በል ታዓጠቕ ኪኢላ ጸለመ
نشر من قبل omaal في 11:12 صباحا - 29 01 1432 هـ (04 01 2011 م)

በል ታዓጠቕ ኪኢላ ጸለመ

ሕድሪ ሰማእታትና ክቡር እዩ

በርሀ ዑቁባዝጊ ሃገር ጀርመን


تفاصيل الخبر

በል ታዓጠቕ ኪኢላ ጸለመ

ሕድሪ ሰማእታትና ክቡር እዩ

በርሀ ዑቁባዝጊ ሃገር ጀርመን

ነቶም ዝማዓድኩ ደቂ ኤረይ እንዳ ሓተትኩ እቕረታ

ንሕማቕ ትምኒቱ ወስ ከብለሉ ኮይኑኒ ግደታ።

ወልደስላሴ ሰሪሩካ ዶ ጋኔን

ሓብሓብትኻ ኸ እኒ መን

ሞት ንኪዳን ሞት ኮምሽን

ብሄራት ተበዲልና ተበላ ምኹናን

ህያቡ ሓምድ ረቢ ሓቁ ብዘይ ምግናን

ኣሓ ተዘሚተን እየን ጸርፊሞ ዝገደፍና የብልናን።

ሓዲሽ ዓመት ስኒት ዘይምምናይ

ቅድሚ ኪዳን ኩን ሕልሙ ግናይ

ከይተፈለጠካ ኣቲኻያ ቲ ዓቢቀላይ

ንሞት ተመኒኻሉ ነዚኩሉ ተቓላሳይ

ከማኻ ዛኣምሰለ ኣይራኣኹን ካሕዳይ።

በል ታዓጠቕ ኪኢላ ጸለመ

ሓርበኛታት ከጸልም ዝተሸመ

ምስ ሉኡኽ ዓሊ ዓብዱ ዝሕመ

ኣብ ኣሪዞና እንዳ ሰምዔ ዝጸመመ

ምስ ኣለም ኣብ መስከረም ዘዔመ

እቲ ክሕደት መመሊሱ ዝደገመ።

ሓንጎልካ መሊኡ ክፍኣት

ኣብ መስከረም ዓስኪርካ

ኣብ ማዓስከር ጠላማት

ጽሑፋትካ ጻሕታሪ ህኵት

ኣይትፈትን ምስ ኪዳን ክትማጎት

ኤ.ዲ.ኪ ማዓስከር ሓርበኛታት።

ተስፋ ዝቖረጸ እንታይ ዘይዛረብ

ከይትብል ዳኣ  ብዕራይ ይሕለብ

ከም ክናብ ፈረስ ንድሕሪት ዝጋልብ።

ባዕሉ ተነጺሉ እንተ ኣእወየ

ጸረ ስኒት ኣዊጂ እንተ በኸየ

ኣበረኛ ኪዳን ኣጸሊሙ ዘእወየ

መን ያኣምኖ ሕጂ እንተበለ ወየ

ቀዳዲ ሓርቢ ደጋፊ ኣባ ጎቢየ።

ዕጢቕ በል ካብ ኣተኻ ኣብ ፈተነ

ሓዲሽ ዓመት ሕማቅ ክጽሕፍ ዝቐነነ

በል ዕጠቕ ኣይቅነኻን ሎምቅነ

ኣብ ኣሪዞና ማዓዲ ዝሳኣነ

ሰባር መሰንቆ ብጌጋ ዝተቓነ።

በይንኻ ተሪፍካ ተቐይርካ ጸማም

ታዓጢቕካ ንኪዳን ንምጽላም

ጀሚርካ ውን ንቢሄራ ምቅዋም

ኣሕዲርካ ዘይተፈለጠ ሕማም።

ቀጽል በል ኣኻእሎ ያሃብካ

ብርዕና እንተ ጎዲሙ ካብ ብርዕኻ

ኣብ መንቀራቕሮ ኣቲኻ ባዕልኻ።

ንኪዳን ኮሚሽን ቢሄራት ኣቲኻየን ብዱላ

ናዓመታ ዝጽለል ሎሚ ይድርቢ ደንጎላ

ዕብድብድ ኣቢሉካ ምዕዋቱ ዋዕላ።

ዓወት ነቲ ደም ዝነብዕ ዘሎ ህዝቢ ኤረትራ

ክብርን ሞጎስን ንጃጋኑ ሰማዕታትና

ኤረና ንለብዘበን እንበር ናዓመታስ ሸዊት ለምለም

ዕንወት ንጃንዳ ህግደፍን ዓንገልቶምን