ካልኣይ ጉባኤ ስድሪ ትማሊ 09-10-2011 ብዓወ&#472
نشر من قبل omaal في 06:00 صباحا - 06 02 1432 هـ (11 01 2011 م)

ካልኣይ ጉባኤ ስድሪ ትማሊ 09-10-2011 ብዓወት ተዛዚሙ።

አገልግሎት ዜና ስድሪ

ለንደን 10/01.2011


تفاصيل الخبر

 

ካልኣይ ጉባኤ ስድሪ ትማሊ 09-10-2011 ብዓወት ተዛዚሙ።

አገልግሎት ዜና ስድሪ

ለንደን 10/01.2011

ካልኣይ ጉባኤ ዜጋታት ንዲሞክራሲያዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ (ስድሪ) ሎሚ ሰንበት 09-01-2011 እውን ንካልኣይ መዓልቱ ቀጺሉ ዊዑሉ። እቲ ጉባኤ ነቲ ትማሊ ኪዛዝሞ ዘይከኣለ መደብ ምምሕያሽ ቻርተር ብዝምልከት ብዕምቆት ብምዝታይ ዝኽለስ ከሊሱ፡ ዝምላእ መሊኡ ዝመሓየሽን ዝዕረን እውን ኣመሓይሹ። ኣብ ብዙሕ ኣርእስቲ ዉዕዉዕ ክትዓት ብምክያድ ቻርተሩ ድሕሪ ምጽዳቕ ከኣ   ንዝመጽእ ክልተ ዓመት ንስድሪ ዝመርሑዋ 11 ዝኣባላቱ ቦርድ ኦፍ ዳይረክተርን ሃጋፋት ምስ ዘጋጥም ከም መተካእታ ዘገልግሉ ክልተ ተጠባበቕቲ መሪጹ።  ጉባኤ እቲ ቦርድ ኦፍ ዳይረክተርስ  ካብ መንጉኡ ሓሙሽተ ፈጸምቲ ኣባላት ብምምራጽ ብመሰረት ዕላማታትን መትከላትን እቲ ቻርተር ንኪመርሓ ሓላፍነት ኣሰኪማቶ።

እቲ ጉባኤ፡ ስድሪ ኪሳዕ ሕጂ ከምቲ ዝድለን ኪኸውን ዝግበኦን መነንታን ዕላምታታን ምስ ህዝቢ ስለዘይላለየት ህዝቢ ብዛዕባ ስድሪ ዝህልዎ ኣረኣእያ በቲ ብደገ ዝዕለል ባዕላዊ ኣረኣእያ ኪጽሎ ባህሪያዊ ስለዝኾነ ነዚ ሃጋፍዚ ንምምላእ ኪትሰርሕ፣

ዓቕማ ብዘፍቅዶ ንወጽዓታት ህዝብናን በደላትን ግፍዕታትን ስርዓት ህግደፍ ዘቃልዕ ቀጻሊ ጎስጓስን  ከተካይድ፣

ስድሪ ኣብ መትከላትን ዕላማታትን ቻርተራ ብሙሙርካስ ንህሉዉ ፖለቲካዊ ኩነታትን ሃገርናን ዞባናን ከባቢና ኣብ ግምት ብምእታው ብምትዕጻጻፍ ኪትዋሳእ፣

ስድሪ ምስ ዝኾነ ወገን ኣብ እተካይዶ ርክባት ጸግዕን ወገንን ከይሓዘት ብመሰረት እቲ ከም መርሓኣ  ዝሓንጸጸቶን ተኻቲዓን ዘትያን ዘጽደቐቶ ቻርተራ ኪትሰርሕ ዝብልን ካልእ ብዙሕ ዝርዝራትን

ድሕሪ ቀትሪ መሓዙትን ኣዕሩኽን ስድሪ ዝኾኑ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ናይ ደገፍ መልእኽቶም ኣቕሪቦም።  መጀመርታ ንናይ ለውጢ ዕድል መስኮት ምኽፋት ብዝብል ኣርእስቲ ኣስተምህሮኣ ዘቕረበት ኣብ ዩኒቨርስቲ ሆላንድ ከም ፕሮፌሰር እትዓዪ ከምኡውን ዳይረክተር ናይቲ ኤውሮጳን ኤክስተርናል ፖሊሲ ኣድቫይስ (EEPA) ተባሂሉ ዝጽዋዕ ኣብ ብራስልስ ዝመደበሩ ዘይመንግስታዊ ማሕበር ዝኾነት ዶክተር ሚርያም ፋንድ ራይስን ኢያ ነይራ። ንሳ ኣብ ኣስተምህሮኣ ሲቪካውያን ማሕበራት ኣብ ሓደ ሃገር ከም ኣቀላጠፍቲ ዲሞክራሲያዊ ለውጢ ብምስራሕ ሰላምን ምርግጋእን ኣብ ምፍጣር ልዑል ተራ ከምዘለወን ንተመኩሮ ኔፓልስ ብምጥቃስ ሰፊሕ መረዳእታት ብምቕራብ ስድሪ ተመሳሳሊ ተራ ንኺትጻወት ለበዋኣ ኣቕሪባ። ኣብ መወዳእታ ከኣ ካብ ተሳተፍቲ ንዝቐረበላ ሕቶታት መሊሳ ርእይቶታት እውን ሰሚዓ።

ቀጺሉ ብኣባል ናይ ለውጢ ተበግሶታት  (initiatives of change) ብዝብል ስም ዝጽዋዕ ስእነት ዲሞክራስን ፍትሕን ኣብ ዘለወን ሃገራት ዝነጥፍ ማሕበር ኣቶ ፒተር ንኣገድስነት መበቆላዊ ተበግሶ ንለውጢ ዘብርህ መግለጺ ቀሪቡ። ንሱ ኣብ ሓበሬትኡ ኩሉ ሳዕ ካብ ውሽጢ ህዝቢ ዝነቅል ናይ ለውጢ ድሌትን ተበግሶን መሰረት ነባሪ ሰላምን ምርግጋእን ብሙዃኑ ስድሪ ኪትደፍኣሉን ኪትሰርሓሉን ተላብዩ። ኣብ ግዜ ወተሃደራዊ ምምሕዳር ኢንግሊዝ ኣብ ኤርትራ ኣብ እምባትካላ ወተሃደራዊ መኮነን ዝነበረ ሽማግለ ኣቶ ጂሚ ድማ ግዙኣት ሃገራት እንኮላይ ኤርትራ ኣብ ግዜ መግዛእቲ ዝወረደን በደል ከምዝስመዖ ብምግላጽ ይቕሬታ ድሕሪ ምሕታት ህዝቢ ኣብ ምንቕቓሕን ምሕያልን ዝካየድ ዝኾነ ይኹን ንጥፈታት ንምትሕብባር ድሉውነቱ ኣረጋጊጹ። ኣብቲ ኣጋጣሚ በቲ ትካል ዝቐረበት ብሰንኪ ኢትኒካዊ ጎንጺ ኣብ ህዝብታት ዝወርድ በሰላን ሃስያን እተርእን ንኣፈታትሓ ኢትኒካዊ ግርጭት ኣብ ኣፍሪቃ እትምህርን ዶክሜንታሪ ፊልም ተራእያ።

ድሕሪ ሓጺር ዕረፍቲ ኣቶ ሱሌማን ሑሴን ኣቦ መንበር ስድሪ፡ ስድሪ ኣብ ውሽጢ ናይ ክልተ ዓመት ዕድመኣ ዘካየደቶ ንጥፈታት ዘርዚሩ ድሕሪ ምቕራብ ተራ ሲቪካዊ ማሕበራት ሃገርና  ብመንጽር ታሪኻዊ ድሕረ ባይታ ኤርትራ ብዝብል ኣርእስቲ ኣስተምህሮ ኣቕሪቡ። ንሱ ንተራ ሲቪካዊ ማሕበራት ሃገርና ቅድሚ ናጽነት ኣብ ሓምሳታት፡ ኣብ እዋን ብረታዊ ተጋድሎን ድሕሪ ናጽነትን ንዝነበረን ዘሎን ታሪኻዊ ኩነታት ብዕምቆት ድሕሪ ምብራህ፡  ሲቪካውያን ማሕበራት፡ ንህዝቢ ብሓበሬታ ከዕጥቓን ከነቓቕሓን፡  መሰላቱ ኪገሃስ  እንከሎ ከኣ ኪሕለቓን ኣቤት ኪብላን ከይሰልከያ ኪሰርሓሉ ዘለወን ዋኒን ብሙዃኑ ስድሪ ዓቕማ ብዘፍቅዶ ነቲ ስራሕ ኪትገጥሞ ሙዃና ኣረዲኡ።

ኣስተምህሮኡ ድሕሪ ምዝዛም ከኣ ካብ ዕዱማት ተሳተፍቲ ዝቐረበሉ ሕቶታት መስሊሱን ኣብሪሁን።ኣብቲ  ኣባላት ዝተፈላለዩ ውድባትን በርጌሳውያን ማሕበራትን ውልቀ ሰባትን ዝተረኽቡሉ ናይ ጉባኤ ኣጋጣሚ ብዛዕባ ሓፈሻዊ ንጥፈታት ስድርን ኣብ ህሉው ፖለቲካዊ  ኩነታት ሃገርና ዘለዋ መርገጽን ብዝምልከት ብዙሕ ሕቶታትን ሰፊሕ