ደምዳሚ መግለጺ ህጹጽ ኣኼባ ማእካ&#461
نشر من قبل omaal في 10:35 صباحا - 26 02 1432 هـ (31 01 2011 م)

Shar Al Tahalf 2.JPG

ደምዳሚ መግለጺ ህጹጽ ኣኼባ ማእካላይ መሪሕነት

ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን

 


تفاصيل الخبر

Shar Al Tahalf 2.JPG

ደምዳሚ መግለጺ ህጹጽ ኣኼባ ማእካላይ መሪሕነት

ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን

ማእከላይ መሪሕነት ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን ካብ 22-25 ጥሪ 2011 ኣብ ዝነበረ ጊዚያት ብዛዕባ እቲ ኣብ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝተኸስተ ምፍንጫል (ኣብ ክልተ ምግምማዕ) መሰረት ገይሩ ከመይነት መስርሕ ቀጻልነት ናይቲ ሰልፊ ኣብ ትካላዊ ኣሰራርሓ ኤ.ዲ.ኪ ይኸውን ኣብ ዝርእየሉ ዝነበረ ህሞት እቲ ብኣቦ መንበር ሓው ወልደየሱስ ዓማር ዝምራሕ ሸነኽ ኣባልነቱ ካብ ኤ.ዲ.ኪ ከም ዝሰሓበ ዝፍለጥ እዩ፡፡ ማእከላይ መሪሕነት ነዚ ናይ ምስሓብ ርእይቶ መሰረት ገይሩ ንዝወጽኦ መግለጺ ሓጺር ጋዜጣዊ መግለጺ ከም ዘውጽአ ዝዝከር እዩ፡፡

ማእከላይ መሪሕነት ኣብዚ ህጹጽ ኣኼብኡ እዚ ነቲ ካብ ክልቲኡ ሸነኻት ንዝቀረቡ ወግዓዊ መልእኽታቶም ንነፍስ ወከፎም ዘቅረብዎ ሰነዳት በብሓደ ብምሓዝ ብዕምቆት ተመያይጡሎምን ገምጊሙ ኣቀሚጡሎምን እዩ፡፡

እቲ ብሸነኽ ሓው ወልደየሱስ ዓማር ዝምራሕ ሸነኽ ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ

ሀ/ ኣብ ውሽጢ ሰደህኤ ምፍንጫል ኣይተኸስተን ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ንሕና ጥራሕ ኢና ዝብል መጎት ካብ ሓቂ ዝረሓቀ ምዃኑ ብምግንዛብ ምፍንጫል ኣብ ውሽጢ እዚ ሰልፊ እዚ ከምዝተጋህደ ማእከላይ መሪሕነት ኣረጋጊጹ፡፡

ለ/ ሰደህኤ ናይ ኣርባዕተ ውድባት ሓድነት እዩ ወይ ምትእኽኻብ እዩ ዝብል፡ ብመሰረት ስምምዕ ናይ ፍራንክፍረት ኣብ መንጎ ሰለስተ ውድባት ዝተበጽሐ ሓድነታዊ ስምምዕ ድኣ እምበር ናይ ኣርባዕተ ከምዘይኮነ፡ እቲ ዝተኸስተ ምፍንጫል ከኣ ኣብ ክሊ እተን ዝሓበራ ሰለስተ ሰልፍታት (ውድባት) ድኣ እምበር ኣብ መንጎ ኣርባዕተ ከምዘይኮነ ማእከላይ መሪሕነት ተገንዚቡ፡፡

ሐ/ ብሓው ወልደየሱስ ዓማር ዝምራሕ ሸነኽ ሰደህኤ ብሓደ ሸነኽ ሓደ ውድብ ንዘቅርብዎ ክሲ ኣብ ኣኼባታት ኪዳን ተረኺቡ ንርእሱ ይኸላኸል ዝብል ሕጊ ተጣሒሱ ሰልፍና ክሳተፍ ምተገበኤ ክብል እንከሎ፡ ብካልእ ሸነኽ ከኣ ኣቦ መንበር ማእከላይ መሪሕነት ንሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣዋሲኑ ጥራይ ዘይኮነ ዘይቁኑዕ ኣጀንዳ ሒዙ ኣብ ዝጽዋዕ ዘሎ ኣኼባ ክኣቱ ቁኑዕ ኣይኮነን ክብል ይገልጽ፡፡ እዚ ነንባዕሉ ዘይሳነ ተገራጫዊ ኣረኣእያታት ምቅማጥ ሓደ ጉዳይ ኮይኑ፡ እቲ ኣብ ቅዋም ኪዳን ሰፊሩ ዘሎ ግን፡ ንዝተፈንጨሉ ውድባት ጉዳይ ሕቶ ኣባልነቶም ንምውሳን ኣብ ዝርኤ ጉዳያት ዝምልከት ዘይኮነስ ኣብ ክሊ ሓደ ውድብ ክረኣዩ ዘለዎም ናይ ክሲ ጉዳያት ወይ ናይ መእረምታ ውሳኔታት ክወስደሎም ዘሎውም ወዘተ ኣብ ዝህልው ንዝቀረበ ክስታት ሓደ ውድብ ነብሱ ክከላኸል ኣብቲ ኣኼባ ክርከብ ንዝብል ግንዛቤ ዘመላኽት እዩ፡፡ በቲ ዝቀረበ ኣተረጓጉማ ሰነ-መጎትን እንተኾይኑ እሞ፡ ሓደ ውድብ ጥራሕ ዘይኮነስ ከቅርብ ዝህልዎ ክልቲኡ እቲ ዝተፈናጨለ ሸነኻት እዩ ክርከብ ዝህልዎ፡፡ ነቲ ዝተቀመጠ ኣሰራርሓ ትርጉምን መሰረት ኣብ ግምት ብምእታው ከኣ እዩ ነፍስ ወከፍ ሸነኽ፡ እቲ ብዛዕባ እቲ ዝተኸስተ ምፍንጫል ነፍስ ወከፍ ሸነኽ ክንዲ ዝበሉ ክብል ብኣቦ መንበር ማእከላይ መሪሕነት ሓሳባትኩም ናብ ኣኼባ ማእከላይ መሪሕነት ለኣኹ ተባሂሉ ብኡኡ መሰረት ከኣ እዩ ነፍስ ወከፍ ሸነኽ እቲ ዝመስሎ ዝጸሓፈን ዝለኣኸን፡፡ ወላ እኳ ከም ኣሰራርሓ እዚ ኣብ መንጎ ሰለስተ ውድባት ዝተበጽሐ ምጽንባራዊ ጉዕዞ እዚ ዝሕዝን ናይ ምፍንጫል ተርእዮ እዚ ምስ ተኸስተ፡ ብዛዕባ እዚ ተርእዮ እዚ ከምቲ ብሓው ዶ/ር ተስፋይ ስብሃቱ ዝምራሕ ሸነኽ ሰደህኤ ብዛዕባ እዚ ኣመልኪቱ ናብ ኪዳን ዝጸሓፈ፡ ብሓው ወልደየሱስ ዓማር ዝምራሕ ሸነኽ ሰደህኤ እውን ነዚ ኣመልኪቱ ኣቀዲሙ ሓበረታዊ ጽሑፍ ክጽሕፍ ምተገብኤ ነይሩ እዩ፡፡ ከምኡ ግን ኣይተገብረን እዚ ሸነኽ እዚ ክጽሕፍ ምስ ተሓተተ እዩ ናብ ኣኼባ ማእከላይ መሪሕነት ዝለኣኸ፡፡

መ/ ካልእ ኣብቲ መልእኽቲ ብሓው ወልደየሱስ ዓማር ዝምራሕ ሸነኽ ሰደህኤ ብዛዕባ ዝሓለፉ ናይ ምፍንጫል ተመክሮታት ምስ እዚ ናይ ሕጂ ዝመሳሰሉ እዮም ነይሮም ካብ ዝበሎም እቶም ዝበዝሑ ኣብቲ መልእኽቲ ዝተጸሓፉ ተመሳሳልነት ዘይነበሮም ምዃኑ ማእከላይ መሪሕነት ገምጊሙ፡፡

ሰ/ ማእካላይ መሪሕነት ኣብዞም ዝተጠቅሱ ዘገድስዎ ጉዳያት ማእከል ገይሩ ክግምግም እንከሎ ነቶም ካልኦት ንውሽጣዊ ውድባዊ ኣሰራራሓታት ኣብ ዝምልከቱ ዝበሎም ዘሰሓሕቡ ዝተጠቅሱ ዝተባሀሉ ነጥብታት ኣብኡ ኣትዩ ኣይተዛረበን፡፡

ብድሕሪ እዚ ማእከላይ መሪሕነት ቀጻሊ ነቶም ብሓው ዶ/ር ተስፋይ ስብሃቱ ዝምራሕ ሸነኽ ሰደህኤ ዝቀረቡ መልእኽታት ኣብ ምግምጋም እዩ ዝኣተወ፡፡

ሀ/ እቲ ምፍንጫል ኣብ መንጎ ሰለስተ ሓድነት ዝገበሩ ሸነኻት ከም ዝተኸስተ ስለዚ ኸኣ ኣብ ስተራተጂካዊ ሕቶታት ፍልልይ ከም ዝተፈጥረ ነቲ ናይ ምፍንጫል ክስተት ዘጉለሕ ምዃኑ ማእከላይ መሪሕነት ተገንዚቡ፡፡

ለ/ ነቲ ምፍንጫል ጠንቂ ካብ ዝኾነ ሓደ ንውሽጣዊ ባህረ ናይ ኣሰራርሓ ኣመልክቶም ዝቀረቡ እንተነበሩ ብቀንዲ ንውሽጣዊ ውደባዊ ኣሰራርሓታት ዝምልከቱ ብምዃኖም ማእከላይ መሪሕነት ኣብዞም ጉዳያት እዝኣቶም ኣትዩ ዝተዛረበሎም ከም ዘይኮነ ርእዩ፡፡

ሐ/ ማእከላይ መሪሕነት ነቲ ስምረት ሰለስተ ውድባት ዝገጥሞ ናይ ምፍንጫል ሓደጋ ክግምግም እንከሎ እቲ ውሽጣዊ ውድባዊ ጉዳያት ነቲ ሰልፊ ዝምልከቱ ይኹኑ ድኣ እምበር ሓደ ካብቲ ቀንዲ ዓንዲታት ናይቲ ጸገም ኣብ መሰረታዊ መርሆ ናይቲ ቃልሲ ክርኢ እንከሎ ኣብ ምሕያል ድንበ ተቓውሞ ኣብ ክሊ ሓደ ሓባራዊ ጉዕዞ ብሓፈሻ ብፍሉይ ከኣ ከም እዋናዊ ሓድነታዊ ሕቶ ንመስርሕ ምዕዋት ሰፊሕ ዋዕላ ንዲሞክራሲያዊ ለውጥን ዝቅጽል ሃገራዊ ጉባኤን ኣብ ክሊ ሓባራዊ ጽላል ኤ.ዲ.ኪ ንዝገጠሙ ጸገማት ኣብ ምፍታሕ ዘይተሓለለ ጻዕርታት ምክያድን እቲ ቅኑዕ ኣተሓሕዛ ኣብዞም ስትራተጅካዊ ዓበይቲ ሃገራዊ ዛዕባታት ምንባሮም እውን ብኣጽንዖት ተመልከተ፡፡ እዚኦም ኣብ ኣገባባዊ ጉዳያት ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ እዋናዊ ናይ ደንበ ተቓውሞ ናይ ሓይልታት ኣሰላልፋ ብሓደ ሸነኽ ኩሎም ዓቅምታት ሕብረተሰብና ብልዝብ ኣብ ክሊ ሓደ ሓባራዊ መደብ ሓቢሩ ክቃለስ ናይ ዝደሊ ሸነኽን እቲ ካልእ ከኣ ደምበ ተቓውሞ ንምምቅቃል ዝዓለመ ኮይኑ፡ ካብቲ ድሮ ፖለቲካዊ ሓይልታትን ሲቪካዊ ማሕበረሰባትን ብሓባር ተታሒዞሞ ናብ ዝዓበ ደረጃ ዝቅጽሉዎ ሓድነታዊ መስርሕ ወጻኢ ካልእ ኣመራጺታት ዝርኢን ሸነኽ ኮይኑ፡ ኣብዚ ከረሲ ነገር እዚ ናይ ኣረኣእያ ፍልልያት እውን ዝተኸስቱ ምዃኖም ኣብ ገምጋም ጉዕዞ ሰድህኤ ኣብ 9 ወርሒ ኣብ ዝብል ዝቀረበ ተወሳኺ መዝከር እውን ክግንዘብ ኪኢሉ እዩ፡፡ እዚ ስተራተጂ እዚ ኸኣ ነቲ ኣንጻር ሀግደፍ ዝካየድ ዘሎ ቃልስን በጺሑዎ ዘሎ መድረኽን ንድሕሪት ዝምለስ፡ ደንበ ተቃውሞ ካልኣዊ ፍልልያቱ ካልኣዊ ቦታ ከይሕዝን እናሻዕ እናተፈናጨለ ካብ መሰረታዊ መበገሲኡ እንዳተኣልየ ኣብ ነንሕድሕዱ እናተናቆረ ኣብ ቆይቂ ክነብርን ክደክምን ዝግበር ኣከያይዳታት ምዃኑ ማእከላይ መሪሕነት ተገንዘብ፡፡

ማእከላይ መሪሕነት ነዞም መሰረታዊ መበገሲ እምነታት እዚኣቶም ብዕምቆት ድሕሪ ምግምጋም ኣብዞም ዝስዕቡ መደምደምታት በጺሑ፡፡

  1. ብሓው ወልደየሱስ ዓማር ዝምራሕ ሸነኽ ሰደህኤ ኣቀዲሙ እውን ኣብ ዋዕላ የለኹን ኣብ ኪዳን ግን ኣለኹ ዝብል ተገራጫዊ ቀረና መንገዲ ሒዙ ብቻርተርን ቅዋምን ኤ.ዲ.ኪ ከይተቀየደን ንክህልዎ ዝኽእሉ ፍልልያት ኣብ ክሊ ኪዳን ኮይኑ ክፍትሖም ፍቃደኛ ከይኮነ ተሪፉስ፡ በቲ ንሱ ዝርእዮ መራኸቢ ብዙሓን ክገልጽን ብዝመሰሎ ክኸይድ ከም ዝጸንሐ ዝፍለጥ እዩ፡፡ ኤ.ዲ.ኪ ነዚ ብትዕግስቲ ርእዩ ግብረ መልሲ ካብ ምሃብ ተቆጢቡ ሰደህኤ ኣብ መሰረታዊ መስንኡ ክምልስን ክሰርሕን ብተደጋጋሚ ክሕብሮን ምሕጽንታታት ከቅሪበሉን ከም ዝጸንሔ ዝዝከር እዩ፡፡ ኣብ መጨረሽታ እውን ነቲ መስርሕ.. ካብ መሰረታዊ ኣንፈቱ ከዋጽኦን ብወድዕነቱ እቲ ኩነታት ንጥቅሚ ምሕያል ቃልስና ክኸውን ዝግበር ኣከያይዳታት ሒዙ ዘይምኻዱ በብግዜኡ ነብሱ እናኣግለለ ከምዝኸደን ኣብዚ ሕጂ በጺሑዎ ዘሎ ጥርዚ ከምዝተሰጋገረን ተገንዘበ፡፡ ማእከላይ መሪሕነት ሕጂ እውን እንተኾነ ሰደህኤ ብሓው ወልደየሱስ ዝምራሕ ሸነኽ እዚ ተታሒዝዎ ዘሎ ዘይሓድነታዊ ጉዕዞ ናይ ሓይልታት ደንበ ተቓውሞን ምፍንጫላቱን ከድሕንን ኣብ መሰረታዊ ባህርያዊ ቦታኡ ክምለስን ንምዕዋት ሃገራዊ ጉባኤ ክጽዕትን ይጽውዕ፡፡

  2. እቲ ብሓው ዶ/ር ተስፋይ ስብሃቱ ዝምራሕ ሸነኽ ሰደህኤ ከምቲ ኣቀዲሙ ኣብ ላዕሊ ኣብ ሐ ዝተጠቅሰ ኣብ ምሕያል ደንበ ተቃውሞ ንዝኽሰቱ ፍልልያት ብቀጻሊ ጻዕርታት ንምፍትሖም ዘለዎ እምነት ብምግላጽ ነቲ ደንበ ብሓባር ኣብ ምህናጽን ምድልዳሉን ሃገራዊ ጉብኡ ኣብ ምዕዋትን ተረኦም ክጻወቱ እቲ ከካይድዎ ዝጸንሑ ቃልሲ ክቅጽልዎ ምዃኖም ብምርግጋጾም ኣብ ምዕዋትን ምቅልጣፍን ሃገራዊ ጉዳይና ኣገዳሲ ተራ ከም ዘለዎም ኣረጋጊጹ፡፡ ነዚ ኣብ ምጉልባት ቃልስና ዘለዎ ተራ ብኣውንታ ብምርኣይ ከኣ ማእከላይ መሪሕነት ነዚ መስርሕ ቃልሲ እዚ ብፖለቲካዊ ዓይኒ ብምግምጋም ኣብ ኤ.ዲ.ኪ ይኹን ኣብ ሃገራዊ ኮሚሽን ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ ቦታኡ ክሕዝ ብምሉእ ድምጺ ወሲኑ፡፡

ማእከላይ መሪሕነት በዚ ኣጋጣሚ እዚ ኩሎም ውድባትን ምንቅስቓሳትን ሲቪካዊ ማሕበረሰባትን ንምዕዋት ሃገራዊ ጉባኤ ኣብ ዝካየድ ዘሎ መስርሕ ቃልሲ ኩሉ በብዓቅሙን ክእለቱን ኣብ ጎኒ ሃገራዊ ኮሚሽን ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ ኮይኖም ኣገዳሲ ሃገራዊ ተራኦም ክጻወቱ ጸዊዑ፡፡

ዓወት ንዲሞክራሲያዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ!!

ዓወት ንጉባኤ ኤ.ዲ.ኪን!

ዓወት ንሃገራዊ ጉባኤ ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ!!

ውድቀት ንስርዓት ህግደፍ!!

ማእከላይ መሪሕነት

ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን

25 ጥሪ 2011