዋዕላ፡ እግሪ ተኺሉ እንዳሰጎሞ ክኣቱ ከኣ ከይተሓለልና ክንቃለስ ኢና ክብሉ ይስምዑ።

ዓወት ንጭቁን ህዝቢ ኤርትራ!

ሽማግለ ንጉባኤ- በይ ኤርያ ኦክላንድ

ክፍሊ ዜናን ፕሮፖጋንዳን

10-24-10