ኣብ ግዜና ፡ ንዛተ ሓቢርና
نشر من قبل omaal في 08:01 صباحا - 07 03 1432 هـ (10 02 2011 م)

 ኣብ ግዜና ንዛተ ሓቢርና

ERITREAN YOTH GLOBUL.jpg


تفاصيل الخبر

 ኣብ ግዜና ንዛተ ሓቢርና

ERITREAN YOTH GLOBUL.jpg

ህዝቢ ኤርትራ ኣንጻር ባዕዳዊ ቃልሲ ካብዝገበሮ ብዘይፍለ ሕጂውን ኣብ ኣንጻር ምልካዊ ስርዓት ዝግበር ዘሎ ቃልሲ ተጸሚዱ ይርከብ፡ ብርግጽ ከምቲ ህዝቢ ኤርትራ ዝጽበዮን ወድዓዊ ኩነታት ሃገርና ዘሎ ቅልውላውን ምስ ዝነጻጽር፡ ቡቑዕ ቃልሲ ክብሃል ኣይካኣልን ስለዝኾነ ድማ ወትሩ ኣብ ዘገምታ ይርከብ። ሽሕ ሓያሎ ረቛሒታት እንተሃለዎ ቃልሲ ንኸይስስን፡ ብቐንዱስ  ብኩራት ናይ ዝበዝሔ መንእሰይ ኣብ ቃልሲ ኣሉታዊ ሳዕቤኑን ጎሊሑ ካብ ማዓልቲ ናብ ማዓልቲ ይርአሎ።

እምብኣር ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው ዓለምለኻዊ ምንቅስቃስ መንእሰያት ኤርትራ ብኣጋጣሚ ምድላው 2 ጉባኤኡ፡ ንኹሉ መንእሰይ ኣብ ርሑቅ ይኹን ኣብ ቀረባ ብሞራልን ብንዋትን ዘተባብዖ እናሞገሰ፡ ክንየው ዝሓለፈ ሞራላዊን ንዋታውን ሓገዛት- ሎሚ ዘለናዮ መድረኽ  ካብ ዝሓለፈ እዋናት ንላዕሊ መንእሰይኣለኹ--- ኣንጻር ምልኪዝብለሉ እዋን እዩ።  ምእንቲ ...  ንመጋቢት 11 ክሳብ 13, 2011 (March 11-13, 2011) ኣብ ላስ-ቬጋስ ኔቫዳ ከካይዶ መዲቡ ዘሎ 2 ጉባኤኡ ኮሚቴ ብምድላው ኣብ ምሽብሻብ ይርከብ።  ከም ኩሉ ግዜ ድማኣብ ግዜና --ንዛተ-- ሓቢርናኢሉ ማዓጹታቱ ከፊቱ፡ ካብ ዝሓለፈ ክንማሃርን ንዝያዳ ሓደ ዓመት ዝሰረሓሉ ሕገ-ማሕበር ክንድህስስን ንኹሉ ደላዩ ለውጢ መንእሰይ ንዕድም። ብርግጽ ነዚ ድሮ ኣብ ማሕበር ዝዓሰለ መንእሰይ ኣብ ማሕበር ክመሓየሹ ኣለዋም ዝብሎም ሕገ-ማሕበር ክርኢን፡ ነቲ መንኮርኮራዊ ሓይሊ ኮይኑ ሞራል ዝህብ ዝነበረ መንእሰይ ድማ ብወግዒ ዓሲሉ ታርኡ ክጻወት ይጽውዕ።

ዝኾነ ሕቶ፡ ርእይቶ፡ ለውጢ ኣብ ሕገ-ማሕበር ይኹን ኣካይዳ ማሕበር ብዝምልከት በዚ ዝስዕብ ኣድራሻ ተወከሱና  

EYGM-PREPCOMM@menesey.org

ደጊምና ኣብ ጊዜና -- ንዛተ ሓቢር

ለውጢ መታን ክመጽእ-- ኣብ ሃገርና

ዓወት ንደለይቲ ሰላምን ዲሞክራሲን!!

ኣሰናዳኢት ሽማግለ

2 ጉባኤ ...

    ለካቲት 6 2011