ክቅንጠጥዩ ቲ ጸልማት ክፍደ ቲ ሕነ 6&#
نشر من قبل omaal في 06:46 صباحا - 02 05 1432 هـ (05 04 2011 م)

ክቅንጠጥዩ ቲ ጸልማት ክፍደ ቲ ሕነ

6ይ ክፍሊ

ሕድሪ ሰማእታትና ኩቡር እዩ

በርሀ ዑቁባዝጊ ሃገር ጀርመን


تفاصيل الخبر

ክቅንጠጥዩ ቲ ጸልማት ክፍደ ቲ ሕነ

6ይ ክፍሊ

ሕድሪ ሰማእታትና ኩቡር እዩ

በርሀ ዑቁባዝጊ ሃገር ጀርመን

1966.ኢሰያስ ዝተሰለፈላ ዓመተምህረት ነራ ዓመት ክድዓት ጥልመት ንኤረትራ ዘሪኡላ እሾኽ ምድርበት ቃልስና ኣናዊሕዋ ንሰላሳዓመታት ንድሕሪት: ዕላሙኡ ስለ ዘይፈለጢዎ ቶም የዋሃት ኣብ ሜዳ ኤረትራ ኣንጸላልዩ ጸልማት። ካብ ጀብሃ ምስ ተፈለየ ኣብዚ ሎሚ በጺሕዎ ዘሎ ንምብጻሕ  ምጽናት ጀሚሩ ንጽሃት ጀጋኑ ደሞክራስያዊያን ደቀባት 1966 ጸላም ማዓልቲ ዝተሰለፈላ ኢሰያስ ኣፎወርቂ ናይ ኤረትራ ሂትለር ያኣኽለካ ኣታ ከዳዕ ጠላሚ ንኾንቱ ዝገበርካ ናይ ህዝብና ሕልሚ ብህዝቢ ኤረትራ ተቐባልነት ሎሚ።

ህግደፍ ፍጊዕ ኢልኩምና ደጊም

ለውጢ ብህግደፍ ኣይንደልን እንታይ ክንደግም

የእዳውኩም ዝጠልቀየ ብደም

ብተረፍ ህግደፍ እንታይ ክንዕለም

ናዓኹም ደምሲሳ ኢያ ኤረትራ ትኸውን ለምለም።  

የማነ ማንኪ ንድሕነት ጃንዳ ህግደፍ

ኣበይ ጸኒሕካ ሕጂ ትብል ዓዘፍዘፍ

ንስኻን መሰልትኻን ዓድና ግደፍ

ኣብ ኢድ ህዝብና ከይትዓርፍ።

ኢሰያስ ካብ ቀደምካ ጹሉእ መን ይፈቱ ናዓኻ

ኣብ ጀጋኑ ምቕንጻል  ሓሊፉ ግዘየኻ

ከም ዓክኻ ልዕሊ 40 ዓመት ገዚእካ

ብዓመጽ ናብ ስልጣን ደየብካ

ኤረትራዊያን ንኽተፋልስ ንሜዳ ወጺኻ

መን ክፈትወካ ናዓኻ ብጀካ ዝረግመካ

ህዝቢ ይምህለል ኣሎ ካሓጽር ዕምርኻ

ጥፋእ ቀልጢፍካ ህዝቢ ከይለከምካ።

ብመስዋእቲ ደቃ ዝና ረኺብካ

ብስድራ ስዉኣትና እንዳ ለመንካ

ጮማ ትበልዑ ምስ ጭፍራኻ

ስድራ ሱዉኣት ሓሲምዋ ብሰንክኻ

ክንዲ ክብረታ ኣቲ ሰበቲ ኣጠሚቅካ

ኣበይ ክጥዕማ ምስ ጠላም ከማኻ

ጨካን ኣራዊት ዝተረፉ ደጊምካ

ንዝተረፉ ኣብ በረኻታት ኣስፊርካ

ብዘይ ጠዋሪ ኣብ ዑና ደርቢኻ

ህዝቢ ይፈትወኒ ትብል ኣልዓቢልካ

ኣራዊት በረኻ ደጊም ኣኺሉካ።

ጀብሃ ሻዕቢያ ነበር ጠሊምካ

ኣታ ኣብ ስደት ነባሪ ዘለኻ

ንህግደፍ ዑቑር ሓይሊ ዝኾንካኮ

ጠሊምካ ሕድሪ ሱዉኣት ብጾትካ

ጠሊምካዮ ነቶም ሕድሪ ዝሃቡኻ

ንህዝቢ ዘጽንቱ ሓገዚኦም ኮንካ።

ዓገብ ክንብሎም እንተ ተረደኦም

ነቶም ህግደፍ ዝነብር ዝመስሎም

ካብ ህዝብታት ከባቢና እተተማሂሮም

እንቢ ንምኪ ክብሉ ምሳና ሓቢሮም።

ተላቢዮ ስዉኣትና ከይንጠልም ሕድርና

ከይንጠልም ዓዲ ምስ ኣተና ተጋጊና

ብዙሓት ጠሊሞም ንሕና ሞ ኣሎና ገና

ትም ኣይንብልን ካብ ህግደፍ ፈሪህና

ከምቲ ንመግዛእቲ ዝተቓለስና

ንማፍያ ህግደፍ ክንቃወሞሞ ኢና

ሕድሮም ክትግበር ሰማእታትና።

ካብ ህግደፍ ለውጢ መን ይጽበ

ኣየናይ መላኺ ስልጣኑ ንህዝቢ ዘረከበ።

ኤረትራዊ ገ እንዳ በሉኻ ዶ ትጋገ

ኣይትስዓቦ ነቲ ብስልጣን ዝባዕለገ

ካብ ህዝቢ ዝበልዕ እንዳ ኣሕደገ

ነቲ ዘኽበሮ ህዝቢ ዘናሹ መልሓሱ ባኣለገ

ጸረ ምልኪ ጻዊዒት ተቐበል ውጻእ ንደገ።

ብህግደፍ እንታይ ዘይተገብረ

ንብረት ሃገር ዶብ እንዳ ኣስገረ

ህዝቢ ኣጥምዩ ሚሊዮናት ዝገበረ

ንሳቶ ጮማ ይበልዕ ህዝቢ እንዳ ኣማረረ

ስድራ ስዉኣት ሓሪምዎም ማይ በርበረ

ጸረ ዲክተተር ሓደ ድምጺ ንድምጽ ደቂ ኤረ።

ሓፍተይ ግደፍዮ ናዓይ ይጥዓመኒ

ኣደ ስዉእ ኢላ በዲልክኒ

መሳርሒ ጠላማት ካብ ትኾኒ

ኣደ ጀጋኑ ትበኪ ንስኺ ትቑነኒ

ዳሳት ህግደፍ ክተማዕርጊ ትሕነኒ

ማዓስ ከምዝስቖረኪ ምርዳእ ኣቢዩኒ።

           ይቅጽል

ዓወት ነቲ ደም ዝነብዕ ዘሎ ህዝቢ ኤረትራ

ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ሰማእታትና

ኤረና ንለብዘበን እንበር ነዓመታስ ሸዊት ለምለም

ዕንወት ንጃንዳ ህግደፍን ዓንገልቶምን