ክቅንጠጥዩ ቲ ጸልማት ክፍደ ቲ ሕነ
نشر من قبل omaal في 06:09 صباحا - 12 05 1432 هـ (15 04 2011 م)

ክቅንጠጥዩ ቲ ጸልማት ክፍደ ቲ ሕነ

ዓስራይ ክፍሊ

ሕድሪ ሰማእታትና ኩቡር እዩ

በርሀ ዑቁባዝጊ ሃገር ጀርመን


تفاصيل الخبر

ክቅንጠጥዩ ቲ ጸልማት ክፍደ ቲ ሕነ

ዓስራይ ክፍሊ

ሕድሪ ሰማእታትና ኩቡር እዩ

በርሀ ዑቁባዝጊ ሃገር ጀርመን

ካብ በልኩም ብውሽጢ ኣለና

ንሕና ውን ብደገ ድልዋት ኢና

ደቂ ኤረይ እንተ ተዋሃሂድና

ጃንዳ ህግደፍ ይወድቁ ኣብ ኢድና

መቓብሮም ይቐስን ሰማእታትና።

ንስርዓት ኢሰያስ ባዕልና ኢና ንፍንጥሖ

ሽግርና ባዕና ኢና ንፈትሖ

ዝጋዓረ እንተ ጋዓረ የብሉን ኣብ ዝበጽሖ

ከም ቀደምና ምስ ህዝብና ሓቢርና ነውግሖ።

ንፈተውቲ ነብሶም ንእሽቶ ጠፍ ታኣኽሎም

ህዝቢ ዘሰክሑ ኣኽላባቶም ኣዋፊሮም

ጠፍ ምስ ነብሎም ያሃድሙ ቀልጢፎም

እዞም ፈተውቲ ነብሶም

ብህልቀት መንእሰያት ይሕተቱ ንሶም።

ከም ቀደምካ ጎቦዝ ተሻሞ

ከም ቀደም ሽግርካ ዕመሞ

ንወፍሪ ተዳሎ ህዝቢ ክጥዕሞ

ካብ ጎቦ ወሪድካ ንኣባይ ህጀሞ

ደም ዝለመደ ከይቀደመካ ቀድሞ።

ኣይተበገስካን ዶ ንለውጢ

ክትድምሰሶ ነቲ ደምካ ዝሰቲ

ኣይኣኸለትን ዶ ታማዓቲ

ኣብ ለምለም ዳስ ክንዝቲ

ክንጋላገል ካብ ጠለምቲ

ሓራ ክንከውን ካብ ገፋዕቲ።

ኤረትራዊ ኣይትላዓልንዶ

ንለውጢ  ድሕሪት ምስራዓካዩ ጋዶ

ያኣኽለካ ዘይንብሎ ዝኣሰሮ ዝሓረዶ

እቶም ጀጋኑ ዓለም ዘዛረቡ ተረሲዖምዶ

ተበገስን ኢሰያስ ሓኒቕካ ክተውርዶ።

ካብ እንባ ናብ እንባ

ከምዘይ ዘለልካ ኮንካ ዘረባ

ጎይታ እንባ ሶይራ ዳሃይ ሃባ

ህዝቢ ክወጽእ ካብ ጸበባ::

ዉሑጅ መረብ ይሰዶም

ካብ ደርጊ ይገዱ ንሶም

ካብትን ካብትን ተኣኻኺቦም

ንኑጹሃት ደቀባት ቀትሎም

ኣብዘይምልከቶም ኮፍኢሎም

ብዘይ ሕጊ 20 ዓመት ገዚኦም

ሎሚ ዓመት ክትከውን ዘይዓመቶም

ንበገስ ንጃንዳ ህግደፍ ክነፍርሶም።

ቶባእ ንበሎም ንዑሩባት ሕልና

እቶም ናዓዲ ነቒልና ዝብሉና

ብህግደፍ እንዳ ጸነቱመን እሰያትና

ብሰንኮም ወዲቖም ኣብ ልመና

ኣቦታቶም  ንጀጋኑ ስዉኣትና

ኣይንርእዮምን ካብ ኢሰያስ ፈሊና።

ሕጂ ይፈለጥ እቲ ከዳዕ

መን ብህዝቢ ይጣላዕ

መን ዩ ጠላም ዝጽዋዕ

ቲንመላኺ ደገፍ ጸረ ዉጹዕ።

ዕምሪ ምልኪ ከናውሕ

መንነሩ ወረ ዘባጻጽሕ

ንሪኢ ምስ ወግሔ ጽባሕ።

ብህግደፍ ኣይግዛእን ዝበለ

ንሕናዶ ቲ ወረ ዘቃባበለ

ንሕና ዶ ቲ ንሸፋቱ ዘገበለ

እቲ ንደክተተር ዝዓንገለ

ካብ ሪመይ ዝበለስ ዘቃባበለ። 

          ይቕጽል

ዓወት ነቲ ደም ዝነብ ዕዘሎ ህዝቢ ኤረትራ

ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ሰማእታትና

ኤረና ንለብዘበን እንበር ነዓመታስ ሸዊት ለምለም

ዕንወት ንጃንዳ ህግደፍን ዓንገልቶምን