ኤረትራዊያን ተቐማጦ ኖርወይ ብስ&#4754
نشر من قبل omaal في 06:23 صباحا - 03 03 1432 هـ (06 02 2011 م)

ኤረትራዊያን ተቐማጦ ኖርወይ ብስኒት መክቱ

ጃንዳ ህግደፍ ነበረ ነበረ ክኸውን ንምሸቱ

ሕድሪ ሰማእታትና ኩቡር እዩ

በርሀ ዑቁባዝጊ ሃገር ጀርመን

 


تفاصيل الخبر

ኤረትራዊያን ተቐማጦ ኖርወይ ብስኒት መክቱ

ጃንዳ ህግደፍ ነበረ ነበረ ክኸውን ንምሸቱ

ሕድሪ ሰማእታትና ኩቡር እዩ

በርሀ ዑቁባዝጊ ሃገር ጀርመን

ፈስቲቫል መንእሰያት ህግደፍ

ብዘይ ውጽኢት ባዶ ክተርፍ

ቅልጽምኩም ኣዋሃህዱ ብጹፉፍ

ታሪኽ ጠላማት ክድርበ ናብ ጓሓፍ

ቅያ ስርሑ ኣብ ታሪኽ ዝጻሓፍ

ማንኪ ፈሺልካ ተባሂሉ ክቕጻዕ ኣዝሓፍ።

ክንዕወት ነበርክት እጃምና

በብዘለናዮ ክንምክት ይግባኣና

ብመንፈስስ ምሳኹም ኣሎና

ደለይቲ ፍትሒ ክንዕወት ኢና

ውድቀቶም ቀሪቡ ሰብ ደምና።

ተቐማጦ ኖርወይ ኦስሎ መክቱ

ህግደፍ ማይ ክብል ንምሸቱ

እንተ ተረደኦም ነቶም ናእሽቱ

ፍትሒ እንተተማህሩ መንእሰያቱ

ሕፍረትን ስዕረትን ንካድራቱ

ብስኒት መክቱ ንካድራት ሸፋቱ

ህግደፍ ኣብ ፍርዲ ክቐርብ ምስ ሳዓብቱ።

ከም ናይ ኣውስትራልያ

ዳስ ህግደፍ ጥራያ ክንርእያ

ኣብ ኦስሎ ውን ግበሩ ቅያ

ደቂ ኤረይ ካብ ቀደምኩም ሰብ ሞያ

ህግደፍ ዳግማይ ክትበኪ ክንርእያ።

ኣንቢብኩም ዶ ኣብ መርበብ ኣሰና ኣብ ሽወደን ዝተገበረ ቅያ  

ኢትዮጵያዊ መንእሰይ ኡሙን

ሓላፊ መንእሰያት ህግደፍ ኣብ ሽወደን፡

ካብዚ ዛዓቢ ጥልመት ኣሎ ዶ።

ተካል ዘበን

ኢቲዮጵያዊ ልዕሊ ኤረትራዊ  ክእየመን

ሑሉፋት ህግደፍ ተቐማጦ ሽወደን

ሓደ ተባዕ ዶ ኣብ ማእከልኩም የሎን

ዝብል እዝስ ፍትሓዊ ኣይኮነን

ተሳኢኑ ብኤረትራውነቱ ዝሕበን።

ህግደፋዊያን ድሕሪዝስ ለብሙ

ሕድሪ ስዉኣትኩም ኣቐድሙ

ደቀባት ሪምና በሉ ኣይትጽመሙ

ህግደፍ ንህዝቢ ኣይሰርሕን ብጀካ ጠቕሙ።

ካብ ቀዳማይ ዳሕረዋይ ገደደ

ናይ መንነት ውልውላው ተጋህደ

ወደባት ኣብ ዓዱ ተዋእውደ

ካብ ህግደፍ መሰል ሓመድከዕደ።

ተናሲሕኩም ኢደይ ኢድካ በሉ

ከይከደ ሓዲጉኩም ጠቕሊሉ

ኣብ ጎኒ ደለይቲ ለውጢ ዕሰሉ

ንፍትሒ ንሕጊ ንሓርነት ተላዓሉ።

ትማሊ ቱኑዝያ ሎሚ ምስሪ

ይጅምር ኣሎ ህዝባዊ ነድሪ

ህግደፍ ኣይኮነን ነባሪ

ኤረትራዊ ይሕርን ኣሎ ከም ነብሪ።

ዓወት ነቲ ደም ዝነብዕ ዘሎ ህዝቢ ኤረትራ

ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ሰማእታትና

ኤረና ንለብዘበን እንበር ነዓመታስ ሸዊት ለምለም

ዕንወት ንጃንዳ ህግደፍን ዓንገልቶምን