አይትተናኽፉና ኩሉ ከይነውጾኦ እ&#4722
نشر من قبل omaal في 05:39 صباحا - 30 12 1431 هـ (06 12 2010 م)

አይትተናኽፉና ኩሉ ከይነውጾኦ እቲ ንፈልጦ

ሕድሪ ሰማእታትና ኩቡር እዩ

በርሀ ዑቁባዝጊ ሃገር ጀርመን


تفاصيل الخبر

አይትተናኽፉና ኩሉ ከይነውጾኦ እቲ ንፈልጦ

ሕድሪ ሰማእታትና ኩቡር እዩ

በርሀ ዑቁባዝጊ ሃገር ጀርመን

 

ግጥሚታትኩምን ስዲ ንባብትኩምን ምስ አንበብኩ ገሪሙኒ

ሱቕእንተበልና ሓቂ ከይመስሎ ንአንባቢ ነዚአ ግጥሚ ክገጥም ደፋፊኡኒ።

ነገር ዝይጸገበ ይሕጸ ጓል ዋጣ

እወ  ሓቂ መራር እያ ንዝፈልጣ

ተንብብዋ ኣለኹም ግን ብግልባጣ።

ሰውራዊ ባይቶ ዓባይ እያ እንዳ በልናያ

ውሳይ ኣቲዩዋ ኣብ ምፍንጫል ኣትያ

ሽማ ተደምሲሱ ሲኢና ዘሕዊያ

ወያ መዋዳድርቲ ህዝባዊ ግንባር ክትከውን ህዝቢ ዝተጸበያ።

መን ድዩ ንሰውራዊ ባይቶ ፋሕ ክትብል ዝገበረ

መን ድዩ ድሕሪ ነጻነት ሕልሚ መሰረታት ትቐበረ

መን ድዩ እቲ ሩሱን ናይ ቃልሲ መንፈስና ዘሕረረ

መን ድዩ እንቢ ንስኒት ዝበለ መንእሰይ እንዳ ተባረረ

መን ድዩ ሰላማዊ አጋባብ ቃልሲ ኢሉ ዝጋዓረ

መንእሰይ ብጥይት ከም እንስሳ እንዳ ተሰበረ

ከም ቲ አብ ብረታዊ ቃልሲ ወዲቱኹል ዝበሎ

ህዝቢ ደም እንዳ ነብዔ ዶታ መልሓስኩም ዕረ

እወ ሓቂ መራር እያ ከም ዕረ ከም በርበረ።

ሰውራዊት ባይቶ ዝነበረት ክንዲ እንባ

ስልጣን ከቃምቱ ፋሕ ኣቢሎሞ ህዝባ

ባይታ ኣዝቢጥኩምዎ ኣብዚሕኩም ዘረባ

ኣብ ስደት ታኣኪቦም ካብ ሩሑቅ ቀረባ

ካብ ቦታ ቃልሲ ሪሒቖም እዚባ እቲባ

ለበዋ ህዝቢ ምስማዕ ዛኣበየ ኣብኣ ይረኽባ

ግጥሚኹም እኩብ ጉድጉዶ

ኣየጸብቐልኩም ሓረዶ ጎሞዶ

ህዝቢ እንዳ ተኻላበተ ዘጽቅጥ ሙሁር ውሒጅ ይሰዶ

ያአክል ስልጣን ምቑማት ብማዕዶ

ዓበይቲ ኢና እናልኩም ከይትተርፉ ባዶ።

ኣንባባይ ኣንቢቡ ይፍረዶ ይታዓዘቦ

ገመል ሰሪቕካ ዶ ይድየብ ጎቦ

ካብ ሩሑቕ ቀረባ ህዝቢ እንዳ ታዓዘቦ

ሎምስ ህዝቢ ፈሊጥዎ የሎን ጎቦ ጎቦ

ብዋዕላ ምጽሓፍና ኣገሩሙካ

ኣብ ዋዕላ ምክፋል ስለ ዛኣበኻ

ዶ ኸይኮኑ ዝሳሓቡ መቓልስትኻ

ንድሕሪት ምልስ ኢልካ ጠምት ጽላለትካ።

ሓርበኛ የማነ ገብረሚካኤል ባርያ ከምዚ ክብል ይዝከረኒ

የዋህ ኤረትራዊ ዘረባይ ስምዓኒ 

ዓፍራ መሲሉካ ከይትረግጽ እምኒ።

የማነ ባርያ ፈሊጥዎም ነሩ ምኻኖም ኩርዃሕ

ብልእላውነት ኤረትራ ኣይትሸቅጡ ባኣል ጎራሕ

ሕድሪ ሰማእታትና ክነተግብሮ ኣይትኽሉኡና ምስራሕ

ኣለሊናዮም ኣሎና እቶም ዝተላእኩ ከቡሉና ፋሕ

እዚ እንዳ ፈለጠካ ኣብ ቅድሚ ሓቂ ምጽናሕ

ከምቲ ዓሻ ቖልዓ ካብ ውሒጅ ዘይምፍራሕ።

ኣብ ድምጺ መሰና ደሊና ዓስኪርኩም

ምስ መስከረም ታዓራሪኽኩም

ቢኢዳ ኣዙር ኣብ ጸለመ ተዋፊርኩም

ገለጻታት ኣለና ዓጀውጆው ኣቢሉኩም

ከም ኣኽላባት ውሕ ውሕ ጀሚርኩም

ሉጓም ግበሩሉ ዘይተገረዘ መልሓስኩም

ሰማዒ አይትረኽቡን ዋላ እንተጋዓርኩም።

ሕጂ ዶያሓይሽ ከም መልቀስ ዎየ

ከም ደምካ ክመጺ ጸኒሑ ቱዃን

ሕነኻ ክትፈዲ ተብሎ ጣዕ

ከም ዓለቕቲ ዝሰትየ ብዕራይ ዓዕ

ተፈሊጥኩም ደጊም የሎ ነቓዕ።

ሕጂ አይኮነን ካብ ቀደም

አብ ሰውራዊ ባይቶ ሉኡኻት ነሮም

ናብ ተቓወምቲ ኢሰያስ ዘስለኾም

ዕምሪ ኢሰያስ ንምንዋሕ ቡዙሕ ሰሪሖም

ብሕጽር ዝበለ ድሕሪ ነጻነት አጽኒሖሞ ፳ ዓመት።

ትቃራረብ አላ ናይ ሕርነት ክትድወል

አብ ዝቕጽል ክሳብ ንራኸብ ሰናይ ቅነ

ዓወት ነቲ ደም ዝነብዕ ዘሎ ህዝቢ ኤረትራ

ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ሰማእታትና

ኤረና ንለብዘበን እንበር ነዓመታስ ሸዊት ለምለም

ዕንወት ንጃንዳ ህግደፍን ዓንገልቶምን