ህዝባዊ ኣኼባ ኣብ ከተማ ካርልስሩ&#460
نشر من قبل omaal في 05:32 صباحا - 12 12 1431 هـ (18 11 2010 م)

ህዝባዊ ኣኼባ ኣብ ከተማ ካርልስሩሀን ከባቢኣን

 


تفاصيل الخبر

ህዝባዊ ኣኼባ ኣብ ከተማ ካርልስሩሀን ከባቢኣን

ኣብ ከተማ ካርልስሩሀን ከባቢኣን ቀዳም 30 ጥቅምቲ 2010 ዝተጋበአ ህዝባዊ ኣኼባ ንሃገራዊ ጉባኤ ብውዕዉዕ ክትዓትን ልዙብ ምርድዳእን ተሰላሲሉ። ብኣባላት ኮምሽን ዝኾኑ ሓው ኣቶ

 ተኽለሰንበት ተኽላይን ወሮ. ፍረወይኒ ተኽለጻድቕን፡ መብርህን ድሕረ ባይታ ምቛም ኮምሽንን ድሕሪ ምቕራቦም፡ መደብ ዕዮን ዕላማን ናይ ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ

 ዝርዝራዊ መብርሂ ኣቕሪቦም። እዚ ዕቱብ ተሳታፍነት ማሕበረሰብን፡ ብማሕበረሰብ ዓለም ዝለዓለ ኣቓልቦን ተቐባልነትን እናረኸበ ዝመጽእ ዘሎ እዋናዊ ህዝባዊ ማዕበል ንሃገራዊ ጉባኤ፡ ምሉእ ዓወት

 ጨቢጡ ንኽወጽእ ኩሉ ኤርትራዊ፡ ፖለቲካዊ እምነቱን ፍልልያቱን ኣወንዚፉ ተሳታፍነቱ ከዕዝዝ ጸዊዖም።

እቲ ክንዛሕ ዝጸንሐ ጉዳይ ብሄራውን ሃይማኖታውን ሕቶታት፡ መሰረት ዘይብሉ ናይ ፈጠራ ወረ ምንባሩን ብምንጻር፡ ብኣንጻሩ እኳደኣ ኤርትራውያን ሓድነቶም ዝያዳ ዘደልደልሉን መጻኢ ዕድል ሃገርን

 ህዝብን ዘውሓሰ ታሪኻዊ እምነ መሰረት ዘንበርሉን ምዃኑ ኣዘኻኺሮም።

መብዛሕትኦም ተሳተፍቲ ብወገኖም ነቲ ተኣሚሙ ዘሎ ሃገራዊ ጉዳይ ንምዕዋት ካብኣቶም ዝጥለብ ዘበለ ከማልኡ ምዃኖም ኣረጋጊጾም። ብምክብባርን ሓድሕዳዊ ምርድዳእን፡ነብሲወከፍ ኤርትራዊ

 ነብሱ ሰሪዑን ነንሕድሕዱ ተኸባቢሩን፡ ነዚ ታሪኽ ዝጠልቦ ዘሎ ድሕነት ህዝብን ሃገርን፡ መዓልቲ ከቃላጥፍ ለበዉኡ ብምሕላፍ ናይ ስራሕ ምክፍፋል ንምግባር፡ ዝመጽእ ኣኼባ እተዳሉ ግዝያዊት

 ሽማግለ ሰይሞም።

ግዝያዊት ሽማግለ ንሃገራዊ ጉባኤ

ካርልስሩሀን ከባቢኣን

11.11.2010