ዳሃይ ሃባ ህዝቢ ኤረትራ
نشر من قبل omaal في 07:56 مساء - 25 03 1432 هـ (28 02 2011 م)

ዳሃይ ሃባ ህዝቢ ኤረትራ

ሕድሪ ሰማእታትና ኩቡር እዩ

በርሀ ዑቁባዝጊ ሃገር ጀርምርን

 


تفاصيل الخبر

ዳሃይ ሃባ ህዝቢ ኤረትራ

ሕድሪ ሰማእታትና ኩቡር እዩ

በርሀ ዑቁባዝጊ ሃገር ጀርምርን

ወዲ ቪሊፖ ወዲእካዮ ኹሉ

እዚ ጻዊዒትና እንተ ተቐቢሉ

ዋርሳይ ነስመራ እንተ ነቒሉ

ሽፍታ ያሃድም ህዝቢ ይወግሓሉ

ኣይተርፎን ግን ውኢሉሓዲሩ

ኣብ ከባቢ ኳሕ እንተ ኢሉ

እቲ ቦጅባጅ ካሃድም እዳኣሉ።

ዳሃይ ሃባ ህዝቢ ኤረትራ

ሃገር ካብ ህግደፍ ክትከውን ሓራ

ጥምየት ከብቅዕ ክኸውን ኣዝመራ

ኣዕዋፍ ኣብ ገደና ክዝምራ

ህዝቢ ከስተማቕር ጡዑም ናብራ

መንእሰያት ከማዕድዉ ናይ መጻኢ ጩራ።

ህግደፍ ዓቕሎም ጸቢብዎም

ንድሕነቶም ሃሱሳት ኣዋፈሮም

ንቁዋም ይተግበር ዝበሉ ኣጥፊኦም

ቁዋም ይተግበር ክብሉ ጀሚሩም

ካብ ውድቀት ክድሕኑ ዝብልዎ ጠፊእዎም

ክሳብ ሎሚ ኣበይ ጸኒሖም እስከ ሕተትዎም።

እታ ካሰት ሰሚዕናያ ነርና ብጹሞና

ሳዓብቲ ኢሰያስ ግና ሓሶት ኢሎምና

ሕጂ ግና

ንዎይጦታት መልሓሶም ኣትሒዝካልና

ከምዚ ምስ ረኸቡ እዮም ኣቦሓጎታትና

ዝብሉ ብርኢልካ ታሓጎስ ጸባ ኣስቲኻና

ዶብ ምስጋር የሎን ክንዕወተሎም ኢና

ቀሪባ  እታ ማዓልቲ ዓለም ክዛረብ ባኣና

ጸባ ኣስቲኻና ኣለና ደቂ ኤረይ ተሪፉ ጊደና።

ግፍዕታት ኢሰያስ ኣንቢብካዶ ህዝበይ

መንእሰይ ተበገስ ጸረ ኢሰያስ ካሕዳይ

ሕነ ጀጋኑ ክትፈዲ የድሊሎ ምጎያይ

ያኣክል በሎም ንባዓል ካሕዳይ ጣልማይ

ጸረ ጠላማት ብረትካ ኣቕንዕ ዋርሳይ። 

ህዝበይ ተላዓል ንኢሰያስ ክተንቀጥቅጦ

ማስጣ ክወርዶ ማስጣ ቲ ውቂያኖስ ዝዋሓጦ

ምንእሰይ ኡይ ኢልካ ሽግርካ ንዓለም ኣፍልጦ

ኣብ ሰላማዊ ሰልፊ ተኻፈል ምሕባእ ኣይትፍቶ

ኢሰያስ ምስ ጭፍሩኡ ያኣኽሎ መረትካ ዝሸጦ

ገንዘብ ሒዝዎ ከይሃደመ ክንግልብጦ  

ነጋልጾ ከም ቀዛፊ ዓለም ክትግልበጦ።

ወዲ ዓሻ ክልተ ግዝየ ይውቃዕ

ኣብ ሜዳ ደሞክራስያዊን መንካዕ

እንቢ ንዲክተተር ዝበለ ከዳዕ

ንሓርነት ዝቃለስ ወያነ ይጽዋዕ

ህዝበይ ዘረባ ዎይጦታት ኣይትስማዕ

ዕምሪ ሸፋቱ ክነሕጽሮ ንሳማማዕ።

ኣይትስሙዑ ዘረባ ዘይኮነ ዘውሪ

ሳዓቦ ንስለኻ ዝሰፈረ ኣብ ቁሪ

ህግደፍ ኣይምከትን ብዘይ ግብሪ

ኳሕ ብኸበሳ ኳሕ ብባርካ ነቲ ከታሪ

ሹዑ እዩ ህዝቢ ዝላዓል ብነድሪ

ካሓጽር ናይ ጃንዳ ህግደፍ ዕምሪ።

ደላይ ፍትሒ ይብል ኣሎ ዳሃይ ሃባ

ንምልኪ ደምሰስና ክንሰግሮ ዓጸባ

ሃገርና ቀሲና ክትነብር ምስ ህዝባ

ሕልሞም ክበንን ሌባ ተቐባል ሌባ።

መረት ናብ ዋናታቱ ክንመልሶ

ማዕቢልና ብማሽነሪ ክንሓርሶ

ዝተበደለ ህዝቢ ክንድብሶ

ዝፈረሰ ህድሞና ክነሔድሶ።

በብእምነትና ንበል እዝጊዮ

ሓራ ክንከውን ከምቲ ንምነዮ

ክርዳድን እኽልን ንፈላሊዮ

ንቅምተኛ ካብ ህገርና ክንኣልዮ።

ዓወት ነቲ ደም ዝነብዕ ዘሎ ህዝቢ ኤረትራ

ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ሰማእታትና

ኤረና ንለብዘበን እንበር ነዓመታስ ሸዊት ለምለም

ዕንወት ንጃንዳ ህግደፍን ዓንገልቶምን