ሰልፊ ዲሞክራሲ (E.P.D.P) ካብ ኪዳን ቀይዲ &#470
نشر من قبل omaal في 07:13 صباحا - 21 02 1432 هـ (26 01 2011 م)

ሰልፊ ዲሞክራሲ (E.P.D.P) ካብ ኪዳን ቀይዲ በቲኹ

ብምፍንጫሉ ብጉዳይ ህዝቢ ቅንጣብ ሓልዮት ነይቡሉ

 ካብ ዘራጼን ግርማጽየን

 ኢንተ ኪዳን እሞ ተማሒሩ ምክንያቱስ ሙልእ ተቃውሞ ደምበ ብሰንኪ እዚ ሰልፊ እዚ ኣብ ውሽጡ ኮይኑ ክሳቕዮ ዝጸንሔ ብሰንኪ ኣዕናዊ ስሮሖም ከም ናጻ ኴና ክንካታተሎም ካብ ዝጸናሕና ግዜ ክስብ እዚ እዋን ዝተፈንጨልሉ ካብቲ ንኪዳን ከምዘይ ሰርሕ ጌሮም ኣብ ክንዲ ኪዳን ውራዩ ንህዝቢ ንምድሓን ዝጥምት እሳቶም ዘዝኣጎድዎ ግርጭት ንምፍታሕ ኪዳን ግዚኡ ከማኽን ከም ዝጽንሔ ኢና ክንርእን ክንዕዘብን ጸኒሕና።


تفاصيل الخبر

ሰልፊ ዲሞክራሲ (E.P.D.P) ካብ ኪዳን ቀይዲ በቲኹ

ብምፍንጫሉ ብጉዳይ ህዝቢ ቅንጣብ ሓልዮት ነይቡሉ

 ካብ ዘራጼን ግርማጽየን

 ኢንተ ኪዳን እሞ ተማሒሩ ምክንያቱስ ሙልእ ተቃውሞ ደምበ ብሰንኪ እዚ ሰልፊ እዚ ኣብ ውሽጡ ኮይኑ ክሳቕዮ ዝጸንሔ ብሰንኪ ኣዕናዊ ስሮሖም ከም ናጻ ኴና ክንካታተሎም ካብ ዝጸናሕና ግዜ ክስብ እዚ እዋን ዝተፈንጨልሉ ካብቲ ንኪዳን ከምዘይ ሰርሕ ጌሮም ኣብ ክንዲ ኪዳን ውራዩ ንህዝቢ ንምድሓን ዝጥምት እሳቶም ዘዝኣጎድዎ ግርጭት ንምፍታሕ ኪዳን ግዚኡ ከማኽን ከም ዝጽንሔ ኢና ክንርእን ክንዕዘብን ጸኒሕና።

1.  ንመርትዖ ዝኣክል ክኣ ነዚ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ሰነድ ንመልከት

ኣብ ግዜ ምሕዝነት ጉባኤ ኣብ ዝተገብረሉ ግዜ ህዝብና ብዓቢ ተስፋ ካብቲ ጉባኤ እና ተጸበየ ኮሎ ነቲ ጉባኤ ጥሒሶም ናይ ምፍንጫል ካብ ምሕዝነት ኣዕናዊ ዝኮነ ዘይ ሓላፍነታዊ ቀዳማይ ምርጮኦም ጌሮም ወሲዶሞ። ነዚ ኣዕናዊ ዝኮነ ስግምቲ ክወስድ ምክንያት ዝገበርዎ ክኣ ነቲ ጉባኤ ናይ ኪዳን ብሕሳባም ከም ውዱእ ነቲ ኪዳን ንሕና ኢና ንመርሖ ኢሎም ስለ ዝኣተውዎ ኣብቲ ጉባኣኤ ኣብቲ ግዜቲ 14 ውድባት ነይረን ኣብ ጉባኤ ዝተካፈላ 13 ውድባት ድማ ን ኣቶ ሑሩይ ተላ ባይሩ መሪጸን፤ብድሕሪዚ እዚ ሕጂ ተፈንጭሉ ዘሎ ሸነኽ ወልደስዩስ ዓማር ሰውራዊ ባይቶ ተባሂሉ ዝፍለት ዝነበረ ብኣቦ ወንበርነት መንግስተ ሰማይ የዋርሶ ስውእ ስስዩም ዑቅባምንኪኤል ብሓረስታይ ቅጽል ሽም ዝፍለት በይኑ ሓደ ውድብ ነቲ ናይ 13  ውድባት ድምጺ ጊሂሶም ንሕና ዘይ መራሕና ኢሎም ምስ ተፈንጨሉ ብዘይኮነ ምክንያት ፈጢሮም ካብ ዝገበርዎ ኣዕናዊ ተግባራት ክሃድም ንህዝብና ላል ኣቢሎም ኣብ ዕንክሊል የእተውዎ። ጉዳይ ዲክታይተር ስርዓት ህግደፍ ኣብ ርእሲ ህዝብና ዘውርዶ ዘነበረን ዘሎን ግፍዒ ተረሲዑ ምሕዝነት ኣብ ሽግሮም ምፍታሕ ግዚኦም ኣባኸኑ። ይተካእ ይለቅብ ክም ፍረ ጻዕሪ ናይ ምሕዝነት ክኣ ናብ ምሕዝነት ናብ ኪዳን ተቀይሩ ኣብ ኪዳን ከም ዝኣትው ተገበረ።

2.  በዚኸ ከብቅዕ ድዩ ህርፋን ስልጣኖም ብዓል ኣመል ማይ ሰትዩ ይጠርጥ

            ኣብ ኪዳን ክኣ ተዓዘብ የዕናዊ ተግባራቶም ክመይ ይመል

 ድሕሪ እዚ ኽሉ ናይ ሽግር ናይ መሪሕነት ህርፋን ኣዕናዊ ተርኽቦ ኣብ ተቃውሞ ደምበ ብእሳቶም ዝፈጠርዎ ከምትቲ ኣብ ላዕሊ ዝጠቀስክዎ ተቃወምቲ ውድባት ልቢ የዕብዮም ናብ ኪዳን ምስ መለስዎም ዳግማይ ከምቲ ናይ ምሕዝነት ጉባኤ ዝወሰድዎ ስግምቲ ኣብ ናይ ኪዳን ጉባኤ ድማ ንሕና ዘይ መራሕና ብምባል ነቲ ኪዳን  ኪዳን#1 ኪዳን # 2 ክብሉ ነቲ ተቃውሞ ደምባ ናብ ክልተ ገሚዖሞ ኣብዚ መድረኽ እዚ ንኪዳን ናብ ክልተ ክገምዕዎ ከለው ምሓዙት ጎሮባብቲ ሃገራት ስዳን የመን ኢትየጵያ ስምረትኩም ትራሕ ኣርኡዩና እምበር ነዚ ስርዓት ህግደፍሲ ንህዝብክምን ሃገርክምን ሰላም ከሊኡ ናዕና ሰላም ዝኸልኤ ስርዓት ስለ ዝኮነ ዘድልየክም ሓገዝ ዝጠለብክሞ ክንልግሰልክም ኢና ኣብ ዝብላሉ ዝነበራ ግዜ ኢየን እዚ ምግምማዕ እዚ ዝፈጠሩ እቲ ምኽንያት ከርሲ ነገሩ ንሕና ዘይ መራሕና ጥራሕ ካብ ዝብል በለጻዊ አሳያሳዊ ዝኾነ ንህዝብና ዘይ የርብሕ ከሎ ዕባራ ምክንያት ፈጥርካ ነቲ ህዝቢ ካብ ንድሕነቱ ሓቢሩ ኣንጻር ምልካዊ ስርዓት ከይ ይቃለስ ድሕረይሲ ሳዕሪ ኣይ ትብቆል በለት ኣድጊ ኮይኑ ነገሮም።

   ሳላ ጹኑዕ መሰረታት ኪዳን ሳላ ጽኑዕ ሲቪካውያን ማሕበራትን ሳላ ጹኑዕ ሓፋሽ ሕዝብናን ብእኩብ ድምር ናይ ሓባር ዓገብታን  ትጋገገዩ ኣለኹም ዝብል ተባዕ ቆራጽ ሓያል ተጽዕና ስለ ዝነበረ ከይ ፈተዉ ምርጫ ስለ ዘይ ነበሮም ተመሊሶም ናብ ኪዳን ኣተዉ፤ ዝተገብረ ጌጋ ኣይንደግምን ሓቢርና ብስምምዕ ክንሰርሕ ዝብል መግለጺ ድማ ሪእና።

3.  ብዓል ኣመል ማይ ሰትዩ ይጠርጥ ጥልመት ዋዕላ ፕራስለስ  ይመጽእ

ኣብ ዋዕላ ፕራስለስ ብጉዳይ ሃገር ዝኣክል ንሕና ኢና ምሁራት ንሕና ኢና ፈላጣት ዝብል ትምክሕታዊ ልዕጣጠ ንኪዳን ከይ ኣፍለጡ ኣብዚ ዋዕላዚ ሕፍር ከይ በሉ ግህሰት መሰል ዜጋታት ደቊስካ ንረብሖኦም ብዝጥዕም ዝተዋደደ ተንኮል ንህዝብና ብእሳቶም ዝ ኣጎድዎ ጎንጺ ላል ዘበለ ኣብ ሞንጎኦምን ሞንጎ ኪዳን ክኣ ዝጠፈተረ ሃልኪ ኣብ ክንዲ ወጽዓ ህዝብና ንቃለስ ኣብ ዲቅ ዝበለ ሃልኪ ከም ዝንቆት ገበሩ ካፍቲ ዘሕጉስ ብውጻተኛታት ተሳተፍቲ ዋዕላ ንኩነታት ኪዳን የዕርዮም ስለ ዝካታተሉ ዝነበሩ መቃልስትኹም ኪዳን ኣለዉ በይንኩም ትውስንዎ ትውክልዎን ኣይ ኮነን ጉዳይ ሃገር ስለ ዝኮነ ክብሉ ዘሕፍር መልሲ ኣኒቖሞም።

4.  ብ ጉዳይ ዋዕላ ብዓል ኣመል ማይ ሰትዩ ይጠርጥ

 ብጉዳይ ዋዕላ ሰልፊ ዲሞኩራሲ ካብ ዋዕላ ክፍንጨል ኮሎ እቲ ዋና መፈንጨሊኦም ኪዳን ናብ ዋዕላ ህዝቢ ከሳተፉ ብምዃኑ ሰለ ዘይ ተዋሕጠሎም እቲ ዋዕላ ንህዝቢ ብዘይ የሳትፍ ዋዕላ ኪዳን ጥራሕ ኮይኑ ተሓጺሩ ክተርፍ እሞ ኢቲ ኣዕናዊ ዝኾነ ተንኮላት ሰልፊ ዲሞክራሲ (E.P.D.P) ንቲ ተንኮላዊ በለጾም ህዝቢ እንድሕሪ ተሓዊስዎ ከም ናይ ቀደሞም ነቲ ዋዕላ ብዘይ ምስምማዕ ብዘይ ሓደ ውሳኔ ክወጽእ እንድሕሪ ንሕና መርሕቲ ተቃውሞ ኴና ዘይንወጽኣሉ እንተ ኾይኑ ካብ ዝብል በለጻዊ ተንኮል ድሕረይ ሳዕሪ ኣይትብቆሎ ዝዓይነቱ ካብ ዋዕላ ክንፍለዩ ከለው ዘምጽእዎ ዕባራ ምኽንያት ህዝቢ ኣይ ኣሳተፈን ደቀንስትዮ ኣይ ተዓደማን፥ኣውስትራልያ ዶ ሳውዝ ኣፍሪቃዶ ስድሪዶ ብዝብል ምስምስ ነቲ ዝተገብረ ዋዕላ መርዛም  ኢሳያሳዊ ሕንዚ ንዜጋታት ዘናቑት ሕፍር ከይ በሉ ናይ ኣስላም ዋዕላ ኢዩ ክብሉ ንዝተፈንጨልሉ ምኽንያት ብህዝቢ ከይ ኩነኑ ዘይ ርትዓዊ ካብ ሓቂ ዝወጽኤ ናብ ህዝቢ ኣነዋርን ኣዕናውን ዝኾነ ንዜጋታት ላል ዘበሉ ኩሉ ክካታተሎም ዝጸንሔ ኢዩ። ነዚ ዘይ ሓላፍነታዊ ኣዕናዊ ተበላጺ መርገጾም ክኣ ኣብ ውሽጢ ሰልፎም ብርቱዕ ተቓውሞ ኣጋጠሞም ኣብ ክንዲ ነቲ ተቃዉሞ ብኣባላቶም ዝመጽኦም ዝነበረ ኑዑኡ ፍታሕ ዝገብርሉ ናብ ኣባላቶም ዘለፋታትን ምድስካላትን አሳያሳዊ ምልኪ ስግምቲ ክወስዱ ተገደዱ ካብዚ ሓሊፎም ድማ ንጠቅሞም ክቡሉ ነቲ ሰልፊ ብሰንኪ ናይ ዋዕላ ሕቶ ናብ ምፍንጫል ደቅደቅዎ። ብእዋኑ ዝነቀወ ዝብኢ ነይ የቅስነንኒ ድሕሪ ምልቃቕ ስርዓት ኢሳያስ ስልጣን ምስ ሓዙ ድኣ ናብ ምንታይ ከእቱውና ኢዮም ኢልካ ናብ ስክፍታ ዘእትውኻ ኮይኖም ተግባራቶምን ተግባራት ኢሳያስን ዝተዛመደ ኮይኑ ረኪበዮ። እዚ ዝጠቀስክዎ ካብ ባሕሪ ብጭልፋ ማይ  ክም ዝባሃል፤ ካብ ብዙሕ ተንኮላት ሰልፊ ዲሞክራሲ ቁንጣሮ ኣብቲ ነጥቢ ንህዝቢ ተግባሮም ከላሊ ተመሊሶም ከም ስርዓት ህግደፍ ዝገበሮ ክድዓት በዚኦም ክኣ ዳግማይ ከይ ድገስ ንምጥንቃቅ ዝኣክል ጥራየ ምስ ኩሉ ጸቢብ ግዝየይ ነዚ ክጽሕፍ ዘገደደኒ ናበልኩ ናይ ሎሚ ሓጻር መብርሒ ኣብዚ ከጣቓልል ይመርጽ።

ዓወት ንሃገራዊ ጉባኤ

ዓወት ንንጥፈታት ኮምሽን

ውድቀት ንየዕናዊ ተፈንጫሊ

24/1/2011