ኣገዳሲ ህዝባዊ ኣኼባ ኮምሽን ኣብ &#4
نشر من قبل omaal في 07:50 صباحا - 02 04 1432 هـ (07 03 2011 م)

Er Na Com Jan  2011.jpg

 ኣገዳሲ ህዝባዊ ኣኼባ ኮምሽን ኣብ አዲስ አበባ


تفاصيل الخبر

Er Na Com Jan  2011.jpg

 ኣገዳሲ ህዝባዊ ኣኼባ ኮምሽን ኣብ አዲስ አበባ

ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮሚሽን ንደሞክራስያዊ ለውጢ ምስ ኩሎም ግዱሳት ኤርትራውያን ንምርካብን ንሓባራዊ ሃገራዊ ጉዳያት ሕድሕድ ልዝባት ንምግባርን ካብ ዘለዎ ድልዱል እምነት ብምብጋስ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሰፊሕን ኣገዳስን ኣኼባ ኣዳልዩ ምህላዉ ይገልጽ። ዕላማ ናይዚ ኣኼባ’ዚ ብዛዕባ’ቲ  ብዓወት ዝተዛዘመ ውጽኢት ሃገራዊ ዋዕላን፡ ኩሉ መዳያዊ ንጥፈታት ኮምሽንን ሰፊሕ መብርሂ ንምሃብ’ዩ። ከምኡ'ውን ንመስርሕ ምስንዳእ ሃገራዊ ጉባኤ ብዓወት ንምስልሳል ሃነጽቲ ርእይቶታት፡  ሓሳባትን ለበዋታትን ንምስማዕን፡ ንዝቐርቡ ሕቶታት ንምምላስን ዝዓለመ ኣኼባ’ውን ክኸውን’ዩ።

ስለዚ ዕዙዝነት ናይዚ ኣኼባ'ዚ ብምግንዛብ፡ ኩሎም ብጉዳይ ህዝቦምን ሃገሮምን ዝግደሱ ኤርትራውያን፡ ኣብቲ ተወሲኑ ዘሎ ቦታን ግዜን ተረኺቦም ቀጥታዊ ተሳተፍቲ ናይቲ ኣኼባ ክኾኑ ብትሕትና ይዕድም።

ኣኼባ ዝካየድሉ ቦታን ግዜን፡

ዕለት፡ ረቡዕ 09 መጋቢት 2011

ግዜ፡ ሰዓት 5.00 ድሕሪ ቀትሪ

ቦታ፡ ኣዳራሽ ማእከል መንእሰያት ( የወጣቶች ማእከል)

ጨርቆስ ኽፍለ ከተማ  -  ቀበሌ 20/21

ከባቢ፡ ኦሎምፒያ ብድሕሪ ደንበል ሰንተር ኣብ ጥቓ ህንጻ ኣድማስ ኮሎጅ ዝርከብ ምዃኑ

      ንሕብር።

ብደሓን ምጹ

ዓወት ንኤርትራዊ ሃገራዊ ጉባኤ!!

ውድቀት ንምልካዊ ስርዓት ህግደፍ!!

ሽማግለ ዜናን ሓበሬታን

ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ንደሞክራስያዊ ለውጢ

 06 መጋቢት 2011

WWW.ENCDC.COM