ክሳብ ምዓስ ብሓሶት ምምክናይ እን&#477
نشر من قبل omaal في 10:08 صباحا - 30 01 1432 هـ (05 01 2011 م)

ክሳብ ምዓስ ብሓሶት ምምክናይ

እንካብ ምስፋሕ መሪጽኩም ምኹርማይ

ካላኣይ ክፍልን መወዳእታን

ገብረሚካኤል ሃብተጽያን፡ቆሪጀ፡


تفاصيل الخبر

ክሳብ ምዓስ ብሓሶት ምምክናይ

እንካብ ምስፋሕ መሪጽኩም ምኹርማይ

ካላኣይ ክፍልን መወዳእታን

ገብረሚካኤል ሃብተጽያን፡ቆሪጀ፡

ኣብ ክንዲ ንዕርቂ ንነገር ትቅስቅስ

ኣብ ሞንጎና ሓዊ ክተናኽስ

ንህግድፍ ረሲዕካ ንኪዳን ትከስስ

ለውጢ ንኸይመጽእ ተብዝሕ ሕልክስክስ

ህዝብኻ እንዳሞተ ንስልጣን ቁርቁስ

ንተቃለስቲ ተጸልም ንማፍያታት ትውድስ

ኣብ ዝሞተ ቃላይ በይንኻ ትሕንብስ

እንታይ ገደሰካ ባዕልኻ ትፈኩስ

ንኣርካናት ህግደፍ ክተሔጉስ

ንሰላም ንዕርቂ ግዳ ምኽርኻ ዘይትልግስ

ፍቅርን ስኒትን ኣብ ሃገርና ኽነግስ።

ብኣሰና ብኣለና ብዙሕ ኣይትርዓዱ

ኣብ ክንዲ ታሪኽ ሰውራና ዝሰነዱ

ኣብ ክንዲ ዘስተምሃሩ ዘኤንገዱ

ከይንህመል ክንዲ ዝመዓዱ

ኣብ ክንዲ ዝምጎሱ ዝናኣዱ

ኣይተሳእኑን ዘይተዋሕጠሎም ዘዕበድብዱ

ናይ ነዊሕ ዘይሓስብ ነዊሕ ዘየማዕዱ

ከም ኣለናን ኣሰናን ኣሻሓት ይወለዱ።

እግዚኣቢሄር የርእኹም ኣቦና ቀለታ

ኣቱም ተባሂልና ከይንበሃል ኣታ

ንሽግር ህዝብኹም ግበሩሉ ቁላሕታ

ክንዲ ዓገብ ምባል ንማፍያ ንሽፍታ

ስሞም ይተዓቀበሎም እንዳ በልኩም ሞጎታ

መንእሰይ እንዳ ተቀዘፈ ኣብ ሲናይ ኣብ ማልታ

ህግደፍስ ከምኡ ኮይኑ ባህሪያታ

እዚ ኩሉ ጸርፊ ዚ ኩሉ ሃውተታ

ዓቢይ ነቢይ ኩኑ ማሃሩና ዛንታ

ንዝተባእሱ ዕረቑ ከብቅዕ ቅረታ

ንሽግራትና ክንገብረሉ መደምደምታ

እዛ ሃገር ህዝቢዮም ዋናታታ

ሕጂ ውን እግዚኣቢሄር የርእኹም ኣቦና ቀለታ

እንዳ ረኣኹማ ሃገርና ተገቢታ

ብመደብ ብዕላማ ህዝቢ እንዳ ጽነታ

ንስኻትኩም ግን ትብሉና ንሕና ና ፈላጣት ሙሁራታ

ብጀካና የሎን መተካእታ

እንዳ በልኩም ምዝራብስ ኣየስምዕንዶ ሃየንታ።

ባዕላቶም ዛኣተዉ ኣብ ጠምበርበር

ወጊድ በልዎም ያኣክል ቀብጠርጠር

ዓቅሉ ዝጸበቦ እንታይ ሞ ዘይገብር

ደርሆ ውን ምስ ተኸስተነት ትብልያ ፈንጠርጠር

ሞይታ እንዳበልካ ትብል ፈርፈር

ኣልቦ ምህርቲ ጥራሕ ሓሰር

ጠልያ ኣይትበሉና ዋላ ትንፈር።

ውድቀትን ስዕረትን ንህግደፍን ሃዋርያቱን

ዓወት ንህዝብና

ክብርን ዝኽርን ንጀጋኑ ስውኣትና

ናይ ሰላም ቅሳነትን ዓመት ይግበረልና