ውሑዳት ነይሮም ኣንጻር ብዙሓት ቶ&#487
نشر من قبل omaal في 09:04 صباحا - 16 04 1432 هـ (21 03 2011 م)

ውሑዳት ነይሮም
ኣንጻር ብዙሓት
ቶጎሩባ


تفاصيل الخبر
ውሑዳት ነይሮም
ኣንጻር ብዙሓት
ቶጎሩባ
ወርሒ  መጋቢት ሱሳን ኣርባዕተን 64
ቶጎሩባ          ዓባይ        ሓበን
ውሑዳት ነይሮም-    ኣንጻር ብዙሓት
ግን ተዓዊቶም   -   ኣብ ቦኽሪ ኩናት
ቶጎሩባ
ዘይትርሳዕ    ዕለት  ንጸላኢ ዝዳሃለት
እወ ዘይትርሳዕ ዕለት ንሃገራዊ ሰበሰረት
እወ ውሑዳት ነይሮም ኣንጻር ብዙሓት
ግን ተዓዊቶም ኣብ ቦኽሪ ኩናት
ቶጎሩባ
ምስቲ ክሳብ ዓንቀሩ ዝተዓጥቀ ጸላኢና
ፊት-ንፊት         ገጢሙም ጀጋኑና
ኣፍሊጠሞ ኤርትራውያን  መን ምዃና
ሽዑ  እዩ   ጀሚሩ  ሓበሬታ  ዓወትና
ቶጎሩባ
ጀጋኑ ነይሮም ምስ ኣቦና  ኣቡ ርጀይላ
በኹራዊት  ኩናት ቶጎሩባ   ዝመራሓላ
ታሪኽ ጅግንነት ዝጻሓፉላ
ቶጎሩባ
ኣይረሳዕናክን  ዓመታዊ  ኢና ነኽብርኪ
ኣይረሳዕናክን  ዓምታዊ ኢና  ንሕበነልኪ
ኣይረሳዕንክን ኣብ ልብና ታሪኽናን ኢኺ ሰፊርኪ
ቶጎሩባ
ቦኽራዊት  ኩናት  ሰነድ  ናይ  ዓውትና
ቦኽራዊት   ኩናት  ሓበን  ናይ  ሰውራና
ቦኽራዊት ኩናት ታሪኽ ኣብ ቃልሲ ናጽነትና
ቶጎሩባ
መቀጸልታ ተጎሮባና ዓወታት ቃልስና
ጺሒፍካ ኣይጭረሽን ኢዩ ዓወት ጀጋኑና
77 ምውጻእ ነጻ ገጠር ከተማታትና ናይ 
ውግእ ሰላዕ ዳዕሮ  
ይንገር ዝዋዓሉ
ውግእ ስርሒት ፍንቅልና
ሓበን ናይ ቃልስና
ውግእ መረብ 
መን ዘይዛረብ
ውግእ ደቀምሓረ
ንጸላኢ ዝሕረረ
ኣብ ሰላሳ ዓመት ብዝተፈጸመ ቂያና
ሓበን ኤርትራውያን ሂያብ  ስውኣትና 
ናይ  ዓለም መንግስታት ሽዑ ክዳሃያና
ኣብ ሰማይ ፍልፈል ኢላ ባንዴራ ሃገርና
ብሓይሎም     ኣፍሊጦማ    ጀጋኑና
ጨቢትናያ   መሉእ     ናጽነትና
ግን ሰሪቆማ ህ.ግ.ደ.ፍ ካብ ህዝብና
ምእንቲ ስልጣኖም
ክብሕቱ ንብይኖም
ቀትሪ ከሉ ኣጽልሚቶማ መሬት
ህዝብ እናራኣየ ዓይኑ ከምዝዕመት
ኣደንዚዘሞ ከምዘይነበረ ጀግና
ሕድሪ ዝጠለሙ ሕድሪ ስውኣትና
ኣንታ ፍጣሪ ካብዝኦም ኣድሕነና
ነዚኦም ንድምስሰሉ ሓይሊ ሃበና
ብሓድነት ህዝብና ኣንጻር ህግደፍ መኪትና
ንስርዓቶም       ፈጺምና        ደምሲስና
ህዝባዊ    መንግስቲ     ኣብ ሃገር   ተኺልና
ዝመጽእ ዓመት ኣብ ቦታ ቶጎሩባ ከነብዕለኪ ኢና
ዝኽርን ክብርን ንጀጋኑ ሰማእታትና
ዓወት  ነቲ  ደም  ዝነብዕ  ዘሎ  ህዝብና
ዓወት    ንመጻኢ    ሃገራዊ   ጉባኤና
ንስልጣኖም ክብሉ ዝጭቑኑ
ዝደኽሙ"ውን ጥቅሞም ንምርባሕ 
ኣይትደሊን ኢያ ኤርትራ ናይ ጽባሕ ኤርትራ ናይ ጽባሕ
ውድቀት ንዲክታቱራዊ ስርዓት ህግደፍ
ኣማን ሰላም
ካብ
ማእከላይ ምብራቅ