መንእሰይ ብድድ በል ከም ዛ ዋዛንጉ&#48
نشر من قبل omaal في 06:59 صباحا - 07 04 1432 هـ (12 03 2011 م)

መንእሰይ ብድድ በል ከም ዛ ዋዛ

ንጉጅለ ጠላማት ኣኪብካ ክትሕዛ

ሕድሪ ሰማእታትና ኩቡር እዩ

በርሀ ዑቁባዝጊ ሃገር ጀርመን

 


تفاصيل الخبر

መንእሰይ ብድድ በል ከም ዛ ዋዛ

ንጉጅለ ጠላማት ኣኪብካ ክትሕዛ

ሕድሪ ሰማእታትና ኩቡር እዩ

በርሀ ዑቁባዝጊ ሃገር ጀርመን

ጸጊበ ዘይብል ጥቓ ሓራስ ኣይቕረብ

ንጭፍራ ህግደፍ ግበሮ ክልተሻብ ከም ዝዛረብ፡

መንእሰይ ብድድ በል ከም ዛ ዋዛ

ንጉጅለ ጠላማት ኣኪብካ ክትሕዛ

ንዑሱብ ሓምሽሾ ክጥዕማ ቃንዛ

ሕድሪ ኣያታትካ ቀጥ ኣቢልካ ሓዛ

ብመስዋእቲ ዝመጽት ሃገር ንስኻ ዋሕሳ።

ኢሰያስ ክነብር ብጹሩራ ቀሺሹ 

ንገለ ይህባ ኣሽሓት ሞቑሹሹ

ንመቓልስቱ ያኣስር ኣየ ክዕሹ

ነንሕድሕዶም ኣናቚቱ ደቂሱ

ኢሰያስ ሓጎስ ክሻ ዶላርት ሒዞም ይገሹ

ህዝቢ ሳኣን መድሃኒት መሽሚሹ።

እኒ ኢሰያስ ሃብቲ ሃገር ዶብ የሳግሩ

ሰብ ጽሩራ ገባር ይኸትሩ

ክንዲ ሸፋቱ ዘባርሩ

ህዝቢ ብናተይ ዝበሎም ተሸቑሪሩ።

ናይ ከተማ መንእሰይ ይጽበሎ ናዓኻ

ለውጢ ክጅመር ብበረኻ ባኣኻ

ክተድሕኖ ይጽበሎ ህዝብኻ

ዋርሳይ እወ ዋርሳይ ንስኻ

ኣይትረስዕ ሕድሪ ስዉኣትካ

የመን ይጓዝም ኣሎ ኣብ ከባቢኻ

ንስኻ ውን እንተ ተላዒልካ

ደሞክራሲ ክሰፍን ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ

ወናኒ ቀይሕ ባሕሪ ትኸውን ባዕልኻ።

ሕጂ እዩ ግዘየ ናይ ለውጢ

ንሕና ብደገ ንስኹም ብውሽጢ

ግንባሩ ክንዘብጦ ነቲ መዕለበጢ

መዋፈሪ ሸፋቱ መንእሰያት ሸያጢ

ሎሚ ዓመት ሓዲኡ ኣፍልጢ።

ኣብ ኤረትራ እንተ ጀሚሩ ረስኒ

ኢሰያስ ያሃድም ኣይውዕል ኣይቅኒ

ዕድል ኣይንህብን እንተ በለ ኣድልዉኒ

ኣየርእየኒ ህድማ እግረይ ኣውጽእኒ

ሕነ ፍደ ኣርኢየኒ ኤረትራዊ ወኒ።

ተበገስ ኣእጋር ከዳዕት ክትሰብር

ለበዋ ኣያታትካ ተቐቢልካ ኣተግብር

ምስቶም ዘይሕለሉ ሕጂ ሕበር

ትዕደም ኣሎኻ ገፋዕቲ ክተባርር

ኤረትራዊ ወርጠበ ሕጂ ነድር

ኢሰያስ ምስ ጭፍሩኡ ክትኣስር።

ህግደፍ ኣሊኻ ሃገር ክተማዕብል

ሱር ነቀል ለውጢ የድሊሎ ቶሎ በል

ሕድሪ ኣብ ቃልሲ ዝኣረጉ ተቐበል

ኣብ ስደት ትነብር ኣስተብህል

ብውሽጢ ጉሂሩ ኤረትራዊ ማዕበል

ትዕደም ኣሎኻ እንቢ ንምልኪ ክትብል

ህግደፍ ምስ ፈረሰ ከይትብል ወሰን ወሰን።

ዓወት ነቲ ደም ዝነብዕ ዘሎ ህዝቢ ኤረትራ

ክብርን ሞጎስን ንጃጋኑ ሰማእታትና

ኤረና ንለብዘበን እንበር ነዓመታስ ሸዊት መምለም

ዕንወት ንጃንዳ ህግደፍን ዓንገልቶምን