ኣብ ሓዲሽ ዓመት እንታ መደረ ኣርወ
نشر من قبل omaal في 07:38 صباحا - 11 02 1432 هـ (16 01 2011 م)

ኣብ ሓዲሽ ዓመት እንታ መደረ ኣርወ

ሕድሪ ሰማእታትና ኩቡር እዩ

በርሀ ዑቁባዝጊ ሃገር ጀርመን

 


تفاصيل الخبر

ኣብ ሓዲሽ ዓመት እንታ መደረ ኣርወ

ሕድሪ ሰማእታትና ኩቡር እዩ

በርሀ ዑቁባዝጊ ሃገር ጀርመን

 

ካብ ብደም ዝታሓጸበ እንታይ ክንጽበ

መን ኣሎ ተረፍ ዝብኢ በሊዑ ዝጽበ

ሓቢርና ንስራሕ ካብ ዝናኣሰ ክሳብ ዛዓበ

ክኸውን ዓመት ናይ ህግደፍ ሓመድ ድበ።

ኣይግዱ ዊስኪ ምስ ሰተየ ኣርወ

ትም ያሓይሽ እንታይ ክጽወ

ዋላ ሰኺሩ ኩሉሻዑ ምስ ዝዣዠወ

ብከሙኡ ንሳዓብቱ እንተ አዓሸወ

ታዓጂቡ ኣብ መድረክ ደይቡወ።

መመሪጹ መሊእዋ ነዛ ኸብዱ

ረጋጊጽዎም ሓሊፉ ንብቑሪ ዝኸርደዱ

ኣዘንጊዑ ብማእከሎም ሓሊፉ ብኢዱ

ሎምስ ቢኢስዎ ወሲኹ ዓቢዱ

ኣለና ጎጥጕጡ ኣውጺእዎ ጉዱ።

እወ ናብ መድረኽ ገጹ ኣምሪሑ          

ብጣዓዉ ኣስታላ ዝመስሉ ተመሪሑ

ብከም ብጽሕቲ ወርሒ ከብዶም ዘምርሑ

ክሳብ ማዓልቶም ህዝቢ ዘፋራርሑ

እንዳ ኣንቀጥቀጠ ንደቓይቕ ጸኒሑ።

እንዳ ፈርሀ ካብ ቀጪሕርሙ

እንዳ ተራኣይዎ ጀጋኑ ኣብ ሕልሙ

ቡኡ ዝጸነቱ ብሂወት ዘለዉ ዝጽመሙ

ሎሚ ዓመት ኣይተርፎን ምጭልጋሙ

ደም ንጽሃት ኣይሰድድን ዘበት ሃዲሙ።

መታን ክንዕወት ንታሓጋገዝ

ንመንእሰ ክነድሕኖ ኣይንበል ፈዘዝ

ዓዲ ትዝመት ኣላ ኮይኑ ዝሓዘ ያሓዝ

ሽፍትነት ነጊሱ ጠፊኡ ምትሕግጋዝ

ማፍያ ከሳዓርካ የሎን ድቃስ ጎበዝ።

ብዙሓት ኣለዉ ዓወትና ዝጽበዩ

ሲዒርና ክንኣቱ ነቶም ህዝቢ ዘብክዩ

ይብሉ ኣለዉ ብውሕልልነት ዕየዩ

ክትኣልሹዎም ነቶም ንህዝቢ ዘድመዩ

ክሳብ ዘጽኑቱና ዲኹም ትጽበዩ

እቶም ትሳማሙዑ ባሓንሳብ ዘይታዓዩ

ንህዝቢ ክትኣልይሉ ክርዳዱ ጻህያዩ።

ኤረትራዊ ደሞክራስያዊ ኪዳን

ዚሒሉ ስራሕኩም ህዝቢ ምድሓን

211. ንምነ ቃልሲ ካሓንን

ትጽቢት ነዊሕ ህዝቢ ሲኢኑ ምስሳን።

 

211.ንምነ ዓመት ስኒት ቅሳነት

ዓመት ናይ ህግደፍ ስዕረት

መንእሰይ ክወርድ ካብ ኩርባትት

ከስተማቕሮ ዝተሓረሞ ንዓመታት

ክወልድ ክዝምድ ወደባት

ሰሲና ክንከውን ምልዮናት

ሓይልና ይኹን ንህዝቢ ድሕነት

ከብቅዕ ስደት መንእሰያት

ዓዲ ክምለሱ እቶም ዝበሉ ከርተት

ምእንቲ ንደሞክራሲ ንሓርነት

ጭንቀት ኣብቂዑ ክንጅምር ሓዲሽ ሂወት።

ዓወት ነቲ ደም ዝነብዕ ዘሎ ህዝቢ ኤረትራ

ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ሰማእታትና

ኤረና ንለብዘበን እንበር ነዓመታስ ሸዊት ለምለም

ዕንወት ንጃንዳ ህግደፍን ዓንገልቶምን