ኣገዳሲ ሓበረታ
نشر من قبل omaal في 07:52 صباحا - 18 12 1431 هـ (24 11 2010 م)

ኣገዳሲ ሓበረታ

ኣፍ እቲ ከየድምጽ መሰሉ ዝተገፎ ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ ኮይኖም ደው ዝበሉ ኣማሓደርቲ ኣሰና፡ ንሰንበት ዕለት 5/12/2010፡ ኣብ ፓልቶክ Room Eritrea Etuq menisey Eritrea niDimokrasin fithin ክቐርቡ እዮም። ንህዝብና ሓቂ እንዳሓበሩ፤ ኣብ ምዕናው ሽፍታ ዝኾነ ስርዓት ህግደፍ ዝውፍዩልና ዘለዉ ዓቢ ኣገልግሎት፡ ኣነኣኢስካ ዝርአ ከም ዘይኮነ ኩላትና ደለይቲ ፍትሒ እንሰማምዓሉ ነጥቢ እዩ። ኣብ ርእሲ’ዚ ኩላትና ከም እተኻታተልናዮ ኣብ ዋዕላ ዘበርከቶ ዓቢ እጃም ናይ ግሉጽነት ንስሕቶ ኣይመስለናን።   

  ስለ ዝኾነ ኸኣ ከም ደለይቲ ለውጢ መጠን፡ ዝገበረልካ ግበረሉ ወይ ንገረሉ ስለ ዝኾነ፡ ንስለ እቲ ነቕ ዘይብል መርገጾም ነጻ ኮይኖም ንህዝብና ሓቅታት እንዳኣቕሰሙ፡ ንስርዓት ህግደፍ ከኣ ኣብ ርእሲ ህዝብናን ሃገርናን ዝፍጽሞ ዘሎ ዕርቃኑ እንዳኣቃልዑ፡ ንህዝብና ኣብ መገዲ ድሕነቱ ከነትሕዞ ኢሎም ደው ስለ ዝበሉ ናብ Room ናይ Eritrea Etuq menisey Eritrea niDimokrasin fithi ከነምጻኦም ምዃና ንበጻሕትና ሓገዝኩምን ምትብባዕኩምን ኣይፈለየና እንዳበልና ክንሕብር ጸኒሕና ኢና።

መልእኽቶም ድሕሪ ምትሕልላፍ ንኣለና መታባብዒ፡ ንድምጺ ውጹዓት ሬድዮ ኣሰና ድማ መደንፍዒ ዝኸውን፡ በብኽእለትኩም ሓገዝኩም ክትውፍዩ እንዳተኣማመንና ንሰንበት ዕለት 5/12/2010 ኣብ ፓልቶክ Room Eritrea Etuq menisey Eritrea niDimokrasin fithin ብሰላም የራኽበና።