ሕጂ እዩ ሳዓቱ
نشر من قبل omaal في 08:08 صباحا - 11 03 1432 هـ (14 02 2011 م)

ሕጂ እዩ ሳዓቱ

ሕድሪ ሰማእታትና ኩቡር እዩ

በርሀ ዑቁባዝጊ ሃገር ጀርመን


تفاصيل الخبر

ሕጂ እዩ ሳዓቱ

ሕድሪ ሰማእታትና ኩቡር እዩ

በርሀ ዑቁባዝጊ ሃገር ጀርመን

ኤረትራዊያን እቶም ኣብ ስደት ብሰላም ብቕሳነት ንነብር ዘሎና ማስ ደቅና ህዝቢ ይጽበሎ ናዓና እንቢ ንምልኪ ዝብል ተሪር ተቃውሞ ክጅመር በቶም ኣብ ደሞክራስያዊያ ሃገራት ንቅመጥ ዘለና ኣብ ጽርጊያታት ኣብ ንቕመጠለን ሃገራት ወጺና እንቢ ንስርዓት ሸፋቱ እንዳ በልና ክነቃልሕ ድምጽና ንሱ እዩ እቲ ዓቕምና ህዝብና ዝጠልቦ ካባና።

 እንቢ ንምልኪ እወ ንሓርነት ንደሞክራሲ፡

ናትና ግደ ተሪፉ

ደቂ ኤረይ ተሱኡ ታሪኽ ክትገድፉ

ውረሱ ናይ ኣያታትኩም ናይቶም ዝሓለፉ

ምክልኻል ሓይሊታት ምስ ደለይቲ ፍትሒ ተሰለፉ

ንጃንዳ ህግደፍ ክትጉሑፉ።

 ካብ ህግደፍ ሪኢናዶ ጽቡቕ

ብጀካ ንህዝብና ከሕቅቕ

ንባራበር ኣይንበል ሱቕ

ኢሰያስ ኣብ ኢድ ህዝቢ ክወድቕ

 ኣብ ስደት ንነብር ኤረትራዊያን

ንማሃር ካብ ቱኑዝያ ግብጻዊያን

ንመሰልና ንቃለስ ጸረ ዓመጻዊያን

ብጠላማት ዝደመናዮ ኣይዋሓደናን።

 ሕጂ እዩ ሳዓቱ

ንህዝቢ እቅረታ ክትሐቱ

መታን ክርህወና ንምሸቱ

ክንምክት ጃንዳ ሸፋቱ

ንኢሰያስ ምስ ሳዓብቱ

ንብረት ህዝቢ ዝዘመቱ

ንደለይቲ ፍትሒ ዘጽነቱ

ወይለኹም ኣቱም ሳዓብቱ

ክንዲ ብደም ዝጨቀዉ ትማጎቱ

ነቲ ከም ዓሳ ዝበልዕ ንናእሽቱ።

 ዝነገሰ ኑጉስና ኮይኑ ስራሕኩም

ለውጢ ትጽበዩ ከይተቓለስኩም

ኣብ ገዛ ዓጽኩም ምቁዛምኩም

ንምልኪ ዝቃወሙ ኣጸሊምኩም

ንምልኪ እንዳ ኣገልገልኩም

ኤረትራዊያን እንታይ ጉድኩም

ዶው በለ ክብለጸልካ ስራግኩም

ንሱ ድዩ ውርሻኹም ኣኺሉኩም

ለውጢ ክመጻኩም ብዱቁስኩም

ሕድሪ ሰማእታት ረሲዕኩም

ገጋኹም ክትእርሙ ይግባኣኩም

ኣዕጽምቲ ሰማእታት ከይወግኣኩም።

 ኤረትራዊ መንእሰይ ረኺብ ጋዶ

ብማፍያ ህግደፍ ናይ ዶብ ነጋዶ

ሃገር ብዘይ ምንእሰይ ተሪፋ ባዶ

ወረጃ ማዕዶ ሕጂስ ኣይበዝሔንዶ

ህዝቢ እንዳበለ አታ ኣድሕኑናንዶ።

 አደ ስዉእ ኣብ ጥሙይ ከብዳ

ነጻነት አይረኸበትሉን ፋይዳ

ምስ ህግደፍ ትዓብዱ ታዓብዳ

ኣብ ዝባንኩም ኣሎ ኣቢ ዕዳ።

ስርዓት ህግደፍ  ሃቡኒ ሃቡኒ

ኣብ ግዚኡ ተሳኢኑ ቅጫ ባኒ

ካብ ስርዓት ሃይለስላስየ ደርጊ ሞሶሊኒ

ስርዓት ህግደፍ እንበር ገዲዱኒ።

ን20 ዓመት ግዝያዊ መንግስቲ

ብዘይ ፍርዲ ዘእቱ ናብ ማእሰርቲ

ዝገደደ ናይቶም ወደስቲ

ዘንጊዖም ከም ዝኾኑ ታሓተቲ።

 ክንዲ ንምክቶም ባኣጋ

እንዳ ተዳጋገመ ገጋ

ብህግደፍ በላዕቲ ኣድራጋ

ሕጂ ዓሕ ኣለዎዶ ዋጋ

ረመጽ ሰጊሩ ናይ ሰማይ ብርዕ መርሃዊ

እቲ ጅግና ምስታ ዋዕሮ ዝሰገሩ ሓዊ

ኣበይ ኣላ መርሃዊት ኣበይ ኣሎ ምርሃዊ

ኣፍደገ ናጽነት ዝኸፈተትስ በጃ ሓሊፋ

ነቲ ሓርበኛ ብጻያ ተተርኢሳቶ ታሪኽ ጽሒፋ።

ዓወት ነቲ ደም ዝነብዕ ዘሎ ህዝጊ ኤረትራ

ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ሰማእታትና

ኤረና ንለብዘበን እንበር ነዓመታስ ሸዊት ለምለም

ዕንወት ንጃንዳ ህግደፍን ዓንገልቶምን