መግለጺ ሓዘን / ዓለምለኻዊ ምንቅስ&#46
نشر من قبل omaal في 05:48 صباحا - 06 05 1432 هـ (09 04 2011 م)

መግለጺ ሓዘን

ዓለምለኻዊ ምንቅስቓስ መንእሰያት ኤርትራ - EYGM

 


تفاصيل الخبر

መግለጺ ሓዘን

ዓለምለኻዊ ምንቅስቓስ መንእሰያት ኤርትራ - EYGM

            እታ ንዳርጋ ሰለስተ ሰሙን ብዙሓት ኤርትራውያን ተሳፈርቲ ሒዛ ካብ ገማግም ሊብያ ተበጊሳ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ጠፊኣ ዝቐነየት መርከብ፡ ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ ምስ ኩሎም ተሳፈርታ ግዳይ ማእከላይ ባሕሪ ምዃና ተፈሊጡ ኣሎ። በዚ ሓደጋ’ዚ ሰለስተ ሚእትን ዕስራን ሓሙሽተን ኤርትራውያን፡ ዓሰርተ ኢትዮጵያውያንን፡ ሓደ ምስራዊ መራሕ መርከብ ህይወቶም ከምዝሓለፈት ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ። ካብቶም ህይወቶም ዝሓለፉ ተጓዓዝቲ እተን ሱሳን ክልተን ደቀንስትዮ ክኾና እንከለዋ፡ ዓሰርተ ሰለስተ ድማ መዓንጣ ዘይቆጸሩ ህጻናት ምንባሮም ክንርዳእ ክኢልና ኣለና። እዚ ኣዝዩ ዘሕዝን ተረኽቦ እዩ፡፡

            በዚ ምኽንያት’ዚ ድማ ኣብዚ ቅነ’ዚ፡ ብዙሓት ኤርትራውያን ስድራቤታት ዘይተሓስበ መርድእ ናይቶም ‘ደሓን ይህልዉ’ ኢለን ተስፋ ዝገብራሎም ዝነበራ ኣባላተን ክቕበላ እየን። ከም ደቅ ህዝቢ መጠን፡ እዚ መርድእ ኣዝዩ የጉህየና፡ ተኻፈልቲ ናይዚ ድቃስ ዝኸልእ ሓዘን ምዃንና ድማ ንገልጽ።

ንጠንቂን ተሓታትነትን ንጻባጸበሉ እዋን ግዝይኡ እኳ እንተሃለዎ፡ ሎምን ኣብዛ መራር ግዝየ ሓዘን እዚኣን ግና፡ ነቶም ዝሓለፉ ኣሕዋትና ኣሕትናን ፈጣሪ ናይ ዘለኣለም ዕረፍቲ ክህቦም ንምነየሎም፡ ንኹሎም ስድራቤት እዞም ኣሓዋትን ኣሓትን ድማ “ጽንዓት ይሃብኩም” ንብል። ንመራሕቲ ሃይማኖታትን፡ ወራዙት ዓበይቲ ዓድን ድማ፡ ኣብ ርእሲ ልቦም፡ ንሕዙናት ዘጸናንዑሉ፡ ሞራል ሓዘንተኛታት ብመሪር ሓዘን ተዳቒቑ ከይተርፍ፡ ሓፍ ናይ ምባሉ ከቢድ ሓላፍነት ከምዘለዎም ዘኪሮም፡ ኣብ መሳጊድ፡ ኣብያተ ክርስትያንን፡ ኣብ ቤት ሓዘንተኛታት ብምብጻሕ ዘጸናንዑሉን ስድራቤት ትብዓት ንኸሕድሩ ዝድርኹሉን እዋን ምዃኑ ነዘኻኽር።

ዓለምለኻዊ ምንቅስቓስ መንእሰያት ኤርትራ - EYGM

8 ሚያዝያ 2011