ኣብ ላስ-ቨጋስ መደብ ዝሓዘን  ዕግበ&#4
نشر من قبل omaal في 06:36 صباحا - 03 03 1432 هـ (06 02 2011 م)

Er Na Com Jan  2011.jpg

National Congress for Democratic Change

 ሃገራዊ ጉባኤ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ኤርትራ

ኣብ ላስ-ቨጋስ መደብ ዝሓዘን  ዕግበት ዝመልኦን ህዝባዊ ኣኼባ ተኻይዱ

 

 


تفاصيل الخبر

Er Na Com Jan  2011.jpg

  National Congress for Democratic Change

 ሃገራዊ ጉባኤ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ኤርትራ

ኣብ ላስ-ቨጋስ መደብ ዝሓዘን  ዕግበት ዝመልኦን ህዝባዊ ኣኼባ ተኻይዱ

እቲ ሸውዓተ ወርሒ ኣቢሉ ተሪፍዎ ዘሎ ሃገራዊ ጉባኤ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ኤርትራ፡ እንታይ ንግበር ወይ ነሰላስል ዝብል ኣርእስቲ ቀንዲ ናይቲ ኣኼባ ትሕዝቶ ዝነበረ ቅድሚ ምጅማሩ ሽማግለ ፖለቲካ ኣቶ ኣለም ዘቢብ ብዛዕባ ህልዊ ኵነታት ኤርትራን ህዝባን ስፍሕ ዝበለ መግለጺ ድሕሪ ምሃቡ፡ ቀጺሉ ኣቶ ሰዓድ መ/ሙሳ ኣባል ሃገራዊ ኮሙሽን ብወገኑ ብዛዕባ ሃገራዊ ኮሙሽን ኣልዒሉ ስራሓትን እንታይ ከምዝተሰላሰለን ኣብሪሁ። ብምቕጻል ም/ኣ/መንበር ኣቶ ሰመረ ርእሶም’ውን ኵነታት ከተማ ላስ-ቨጋስን ኣሰራርሓ ሽማግለን ድሕሪ ምግላጹ፡ ናብቲ ነቲ ኣኼባ ዝመርሖ ዝነበረ ሽማግለ ዜናን ሓበሬታን ኣቶ ዳኒኤል በላይ እቲ ዕድል ምስ በጽሔ በቲ ተታሒዙ ዝነበረ መደብ ኣኼባ በብሓደ ንኣኼበኛ ዕድል ክበጽሖ ተገብረ እሞ ካብቲ ተሳታፋይ ሓሳብን ርእይቶን ናይ ምሃብ ዕድል ብምኽፋት ብዙሕ ሓሳባት ናብቲ ኣኼባ ፈሲሶምን ተመያይጦምሉን ድማ። ዝቐረቡ ሕቶታት’ውን ብግቡእ ተመሊሶም። እቲ ንልዕሊ ኣርባዕተ ሰዓት ዝወሰደ ዕዉት ኣኼባ ላስ-ቨጋስ መስመር ዝሓዘ ብምንባሩ ካብቲ ተሳታፋይ ናይቲ ኣኼባ ዕግበት ተራእዩ ንክዛዘም ለበዋን ሓደራን ናይቲ ስራሕ ብምውፋይ ነዚ ሸውዓተ ወርሒ ኣቢሉ ተሪፍዎ ዘሎ ሃገራዊ ጉባኤ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ኤርትራ ህዝብና ንስፍሓቱ ብዘረጋግጽ ክሳተፍን ብዘይ ነግ-ፈረግ ሓሳቡ ክገልጽን ንመጻኢ ኣኼባ ከምዝካየድ ድሕሪ ምውሳኑ እቲ ዕዉት ኣኼባ ብዝክረ ስውኣትና ተዛዚሙ።

ዓወት ንሃገራዊ ጉባኤ

ሰላምን ራህዋን ብልጽግናን ደሞክራስን ንህዝቢ ኤርትራ

ዘለኣለማዊ ክብሪን ዝኽሪን ንጀጋኑ ስዉኣትና

ሽማግለ ዜናን ሓበሬታን ላስ-ቨጋስ፡ ነቫዳ፡ ሕ/መ/ኣሜሪካ

02-01-2011