ጻውዒትን ምሕጽንታን ንሊብያውያን
نشر من قبل omaal في 01:16 مساء - 28 03 1432 هـ (03 03 2011 م)

Shar Al Tahalf 2.JPG

ጋዜጣዊ መግለጺ

ጻውዒትን ምሕጽንታን ንሊብያውያን ወገናትን

ኣህጉራዊ ማሕበረሰብን


تفاصيل الخبر

 Shar Al Tahalf 2.JPG

ጋዜጣዊ መግለጺ

ጻውዒትን ምሕጽንታን ንሊብያውያን ወገናትን

ኣህጉራዊ ማሕበረሰብን

ኣብ ሊብያ ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብፍላይ ከኣ ኣብ ምዕራብ ሸነኽ እታ ሃገር ብሰንኪ ዘሎ ሓደገኛ ኩነታት ብኣሻሓት ዝቑጸሩ ዓቢ ስቓይ የሕልፉ ከም ዘለው ክንከታተሎ ዝጸናሕና ኢና፡፡ በዚ ዘሎ ኣሰቓቒ ኩነታት ብወገና ኣብ ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን እዞም ዝስዕቡ ሓቕታት ክነብርህ ንፈቱ፡፡

1.   ኤርትራዊ ኣታሃላልዋ ኣብ ሊብያ ብቐዳማይ ደረጃ ንኣብ ኤርትራ ዘሎ ሕማቕ ኩነታት ብሰንኪ ኣዕናዊ ፖለሲታትን ተግባራትን ስርዓት ህግደፍ ዝፈጠሮ ብምዃኑ መንእሰያት ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ንክስደዱ ይግደዱን ናብ ሃገራት (ማእከላይ ባሕሪ) መዲትሪያን ብምኻድ ኦውሮጳ ንኽኣትው ይጽዕሩ፡፡ ኤርትራውያን ኣብ ማእከል ባሕሪ ዘጋጥሞም ሓደጋታት ወይ ግዱድ ምምላስ ናብ ዲክታቶራዊ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ልዕሊኦም ዝተፈጸመ ግፍዕታትን ብኣህጉራውን ዞባውን ማሕበራት ከም ዝተኾነነ ንኹሉ ዘይስወር ሓቒ እዩ፡፡

2.   ኤርትራውያን ብሓፈሻ ስደተኛታት ዝኾኑ ከኣ ብፍላይ ነቲ ናይ ዝነብርሉ ሃገራትን ህዝብታትን ክብርታቶም ሓልዮም ኣብ ምኻድ ጥንቑቓት ኮይኖም ንዝግበረሎም መስተንግዶ ዘኽብሩን እዮም፡፡ ኣብ ሊብያ ዘለው መንእሰያትና ኣብዚ ኩነታትዚ ንረብሓን ጥቕምን ህዝቢ ልብያ ኣብ ዝጎድእ ጉዳያት ከምዘይሕወሱ ንኣምን ኢና፡፡

ብመሰረት ኣብ ላዕሊ ተጠቒሱ ዘሎ ሂይወት ኤርትራውያን መንእሰያት ብሰንኪ ኣብ ሃገሮም ከሕልፍዎ ዝጸንሑ ስቕያት ካብኡ ብምህዳም ጸጥታን ድሕነትን ኣብኡ ክረኸቡ ዝመጹ ብምዃኖም ኩሎም ሊብያውያን ወገናት ኩነታቶም ብግቡእ ክርድኡን መጸዋዕታናን ምሕጽንታናን ነቕርብ፡፡ ከምኡውን ኣብ ሊዕሊ እዚኦም ግዳያት ዝኾነ ዘይተደለየ ስጉምትታት ወይ ናብ ሃገሮም ብኣስገዳድ ከይመልስዎምን ነማሕጽን፡፡ ኣብዚ ክንዝክሮም ንደሊ ቕድሚ ሕጂ ናይ ሊብያ ወተሃደራዊ ነፋሪት ኤርትራውያን ናብ ሳልሳይ ሃገር ክሓልፉ ኣብ ሊብያ ተዓቒቦም ንዝነበሩ ናብ ሃገሮም ብኣስገዳድ ሒዛ ክትመልስ እንከላ ብዕለት 28 ንሓሰ 2004 ኣብ ማዕረፊ ነፈርቲ ካርቱም ክትዓርፍ ከምዘገደድዋን ህይወቶም ከምዘድሓኑን ዝዝከር’ዩ፡፡

ሎሚ ከኣ በዚ ኣጋጣሚዚ ንኣህጉራዊ ሰብኣዊ ትካላትን ማሕበራትን ብፍላይ ከኣ፡ ላዕለዋይ ኮሚሽነር ስደተኛታትን ኣህጉራዊ ቐይሕ መስቐልን ንጡፋት ኣህጉራዊ ኣካላትን ኣብ ሊብያ ዘለው ኤርትራውያን መንእሰያት ነብሲ ወከፍ ሃገር ነዚኦም ግዳያት ናይዚ ተፈጢሩ ዘሎ ኩነታት ንምድሓን ዘተኣማምን ሞዕቖቢ ኣብ ካሊእ ሃገር ክረኽቡን ናብ ዓዶም ብኣስገዳድ ከይመልስዎምን ብምምሕጻን ቕድሚ ሕጂ ንብጾቶም ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ብሰንኪ መንግስታት ሊብያን ግብጽን ማልታን ብኣሰገዳድ ምምላሶምን ዝገጠሞም ሓደጋታት ንኹሉ ዝሳሓት ኣይኮነን፡፡

ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን

28 ለካቲት 2011