ማእከላይ ኮሚቴ ዲሞክራስያዊ ውድ&#4709
نشر من قبل omaal في 09:14 صباحا - 24 02 1432 هـ (29 01 2011 م)

Red sea afar 2011.jpg

ማእከላይ ኮሚቴ ዲሞክራስያዊ ውድብ ዓፋር ቀይሕ-ባሕሪ መበል

 12 ዓመት ምስረታ በዓል ምኽንያት ብምግባር ዘውጸኦ ውድባዊ መግለጺ


تفاصيل الخبر

Red sea afar 2011.jpg

 

 

ማእከላይ ኮሚቴ ዲሞክራስያዊ ውድብ ዓፋር ቀይሕ-ባሕሪ መበል

12 ዓመት ምስረታ በዓል ምኽንያት ብምግባር ዘውጸኦ ውድባዊ መግለጺ

 

 ህዝቢ ኤርትራ ን30 ዓመታት መሪርን ሓያልን ቃልሲ አካያዱ ናጽነቱ አረጋጊጹ ኢዩ፡ ድሕሪ ናጽነት ሃገር ሰብአዊ ዲሞክራስያዊ መሰሉ ክኽበረሉ ድማ ብሃንቀውታ ይጽበ ነይሩ፡፡

ብመሪር ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ አብ ኮሮቻ ስልጣን ዝመጸ ጨቓኒ ስርዓት ንህዝቢ ኤርትራ ንዝለዓለ ስደትን መከራን ስቅያትን ዓፈናን ንኽቃላዕ ገርዎ ኢዩ፡፡

ህዝቢ ዓፋር ቀይሕ ባሕሪ ከም ካልኦት ብሄራት ኤርትራ ነዚ መከራ›ዚ ተኻፋሊ ገርዎ ኢዩ፡ እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ግን አብ ልዕሊ ህዝቢ ዓፋር ቀይሕ ባሕሪ ፍልይ ዘብሎ እንተሎ አብ ልዕሊኡ ዝፍጸም ዘርኢ ናይምጽናት ፖሊሲን ጅምላዊ ጭፍጨፋን ህልቂትን ህዝቢ ከም ህዝቢ ተሳቅዩ ሃገሩን ሃብቱን ለቒቑ ከምዝሃድምን ከምዝባረርን ይግበር ምህላዉ ኢዩ፡፡ 

ብዝበኣሰ ኩነታት አብ ከባቢ ዓፋር ቀይሕ ባሕሪ ትምህርትን ጥዕናዊ አገልግሎታትን ንነዊሕ ዓመታት ደው ኢሉ ይርከብ፡ ብመንጽር ናይዚ ሳዕቤን›ዚ ድማ ብኣማኢት ዝቑጸሩ መንእሰያት ዓፋር ኤርትራ በብመዓልቲ ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ክስደዱን ክውሕዙን ይረአዩ አለዉ፡፡

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ አብዚ እዋን›ዚ ዲሞክራስያዊ ውድብ ዓፋር ቀይሕ-ባሕሪ መበል 12 ዓመት ምስረታ በዓሉ ከኽብር ከሎ፡ ካብ ዝሓለፉ ዓመታት ዝያዳ አብዚ እዋን›ዚ አብ ውሽጥን አብ ደገን ዝርከብ ህዝቢ ዓፋር ቀይሕ-ባሕሪ አብ ጎኒ መሪሕ ውድቡ ተሰሊፉ ምስ ኩለን ብሄራትን ሓይልታት ተቓወምቲ ኤርትራ ኢድ ንኢድ ተታሓሒዙ አብ ኤርትራ ጨፍጫፊ ሰርዓት ካብ ሱር መሰረቱ ተባሕጊጉ ኩሎም ሰብኣዊያን መሰላትን መሰል ብሄራት ኤርትራ ናይ ባዕላተን ዕድል ባዕላተን ናይ ምውሳን ዘረጋግጽ መስል አብ ኤርትራ ንኽረጋገጽ ብናህሪ ዝተበገሰሉ እዋን ከም ምኻኑ ካብተን ዝሓለፋ ዓመታት ፍሉይ ዘብሎ ኢዩ፡፡  ሰለዚ እዚ ጨቓኒ ስርዓት›ዚ ዝውግደሉ እዋን›ውን ሕጂ ሰለዝኾነ ህዝቢ ኤርትራ ሓድነቱ አጠናኺሩ ብሙሉእ ወኑ ክልዓል ማእከላይ ኮሚቴ የዘኻኽር፡፡

ብኻልእ ወገን ዲሞክራስያዊ ግንባር ብሄራት ኤርትራ  ብሄራዊ ሕቶ ንምጥንኻር አብ ዝሰርሓሉ ዘሎ እዋን፤ ብሄረ ናራ ንኹሉ ዘጋጥሞ ዝነበረ ጸገማትን መሰናኽላትን ሰጊሩ ውድባዊ ጉባኡኡ ከዕውት ብምብቅዑን 4ይ አባል ዲሞክራስያዊ ግንባር ብሄራት ኤርትራ ክኸውን›ውን ብምብቅዑ ልዑል ሓጎሱ ይገልጽ፡፡ ከምእውን ብሄረ ብሌን ንዘጋጥሞም ዘለው ጸገማት ሰጊሮም አብ ቀረባ እዋን ውድባዊ ምስረታ ጉባኤ ከቃንዑ 5ይ አባል ዲ.ግ.ብ.ኢ ክኸውን ልዑል ትጽቢትናን ድልየታትናን ኢዩ፡፡

አብ መጨረሽታ መንግስቲ ኢትዮጰያ ንኤርትራዊያን ተማሃሮ ብፍላይ ድማ ንመንእሰያት ተማሃሮ ዓፋር ቀይሕ-ባሕሪ ከባቢ 100 ዝኾኑ አብ ዝለዓለ ዩኒቨርስታት  ንኽመሃሮ ዕድል ዝሃበ ንዲክታተርያዊ ስርዓት ዝኸሽሕን ዘውድቅን ህዝቢ አብልዕሊኡ ዝያዳ ንኽለዓዓል ዝሕግዝ ፍጻሜ ብምኻኑ ብስም ህዝቢ ዓፋር ቀይሕ ባሕርን ውድቡን ንህዝቢ ኢትዮጰያን መንግስቱን ዝለዓለ ምስጋና የቕርብ፡፡ 

 

ዓወት ንህዝቢ ዓፋር ቀይሕ-ባሕርን ንህዝቢ ኤርትራን ይኹን

ውድቀት ንስርዓት ህግደፍ

 

27-ጥሪ 2011ዓ.ም