ኤውሮጳ ክሰግሩ ክብሉ ደቂ ኣንስት&#484
نشر من قبل omaal في 07:30 صباحا - 09 05 1432 هـ (12 04 2011 م)

Powerfull Video
http://www.ezstream.com/play/index.cfm?id=122020CD5A

ኤውሮጳ ክሰግሩ ክብሉ ደቂ ኣንስትዮን ሕጻናትን ዝርከብዎም ልዕሊ 325 ኤርትራውያን ኣብ ገማግም ሊብያ ከምዝሃለቑ ናይዚ እዋን'ዚ ቀንዲ ዜና ኮይኑ'ሎ። እዚ ኣስካሕካሒ ፍጻሜ እዚ ሓዘን ኩሉ ኤርትራዊ እዩ። ኣቦ-ሓጎታትና ዝወሓጠት ትሩቡሊ ሎሚ ድማ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ኣብ ገማግም ማያት ሊብያ ተዋሒጦም ተሪፎም።

تفاصيل الخبر

መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ ከቢድ ሓዘን እናተሰመዖ፣ ንሰንበት 10 ሚያዝያ 2011 ኣብ ኩለን ኣብያተ ክርስትያናት ህጹጽ ናይ ጸሎትን ምህልላን መደብ ኣውጁ'ሎ። ስለ ህዝብናን ሃገርናን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ክንጽልን ክንበክን ኢና።" ኣምላኽ ንስቓይናን መከራናን መወዳእታ ክገብረሉ፣ ነዞም ህልቂት ዘጋጠሞም ልዕሊ 325 ዜጋታትና ድማ ጸሎት ፍትሓት ክግበረሎም'ዩ።

ኣብዚ ዕለት'ዚ፣ ብብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ ሊቀ ጳጳስ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ዝምራሕ ኣገልገልቲ ካህናት መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ ዝርከብዎ፡ ኣብ ደብረ ግእዛን መድኃኔ ዓለም ቤተ ክርስቲያን ኣትላንታ፡ ተኣኪቦም ጸሎት ፍትሓት ከካይዱ እዮም። ኤርትራውያን ኩሎም ብዘይ ኣፈላላይ፣ ኣብቲ ናይ ጸሎት መደብ ክትሓብሩና እናተማሕጸንና፣ እቲ ስነ-ስርዓት-ጸሎት ብኢንተርነት ብቐጥታ ክዝርጋሕ ምኑ ንሕብር።

ክብርቲ ህይወቶም ንዝሰኣኑ ዜጋታትና፡ ኣምላኽ ኣብ መንግሥተ ሰማያት ኪቕበሎም፣ ንስድራ ቤቶም ድማ ምጽንናዕ ኪህበልና ጸሎትናን ምህልላናን ናብ ኣምላኽ ነቕርብ።

እግዚኦ ኣዕርፍ ነፍሰ ኩሎሙ ምውታን።

እግዚኣብሔር ንስቓይና መወዳእታ ይግበረሉ።

መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜሪካ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ።

--
 
Dr. Yonas Mehari