ህዝባዊ ኣኼባ ኣብ ሳንታሮዛ ብ ህዝ&#4
نشر من قبل omaal في 08:21 صباحا - 04 04 1432 هـ (09 03 2011 م)

Er Na Com Jan  2011.jpg

 ህዝባዊ ኣኼባ ኣብ ሳንታሮዛ

ብ ህዝባዊ ሽማግለ ንጉባኤ- በይ ኤርያ

 


تفاصيل الخبر

Er Na Com Jan  2011.jpg

 ህዝባዊ ኣኼባ ኣብ ሳንታሮዛ

ብ ህዝባዊ ሽማግለ ንጉባኤ- በይ ኤርያ

     ህዝባዊ ሽማግለ ንጉባኤ- በይ ኤርያ፡ ዘተ ንጉባኤ ብዝብል ኣርእስቲ ንዕለት 19/3/2011 ኣብ ሳንታ ሮዛ፡ ኣፈናዊ ህዝባዊ ኣኼባ ይጽውዕ። እዚ ኣኼባ እዚ ሃገራዉን ህዝባውን ጉዳያት ንምዝታይ ዝዓለመ እዩ። ዘተ ንጉባኤ፡ ካብ ህዝቢ ዝቐርብ ሕቶን ርእይቶን፡ ለበዋ ይኹን ተቓዉሞ ንኽቕበል   ተደጋጋሚ ህዝባዊ ኣኼባታት ኣብ በይ ኤርያ ከካይድ ከምዝኾነ የፍልጥ።

     ከምዚ ንምግባር ከኣ፡ ዝተፈላለየ ፖለቲካዊ ኣረኣእያታት ንጎድኒ ገዲፉ፡ ንምሉእ ህዝቢ ብዘይኣፋላላይ ዝዓምም ኣኼባ ከካይድ ይዕድም ኣሎ። እዚ ማለት ከኣ ደጋፊ ዋዕላ ይኹን ተቓዋሚ፡ ሰማዒ ይኹን ተዓዛቢ፡ ብሓጺሩ ብምልኡ ኤርትራዊ ዜጋ ክካፈሎ የተባብዕ። ኣብዚ ኣኼባ እዚ ዝወዓለ ክትዓትን ዝቐርብ ሓሳባትን ቃል ህዝቢ ስለዝኾነ፡ ከምዘለዎ ኣኪቡ ናብ ኣሰናዳኢት ሽማግለ ንጉባኤ ከቕርቦ እዩ።

     ስለዚ ኣባላት ህዝባዊ ሽማግለ ንጉባኤ- በይ ኤርያ፡ ኣታሃላልዋ ሃገርናን ህዝብናን ብምርዳእ፡ ከም ህዝቢ ኮፍ ኢልና ብልዝብ ናይ ምምይያጥ መኣዲ ፈጢርና መፍትሒ ከነናዲ፡ ናይ ምሉእ ህዝቢ   ምውሳእ ከምዘድሊ ተረዲእና፡ ነዚ ህዝባዊ ኣኼባ እዚ ብጽቡቕ መንፈስን ትምኒትን ክትካፈልዎ ንዕድመኩም። 

     ህዝባዊ ሽማግለ ንጉባኤ- በይ ኤርያ                        

         ብድሓን ምጽኡ

    ቦታ ኣድራሻ 3575  Mendocino Ave                            

        ዕለት   19/3/2011           ግዜ      11:00 a.m.