ክቅንጠጥዩ ቲ ጸልማት ክፍደ ቲ ሕነ &#4
نشر من قبل omaal في 05:40 صباحا - 06 05 1432 هـ (09 04 2011 م)

ክቅንጠጥዩ ቲ ጸልማት ክፍደ ቲ ሕነ

ሻዉዓይ ክፍሊ

ሕድሪ ሰማእታትና ኩቡር እዩ

በርሀ ዑቁባዝጊ ሃገር ጀርመን


تفاصيل الخبر

ክቅንጠጥዩ ቲ ጸልማት ክፍደ ቲ ሕነ

ሻዉዓይ ክፍሊ

ሕድሪ ሰማእታትና ኩቡር እዩ

በርሀ ዑቁባዝጊ ሃገር ጀርመን

ንእግሪ መንገደይ ወስ ከብለሉ ንወዲ ጀነራል ዎይጦ ዓሊ ዓብዱ።

ነዊሕ ኣይኮነን ምልሓስኩም ትነኽሱሉ ወናኒ መስከረም ዝመራሒኦም ብጠቕሚ ሽዩጣት ከም ተቓወምቲ ተሰዊሮም ዝጸንሑ ንዓመታት ኣብ ዉሽጢ ተቓወምቲ ውድባት።

 ሕድሪ ሰማእታት ዝጠለሙ ናይ ግግደፍ ዑሱባት።

በል ተቐበ ክሕብረካ ባዕለይ

ወናኒ ቶጎሩባዩ ሓርበኛ ተቓላሳይ

ሕድሪ ስዉኣቱ ዘይጠለመ ተባዕ ብጻይ

ከም ወናኒ መስከረም ዑሱብ ኣይኮነን ካሕዳይ

ዝተመንጠለ ገንዘብ ዝበልዕ ከማኻ ጣልማይ።

ቶጎሩባ ማዓስከር ሕርበኛታት

ቶጎሩባ ልሳን ዉጹዓት

ከም መስከረም ኣይተወነነትን ብዑሱባት።

ካድራት ህግደፍ ኣምስሉ

ንመን ኢኹም ክተታልሉ

ኣሲሮም ከምዘይቀተሉ

ሸኽ የብሉ ኣቡን የብሉ

ብኣልማማ ንኹሉ

ሕጂ ከም ጲላጦስ ኑጹሃት ክመስሉ

ከም ባባጋሎ ዘዝበሎ ከምዘይ በሉ

ትእዛዙ ተቐቢሎም ህዝቢ ከምዘይ በደሉ

ሕጂ ነብሶም ከድሕኑ ዝበሉ እንተ በሉ

ዓያሹ ኣይኮናን ንብሎም ነቶም ተዃሉ።

ፋይዳ የብሉን ዘረባ ጥራይ

ሕጂ እዋኑ ንህግደፍ ምእላይ

ብታሕቲ ታሕቲ ካብ ተላዓለ መንእሰይ።

ዕስራ ዓመት ክንስመ ተቃወምቲ

ንህግደፍ ዘየድማዕናሉ ዋላ ሕንቲ

ንሱ የጽንት ናኢሽቱ ኣይብል ዓበይቲ

ግዝየ ሓሊፉ ከየፍረና ዋላ ሓንቲ።

ኢሰያስ ዘተ ኣይኣምንን ብጀካ ምድሳቕ

ካብ ሜዳ ጀሚሩ ብስልቲ ናዓና ንምሕቃቕ

ኢሰያስ ምስ ጭፍራ ከይጸረካ የሎን ድቃስ።

ብጉጅለ ተሰሪዑ ተቓዋማይየ እንዳበለ

ንህግደፍ ዘድምዕ ሓያል ሓይሊ ዘየለ

ተጠርኒፍና ንኢሰያስ ምስ ጭፍሩኡ ንእለ

ድሕሪ ሓርነት ሰልፊ ይምስርትቲ ዝድለ።

ተቃወምቲ ለብሙ

ኩሉ እዩ ዝሰርሕ ንጠቕሙ

መንእሰያት ኤረትራ ካብ ህግደፍ ያሃድሙ

ኢትዮጵያ ንቕድሚት ይስጊሙ

ዘረባ ገዲፍኩም ንህግደፍ ጨልግሙ።

ብደምና ናጻነት ኣምጺእና ተጠሊምና

ሕጂ ውን ንሓርነት ንቃለስ ኣለና

ብደምና እዩ ዝራጋገዝ ሓርነትና

ንህግደፍ ንምእላይ መስዋእቲ ያሓተና

ብሰላም ብቅሳነት ክነብር እንተኾና

ኣይንጠምት የእዳውና ኣጣሚርና

ኢሰያስን ካድራቱን ዝበልዎ ምድጋም ይትረፈና

ዕድል ኣይንሃቦም ንጠቐመሉ ግዚየና ቀልጢፍና።

           ይቅጽል

ዓወት ነቲ ደም ዝነብዕ ዘሎ ህዝቢ ኤረትራ

ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ሰማእታትና

ኤረና ንለብዘበን እንበር ነዓመታስ ሸዊት ለምለም

ዕንወት ንጃንዳ ህግደፍን ዓንገልቱን