ተላዓል ኤርትራዊ ሰብኣይ መስ ሰበ&#484
نشر من قبل omaal في 05:36 صباحا - 06 05 1432 هـ (09 04 2011 م)

ተላዓል ኤርትራዊ ሰብኣይ መስ ሰበይቲ!

ንማዕበል ሓፋሽ ይብሉን ዓጋቲ!

ካልኣይ ክፋል

 


تفاصيل الخبر

ተላዓል ኤርትራዊ ሰብኣይ መስ ሰበይቲ!

ንማዕበል ሓፋሽ ይብሉን ዓጋቲ!

ካልኣይ ክፋል

ብገ/ሚካኤል ሃብተጽዮን ቆሪጀ ጀርመን

ንዓለም ነእውየሎም ንኣሕዋትና ኣሓትና

ንዝሳቕዩ ዗ዘለው ኣብ ባረኽታት ሲና

እዚ ኩሉ ስቅያት እንዳ ተዓብና

ኣውያቶም እንዳሰምዓ ኣእዚና

ኩሊቶም እንዳተሽጠ ኣሕዋትና

ብራሻይዳ ብበደዊ እንዳተደፍራ ኣሕዋትና

዗ዘሔዝንዩ ዗ዘርምም ንዘለዎ ሕልና

ቀዳምነት ንስራዕ ንድሕነት ህዝብና

ካላኣዊ‘ዩ ስነ ሓሳብ ፍልልያትና::

እዞም ልቕብቃብ ናይ ህግደፍ ማፍያታት

ፍለጦም ኣለልዮም መኣዝንካ ኣይትስሓት

ንህዝቢ ጨፍሊቆም ስልጣኖም ንምብሓት

ወራዘት ዝመስሉ ናይ ኢሳያስ ልኡኻት

ተዋላወልቲዮም ዗ዘይጹኑዓት

ምስ ፍልጥቶም ዗ዘይብሎም ብቕዓት

ኣለው‘ዉን ስውራት ወኻርያ ጽብሓት

ሕኽኽኒ ክሓኽካ ናይ ህዝብና መንድዓት

ሓሶታት ዝሰብኩ መታለልቲ ግሩሃት

ጠለምቲ ብጾቶም ረሳዕቲ ስውኣት ;;

ኢሳያስ ኣብ ውሽጢ ልኡኻቱ ኣብ ወጻኢ

ንፋስ ሎሚ ዓመት ኣእቲይሎም ገብኢ

ብኹሉዮም ተቓሊዖም ስኢኖም መሕብኢ

ጸረ ሰላም ፍትሒ መሳወርቲ ጽልኢ

እንጉይ እንጉይ ኣብዙሖም ከም ዝብኢ

ብጀካ ስልጣኖም ዗ዘይብሎም ራኢ ;;

ሰራዊት ኤርትራ ተበገሱ ተለዓሉ

ንስኻትኩም ኢኹም ውጹዓት ካብ ኩሉ

ብጻይኩም እንዳተረሸነ ዝሓተተ መሰሉ

እንዳ ተቀፈደ ኮብሊልካ ተባሂሉ

ከም  ጊላ ብዘይ ደሞዝ እንዳ ሸቀሉ

ንስድራ ቤትኩም ሓምሳ-ሽሕ እንዳኽፈሉ

ነቲ ሓጹር ፈንጥሶ ተንኮላት ጎሓላሉ

ምስ ህዝብኩም ኮንኩም ኣጽብብሉ ዓቕሉ

዗ዘመኽነየ እንተኣመኽነየ ከይትህመሉሉ

ወጊድ ይኣኽለካ በልዎ ፋሕ-ብትን ኣእትውሉ::

ኣለውና ኣለዋና እንዳሰምዑ ዝጸመሙ

ተመኺሮም ተማዒዶም ዗ዘይልብሙ

ክሳብ መዓስዮም ክዕሙ

መልሓሶም ከይትዚረብ ዝተለጉሙ

ህግደፍ ክጸንሓሎም ዝጽልዩ ዝሓልሙ

ብህዝብና ዝተፈንፈነ ዝተረግሙ

ንሓቂ ብሓሶት ዝትርጉሙ

ዝተባህሎም ንኹሉ ዝርዕሙ

ክፈልዩ ዗ዘይክእሉ ሳዕስዕኡ ስገሙ

዗ዘረባ ኢሳያስ ከም ባባጋሎ ዝደግሙ

ካብዙኣቶምስ እንስሳ‘ካ ይልቡሙ

ጸላኢኦም ኣለልዮም ኣርሕቆም ይሃድሙ.::

ዓወት ንውጹዕ ህዝብና!!

ሞት ንስርዓት ህግዯፍን ኣዳኽርቱን!!

ክብርን ዝኽርን ንስውኣትና!!

ይቅጽል