ክቅንጠጥ እዩ ቲ ጸልማት ክፍደ ቲ ሕ&#4
نشر من قبل omaal في 06:29 صباحا - 21 04 1432 هـ (26 03 2011 م)

ክቅንጠጥ እዩ ቲ ጸልማት ክፍደ ቲ ሕነ

ሕድሪ ሰማእታትና ኩቡር እዩ

በርሀ ዑቁባዝጊ ሃገር ጀርምርን


تفاصيل الخبر

ክቅንጠጥ እዩ ቲ ጸልማት ክፍደ ቲ ሕነ

ሕድሪ ሰማእታትና ኩቡር እዩ

በርሀ ዑቁባዝጊ ሃገር ጀርምርን

ክቅንጠጥ እዩ ቲ ጸልማት ክፍደ ቲ ሕነ፡

 ሎሚ ኣይኮነን ዓሚ ጋህዲ ክከውን ናይ ህዝቢ

 ናይ ሰማእታትና ሕልሚ ክልተ ግዝየ ሕሰቡ፡

እታ ንህግደፍ ትረኽቦ ከይትረኽቡ።

ጸረ ዲክተተር ተላዓሉ ሎሚ

ክንዲ ህዝቢ ተጣበቕ ካብ ተሓሚ

ምህዳሙ ዘይተርፎ ቲ ጠላሚ

ምስ ጠለምቲ ሕድሪ ከይትልከሚ

ህግደፋዊያን ሎሚ ኣይኮነን ዓሚ።

ንጀነቭ ተበጊሱ ዓቢ ምስ ንእሽቶይ

ከጋልጾ ንዘፍሰሱ ደም መናእሰይ

ዘይከምቶም ክሳብ ሰማይ ንብላዕ ስርናይ

ዓገል ክብል እንታይ ገደሰኒ ዘይባሃላይ

ከይበለ ትም ዘይብል ከም ሃገረይ

ኢሉ ከእዊየሎም ናዓዶቦይ

ዓመጾም ክገልጸሎም ክገብር ዓቕመይ

ከእዊ ድምጾም ሓዊሰ ምስ ድምጸይ።

ኣብ ስደት ዝነብር ኤረትራዊ ነቒሉ

ንጀነቭ ንህዝቢ ኤረትራ ከእዉየሉ

ወይልለኹም እቶም ተታልሉ

ሓደ ልቢ ሓደ ህዝቢ ትብሉ

ህግደፍ ታኣጊዱ ኡይትብሉ

ነቒሉ እንተበልኹም ትነቕሉ

ተባዕስ  እንቢ ንምልኪ ኢሉ

ከይተሸቑረረ ከምቶም ዝተዳህሉ

ከድምጽ ጸረ ስርዓት ኣልቦ ንመሰሉ

ንጃንዳ ህግደፍ ከጋልጾም ተላዒሉ።

ዘይከምቶም ከም ከብቲ ዝኽብኮቡ

ሕልንኡ ሓቲቱ ቀሊዑ ጉልባቡ

ድምጹ ከስምዕ ክንዱ ንህዝቡ

ህግድፋዊያን ዓቕሊ ከጽብቡ

ከጋልጾም ንመንዚዖም ዝጸገቡ

ብምፍርራህ ገንዘብ ዛኣከቡ

ንብረት ወዲ ሃገር ዝሰለቡ

ናይ እዝኒ ናይ ኢድ ዝብሉ ሃቡ

ንሕናን መንግስትናን ዝብሉ ለያቡ።

ብህግደፍ መሰሉ ዝተቐንጠጠ

ተበጊሱ ከፍልጥ ነቲ ዘይፈለጠ

ፋይል ክግንጸል እቲ ዝተዓብጠ

ሓጎስ ክሻ ተታሒዙ ምስ ተቐጥቀጠ

ክነግር ንብረት ህዝቢ ኣበይ ከም ዝተቐመጠ።

ይተንተን  ናይ ህግደፍ ጽይቂ

ኩሉ ክፈልጦ ናይ ጥፋትና ጠንቂ

ኢሰያስ ምስ ጭፍርኡ እዩ ተጠያቒ

ክነፍልጦ ንመሰል ህዝቢ ተጣባቒ

ንመንግስቲ ህግደፍ ነቲ ሰራቒ።

ክንጋላገል ካብ ህግደፋዊ ብማፍያ

ዓመት ራህዋ ክትከውን ኩሉ ዝጽበያ

ዕምሪ ምልኪ ካሓጽር ንወስኸሉ ጉያ

ኣደታት ስዉኣትና ክንደሻብ ክበኽያ

ኣቦታት ካሓርሱ ኣደታት ክጽህያ

ስርዓት ኢሰያስ ክድምሰሰ ንበል ጉያ ጉየያ

ኤረትራ ክትማሓደር ብስርዓት ደሞክራስያ።

          ይቅጽል

ዓወት ነቲ ደም ዝነብዕ ዘሎ ህዝቢ ኤረትራ

ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ሰማእታትና

ኤረና ንለብዘበን እንበር ነዓመታስ ሸዊት ለምለም

ዕንወት ንጃንዳ ህግደፍን ዓንገልቶምን