ክቕንጠጥ እዩ እቲ ጸልማት
نشر من قبل omaal في 05:11 صباحا - 14 04 1432 هـ (19 03 2011 م)

ክቕንጠጥ እዩ እቲ ጸልማት

ሕድሪ ሰማእታትና ኩቡር እዩ

በርሀ ዑቁባዝጊ ሃገር ጀርመን


تفاصيل الخبر

ክቕንጠጥ እዩ እቲ ጸልማት

ሕድሪ ሰማእታትና ኩቡር እዩ

በርሀ ዑቁባዝጊ ሃገር ጀርመን

ከምቲ ስነጥበባዊ ሒሰን ማሓመድ ዓሊ ዝበሎ፡

ንጃንዳ ህግደፍ ጀር ንበሎም ከም ከልቢ

ደም ህዝቢ ኤረትራ ዘፍሰሶ ያኣኽሎ

መቃብር ሰማእታትና የንቀጥቅጥ ኣሎ። 

ሞት ፈሪሕካ ዶ ከይደቀስካ ይሕደር

ደርደር ኤረትራዊ ዶ ከምኡ ይገብር

ስዉኣትና የእዊዩ ኣለዉ ገለ ንግበር

መንእሰይ ተረካብ ሕድሪ ተባራበር

ትም ያኣክል ክብሪ ኣሓትካ ክድፈር።

ክቕንጠጥ እዩ እቲ ጸልማት

ኣሳፊሕካ ሞት ተኾርሚኻ ሞት

ህዝቢ ክጸንት ዶ ዓይንኻ ትዕመት

በንቁሮም ንጭፍራ ጥልመት

ህዝቢ ክጋላገል ካብ ደልሃመት

ያኣክል ተጸጊዕካ ምጥማት

ያዕ ንበሎም ንዉሉፋት ኩናት

ከይተቓለስካ ኣይሳዓሩን ከዳዓት

ሓንቲ ማዓልቲ ቅብጸት

ንዓመታት ድሕነት

ህዝቢ ይድሕን ካብ ባርነት

ምልኪ ይድምሰስ ይሰፍን ሓርነት።

ዉሕጅ ከይመጸ መንገዲ ዉሕጅ ጽረግ

ሕጊ ኣልቦ ካብ ሱሩ ክሕግሓግ

ደም ዘይጸገበ ብሓይሊ ሓፋሽ ክጽረግ

እንዳ ታሓረድካ ኣይትበል ዕዓገግ

ንድሕነትካ ተቓለስ ኤረትራዊ ሕደግ።

ሕጂ ይታዓጾ እቲ ማዕጾ

ከም ዓርኩ ንህዝቢ ከይበጽበጾ

ንኢሰያስ ምስ ጭፍሩኡ ነቃብጾ

ግፍዔኛታት ከይሃድሙ ብሎኮ ንዕጾ።

ኣሓ ምስ ሓራዲኤን ማይ ይሰትያ

ሕጂ የድልሎ ንህግደፍ ኣቢያ

ኤረትራ ናይ ኢሰያስ ኣይኮነትን

ናህና ናይ ህዝቢ ኤረትራ ኢያ

ኣዕጽምትና ከስኪስና ሓራ ግርናያ

ኣይንታዓዘብ ኣደታት ሰማእታት ክበኽያ

ኣዊያት ህዝቢ ኤረትራ ንዓለም ክነስምዖ

ሕጂ እዩ እዋኑ ክንወጽእ ኣብ ጽርጊያ።

እቲ ንነጻነት ዝተቓለሰ ተቃላሳይ

ንሓርነት ደሙ ዘፍሰሰ ብጻይ

ኣይጠልምን ሕድሪ መቃልስተይ

ሕድሮም ከተግብሮ እዩ ተቓዋማይ

ክቃላጠፍ ተጸንበሮ ምንእሰይ

ክንምሕዎም ንክሻ ማንከይ

ወላዲትካ ክትብል ሰይይሰይ

መርዓኻ ሪኢያ ክትብል ወጊሑለይ

ኢላ ክትደርፍ ዑፈይ ስመርለይ።

             ይቅጽል

ዓወት ነቲ ደም ዝነብዕ ዘሎ ህዝቢ ኤረትራ

ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ሰማእታትና

ኤረና ንለብዘበን እንበር ነዓመታስ ሸዊት ለምለም

ዕንወት ንጃንዳ ህግደፍን ዓንገልቱን