ኣብ ተሓኤ ዝነበረ ዱጉል ሰልፊ ዘይ&#49
نشر من قبل omaal في 07:24 صباحا - 11 01 1432 هـ (17 12 2010 م)

ኣብ ተሓኤ ዝነበረ ዱጉል ሰልፊ ዘይፈለጠ ይፍለጦ

ሕድሪ ሰማእታትና ኩቡር እዩ

በርሀ ኡቁባባዝጊ ሃገር ጀርመን


تفاصيل الخبر

ኣብ ተሓኤ ዝነበረ ዱጉል ሰልፊ ዘይፈለጠ ይፍለጦ

ሕድሪ ሰማእታትና ኩቡር እዩ

በርሀ ኡቁባባዝጊ ሃገር ጀርመን

ኦደ ምስ በላ በለቶ ሓመድከዕደ

ካብ ቀዳማይካስ ዳሕረዊይካ ገደደ

ውዲት ካኣልም ንጎንደር ዝኸደ።

ዘራጊ ኮሎ ጽሩይ ማይ ኣይሰትያን

ኣባል ድጉል ሰልፊ ኣይነበርኩን

ከማኻ ውልቀ ሰብ ኣየምልኽን

ንተሓኤ ንምሕቓቕ ዝተፈጸመ ውዲት

በሪሁ ሕጂስ ኩዉል ኣይኮነን።

ጽን ኢልካ ኣዋህልል

ኣየድልየንን ምድዋል

ኣይነበርካን ዶ ኣብ ካስል

ኣንጭዋ ዝዋሓጠ ተመን ትመስል

ዝፈልጠኒ የሎን ኣይትበል

ካብ ያዕ በሎ ያዕ ይቐልል

ጉድኩም ከይወጽእ ክትካላኸል

ተፈሊጥካ ኢኻ ኣይትበል ሸንኮለል።

ጎይታ የብለይን ብጀካ ሓደ ፈጣሪ

ዓቕመይ እፈልጥ ኣይኮንኩን ተጃሃሪ

መህተፍተፊ ኣይኮንኩን ከማኻ መዳናገሪ

ካባኻን ወዲ ከማኻን ኣይደልን ምኽሪ

ሃበስ ቀደስ ግደፎ ቑምነገር ኣውሪ።

ገሊጸ ድሕሪ ዓባይ ተሓኤ ምፍራሳ

ክተዳናግር ነገር ኣይትሕዋውሳ

ከይትኸውን ሓደ ካብቶም ዘፍረሳ

ቡዙሕ ከይከውን ናትካ አበሳ።

ንድሕሪት ካብ ተመለስካ

ንጎይታኻ አይብልን ሕተቶ ንጓሳኻ

ይፈልጥ ዶ አይፈልጥን ንሱ ይንገርካ

ዓስከር እገለ እንተበልኩኻ

ሕማም መርዘን ከይሕዘካ።

እንተቲ

ታንኪ መድፍዕ ሒዝኩም

ዘይታዓወትኩም ምባልኩም

ከመይ ክንዕወት ምሳኻትኹም

ንደሞክራስያዊ ኣታሊልኩም

ምስ መሪሕነቶም ኣባኢስኩም

ፋሉል ኣጠሚቕኩም

ኤ.ል.ፒ እዚ ነሩ ስራሕኩም

ኣብ ተሓኤ ውዲት ፈጺምኩም

ውግእ ሕድሕድ ኣባሪዕኩም

ንሰራዊት ሓርነት መቓቒልኩም

ንጠቕሚ ኢሰያስ ሰሪሕኩም

ንሳራዊ ሓርነት በቲንኩም

ናብ ስደት ኣምሪሕኩም

እዚ ከይኣኽለኩም

ስደት ድሕረና ሲዒብኩም

ወዲ ድሙ ነይገድፍ ግብሪ ኡሙ

ሰውራዊ ባይቶ በታቲንኩም

ብታሪኽ ትሕተቱስ ንስኹም

ካብ ኣፍደገ ነጻነት ዝኾሎፍኩም

ብድርብ ጥልመት ትኽሰሱ ንስኹም

እታ ፍርድስ ትጽበላ ናዓኩም።

ከምቲ ሕርበኛ የማነ ባርያ ዝበሎ፨

ሓራ ዝነበረ መቃለሲ ባይታና

ሪኢና ሲኢናዮ ምፍቶት ጸላእትና

ንስኹም ነርኩም መንይሮ ቃልስና

ሕጂ ውን ትቕጽልዎ ኣሎኹም ጋና። 

ሰሚዕናዮ ጭሮሖኹም

ብልእላውነት ሃገር ምሕላቕኩም

ሕጂስ ምድንጋር ያኣኽለኩም

ካብ ህግደፍ ገዲድኩም

ኩሉ ፈሊጥዎ ምስጢርኩም።

ልእላውነት ኤረትራ የሎን ዝትንክፎ

ንህዝቢ ህግደፍ እንዳ ቐዘፎ

ንጎንጻዊ ቃልሲ ሰልፍኻ ዝነጽጎ

ንሕና ምስ ህዝብና ምባል ግደፎ

ካልእ ሓሶት ድለ ማይ ዘይሓለፎ

ሓሶትካ ዘንበበ ከይብለካ ሰባር ቆፎ።

እንታይ ሕልምኹም ሃገር ብዘይ ህዝቢ

ሰልፊ ህዝቢ ዶ ኤልፒ ግበሩ ቀልቢ።

ኣብ ቀጻሊ የራኽበና

ዓወት ነቲ ደምዝነብ ዕዘሎ ህዝቢ ኤረትራ

ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ሰማእታትና

ኤረና ንለብዘበን እንበር ነዓማታስ ሸዊት ለምለም

ዕንወት ንጃንዳ ህግደፍን ዓንገልቶምን