ክንቃለስ ተቓሊስና ኢና
نشر من قبل omaal في 07:04 صباحا - 04 02 1432 هـ (09 01 2011 م)

ክንቃለስ ተቓሊስና ኢና

ሕድሪ ሰማእታትና ኩብር እዩ

በርሀ ዑቁባዝጊ ሃገር ጀርመን


تفاصيل الخبر

ክንቃለስ ተቓሊስና ኢና

ሕድሪ ሰማእታትና ኩብር እዩ

በርሀ ዑቁባዝጊ ሃገር ጀርመን

 

ንየማነ ባርያ መመሊስካ ትዝክሮ ጡዑም ቃና፨

ፈታዊ ሃገሩ ንመንእሰይ ዘላዓዓለ ባዓል ዝና፨

ቀልጢፍካ ከድካ ጎዲእካያ ንህዝብና፨

ፈታዊ ህዝቡ ኣቐዲሙ ዘጠንቀቐና፨

የማነ ሓደ ካብቶም ጀጋኑ ስዉኣትና፨

ዘጠንቀቐ ካብ ኣዛብእ መራሒኦም ጋውና

ህግደፍ ቂምተኛታት ምዃናም ነገሩና

ናቶምስ ፈሊጥና ሱዉራት ከፊኦምና

ብናይ ደገ አዛብእ ገዋኑ ተዋሪድና።

ንክንቃለስ ተቓሊስና ኢና

ሽፍትነት ክነግስ ንሞት ፈሪዶምና

ኣይተብዝሑ ምባል ንሓና ንሕና

ንሶም ምዃኖምስ ፈለጥና አሎና

ንዓመታት ዝዓንቀፉ ቃልስና

አለሊናዮም ምንሽሮ ህዝብና

ሕጂ ውን ኪዱ ንጹሃትና ሃቡና።

ጸረ ጉባኤ ጸረ ኪዳን ተላዒሎም

ኣብ መስከረም ኩይኑ ማዓስከሮም

ከም ህግደፍ ንዉሑዳት ኣሚኖም

ከምዚ ኮና ኢሉ እንተነገሮም

ገለ ንኺዳን ንሞት ፈሪዶም

ባዓል ዋጭል ሲዒበን አሰሮም

ኢለን ውን ንኪዳን መሽሚሾም።

ዝወጨጫ ከም ጋውና ዝመጻ ዋጪል

ከም ደወል ዝታኣሰረን ኣጣል

አብ ደንበ መንእሰያት ኣብዚሔን ዕልል

ከልቢ ይነብሕ ገመል ሓርነት ጉዑዙኡ ይቕጽል

ባዓል ወጨጫ  እንተበላ ጭል ጭል።

ጉባኤ ክነዕውቶ ኢና ብዘይ ቅድመኹት

ንሱ እዩ ዘሳጋግር ናብ ዓወት ቅሳነት

ንቃለስ አሎና ጸረ ናይ ኢሰያስ ስርዓት

ንጠቕሚ መን እዚ ኩሉ ሁውከት

ወልደስላሴ ኣይጣዓኻን ሎሚ ዓመት

ንደሞክራሲ ዝቃለስ ይምእዘዝ ብድምጺ ብዙሓት

ተሰሊፍካ ምስ ናይ ፖሎቲካ ንዱያት

ተጋሊጽካ ምዃንካ ጸረ ስኒት ሓድነት

ኣብ መስከረም ኣብ ዚሕካ ኣውያት።

ተረቲዕና ከይብሉስ ይግባይ ይብሉ

ምስለነ ክኸውን ዝምነ ንኪዳን ቀቲሉ

ዓስከር ህግደፍ ምኾኑ ዘየስተባሃልናሉ

አርሒቕካ ጠምት ከይተተንተነ ኩሉ

ኣነ ጸላእኩ ምልኪ ይጽናሕ ዝብሉ።

ገ እንዳ በሉኻ ዶ ትጋገ

ተንኮል ብውሽጢ ተንኮል ብደገ

ተቃላሳይ መሲሉ ህዝቢ ዘጋገ።

እንተ ሕጂ ሞ ፍስሃ ሓዲሩኒ

ግጥሚ ሓርበኛታት ኣንቢበ ደስ ኢሉኒ

ኪኢላ ጸለመ ቦታ ከምዘይብሉ ተረዲኡኒ

ዋህዮ ህግደፍ  ነጸላይ ኣቐብሉኒ

ዓወት ነቲ ደም ዝነብዕ ዘሎ ህዝቢ ኤረትራ

ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ሰማእታትና

ኤረና ንለብዘበን እንበር ነዓመታስ ሸዊት ለምለም

ዕንወት ንጃንዳ ህግደፍን ዓንገልቶምን