Eritrean room for Strong and united Opposition
äÔÑ ãä ÞÈá omaal Ýí 08:36 ÕÈÇÍÇ - 11 12 1431 åÜ (17 11 2010 ã)

ER Strong Palatalk.jpg

አገዳሲ ህዝባዊ ሓቤረታ.! ዘተ ምስ መንእሰይ በረኸት ካሕሳይ ኣባል ኮምሽን ኮሚተ ሃገራዊ ግባኤ ንደምክርሲያዊ ለውጢ።

ዝኸበርኩምን ዝኸበርክንን ደቂ ሃገር፡ ብቀዳምነት ልባዊ ሰላምታና ይብጻሕኩም።

እንሆ ን-ሓሙስ ዕለት 18.11..2010 ዓ.ም.ፈ.፡ መንእሰይ በረኸት ካሕሳይ፡ ኣባል ኮምሽን ሃገራዊ ግባኤ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ፡ ኣብ መራኸቢ ብዙሓን (Paltalk)፡ ጋሻ፡ („Eritrean room for Strong and united Opposition“) ኮይኖም ከምሲ ታዓዲሙ ኣሎ። እዚ „Chat Room“ ዝኽፈተሉ ግዜ፡ ብናይ ብርሊን (Berlin) አቖጻጽራ፡ ሳዓት 20፡00 ክኸውን እንከሎ፡ መኽፈቲ ናይ ዘተ ካኣ ኣብ ከባቢ ሳዓት 21፡ 00 ክንበብ እዩ። ድሕሪ መኽፈቲ ዘተ ምስ ተነበበ ኣብ ክትዕ ክእቶ እዩ።

ክቡራትን ክቡራንን፡ አሕዋትን አሓትን ደቂ ሃገር፡ መንእሰይ በረኸት ካሕሳይ ኣባል ዓለምለኻዊ ምንቅስቃስ መንእሰይ ኤርትራ ኮይኑ፡ ህዝብና ካብዚ ኣብ ሃገርና ዘሎ ስርዓት ውልቀ-መላኺ ተገላጊሉ፡ ኣብ ትሕቲ ስርዓት ደሞክራሲ፡ ክብሩን ሰብኣዊ መሰሉን ታሓሊዩ ሰላምን ቅሳነትን ክረክብ፡ ብትብዓት ዝቃለስ ዘሎ ወዲ ሃገር እዩ። መንእሰይ በረኸት ካሕሳይ፡ ኣብቲ ካብ ዕለት 16-23. 03. 2010 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተገብረ ሃገራዊ ዋዕላ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ ተኻፊሉ ዝነበረ፡ እሞ ኣብቲ ዋዕላ፡ ብድልየት ዋዕለኛታት፡ ኣባል ሃገርዊ ኮምሽን ኮይኑ፡ ነቲ ድሕሪ ዓመት ክትግበር ኣብ መደብ ዘሎ፡ ሃገራዊ ጉባኢ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ፡ ኣብ ምድላዉ ምስ ኣሕዋቱ ኣሕቱን ክሰርሕ፡ ተመሪጹ ዘሎ መንእሰይ እዩ። ነዚ መንእሰይ’ዚ ናብ መራኸቢን ብዙሓን (Paltalk) ክዕደም ዝተደለየ ምኽንያት ካኣ፡ ኣብዘን ዝስዕባ ነጥብታት ምስ ህዝቢ ንኽዛተ እዩ። ንሳተን ካኣ፤

1.  ትዕዝብቱ ኣብ ሃግራዊ ዋዕላ ከመዝ ይመስል …?

2.  ተኻፋልነት መንእሰይ ኣብ ሃገራዊ ዋዕላ ንደሞራሲያዊ ለውጢ ከመይ ነይሩ …?

3.  ብሕጂ ንዝግበር ሃገራዊ ጉባኤ፡ ተራን መንእሰይ ከመይ ክኸውን ኣለዎ፣ ተኻፋልነቱ’ኸ ኣብ ሃገራዊ ጉባኤ ከመይ ክረጋገጽ ይኽእል …? ዝብላ እየን።

ስለዚ፡ ክቡራትን ክቡራንን፡ አሕዋትን አሓትን ደቂ ሃገር፡ ከምዚ ዝአመሰለ፡ ብጣዕሚ እዋናውን ኣገዳሲ ዝኾነ፣ ንኣግባብ ኣቃላልሳ ተቓውሞ ደንበ ዘንጻባርቕ፤ ዛዕባ፡ ምዝተይ ምስ መንእሰይ ሓው በረኸት ካሕሳይ፡ ከይሓልፈኩም/ክን፡ ተኻፈልቲ፡ ናይዚ ምሸት ፖለቲካዊ ዘተ እዚ፡ ኮይንኩም/ክን ምሳና ክተምስዩ/ያ፡ ብኽብሪ ንዕድም፡፡ 

ብዳሓን ምጽኡ/አ …!!!

ካብ ኤርትራውያን፡ አባላት ናይ ዝተፈላለያ ውድባት/ሰልፍታት፤ በርገሳዊ ማሕበራት፤ ብውልቀ ተቓወምቲ፤ አብ መራኸቢ ብዙሓን፡ ፓልቶክ (Paltalk)፡ ብዛዕባ ኩነታት ህዝብናን ሃገርናን፣ ከምኡ’ውን ብአግባብ አቃላልሳናን አቓውማናን፡ እንማያየጥን እንዛተን ደቂ ሃገር፡፡ erfsauo@yahoo.com