ቃል ምሕዝነት ካብ ኣብ ፓልቶክ እን&#46
نشر من قبل omaal في 04:02 صباحا - 23 03 1432 هـ (26 02 2011 م)

ቃል ምሕዝነት ካብ ኣብ ፓልቶክ እንርከብ ኤርትራዉያን

ደለይቲ ደሞክራሲን ፍትሒን…


تفاصيل الخبر

ቃል ምሕዝነት ካብ ኣብ ፓልቶክ እንርከብ ኤርትራዉያን

ደለይቲ ደሞክራሲን ፍትሒን…

ዝከበርኩም ኣዳለዉቲን ተካፈልቲን ሰላማዊ ሰልፊ ብስም ሕብረት ኤርትራውያን ንዲሞክራስያዊ ምዕባለን ሰብኣዊ መሰልን ኣብ ሽወደን፡፡

ብቀዳምነት ልባዊ ሰላምታና ይብጻሕኩም።

ቀጺልና ንሕና ኣብ ፓልቶክ እንርከብ ኤርትራዉያ ደለይቲ ደሞክራሲን ፍትሒን ኣብዚ ጸዊዕኩሞ  ዘሎኩም ሰለማዊ ሰልፊ

 ብኣካል እኳ ክንካፈሎ እንተይከኣልና ብሕልናን ብሓሳብን ምሳኩም ከመዘሎና ነረጋግጸልኩም ንፈቱ።

ብተወሳኪ ኣብ ኲሉ ስርሓትኩም ዓወትን ኣሳልጦን፡ ኣብ መነባብሮኩም ከኣ ሰላምን ራህዋን ንምየልኩም።

ፍትሕን ሓርነትን ንህዝቢ ኤርትራ!!!

ድህነት ነቶም ኣብ ሊብያ ዝርከቡ ኤርትራዉታ ዜጋታትና!!!

ክብርን መጐስን ንስዉኣትና!!!

ውድቀት ንጨቛኒ ስርዓት ህግደፍ!!!

ካብ ኲሉ ዕድመታትን ጾታን፡ ካብ ኲሉ ኩርንዓት ዓለምን፡ ኣብ ፓልቶክ እንርከብ ኤርትራዉያ ደለይቲ ደሞክራሲን ፍትሒን ኣብ ሃገርና ኤርትራ።