ምልክታ ንኩሉኩም ኤርትራውያን ነ&#4704
نشر من قبل omaal في 05:18 صباحا - 13 05 1432 هـ (16 04 2011 م)

ምልክታ ንኩሉኩም ኤርትራውያን ነበርቲ ሊድስ

 


تفاصيل الخبر

ምልክታ ንኩሉኩም ኤርትራውያን ነበርቲ ሊድስ

ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት ኩነታት ሃገርናን ዝብናን ብሓባር ክንዝቲ ዝብል ንነበርቲ ሊድስን ከባቢኣን ምልክታ ኣብ ኩሉ ሊድስን ከባቢኣን ከምኡ’ውን ኣብ ማዕከናት ዜና ምቅላሕና ኩሉ ብህዝቡን ሃገሩን ዝግደስ ኤርትራዊ ንዘተ ድሉው ኮይኑ ምጽንሑ ካብ ዝተፈላለዩ  ኣሕዋት ዝበጽሓና ሓቤረታ  ብምስትብሃል ዓቕምና ዝፈቕዶ ምድላዋት ክንገብር ቅኒና።

ዘይሓሰብካዮ ኣይትከብ ይብሃል፣ ዘይሓሰብናዮ ረኺብና ክቡራት ኣሕዋት ኤርትራውያን ክሓልፈልና’ዩ እንዳበሉ ዝጸንሑ መንእሰያት ኣሕዋትናን ኣሓትናን ብጃምላ ኣብ መዲተራኒያን ባሕሪ ሓልቖም፣ ኩሉ ሃምናን ቀልብናን ክኣ ኣብ ሓዘን ተጸሚድና ቀኒናን ኣሎናን። ቢዚ ምኽንያት ድማ ኣብ ቤተክርስትያን ቅድስተ-ስላሴ ሊድስ ንቐዳም ዕለት 16 ሚያዝያ ካብ ሰዓት 3 ድ.ቀ. ዝጅምር ጸሎተ ፍትሓት ክግበር ምዃኑ ሓበረታ ስለዝረኸብና ዘተ መንእሰያት ንዕለት 29 ሚያዝያ 2011 ሰዓት 3 ድ. ቀ ተቐይሩ ምህላዉ ንኹሉ ደላይ ዘተ ሓው ክንሕብር ንፈቱ። ኣብ ዘተ ክትሳተፉሞ እጃምኩም ከተበርክቱ ካብ ስራሕ ዕረፍቲ ዝሓተትኩም ኣሕዋት ኩሉኩም ይቕሬታ ንሓትት፣ ልዕሊ ዓቅምናን ኩሉና ተኻፈልቲ ክንከውን ስለዝግብኣና ከምዝቐየርናዮ ንሕብር።

በዚ ኣጋታሚ ንኹሉ ኤርትራዊን ብፍላይክኣ ንቤተሰብ መወትቲ ጽንዓት ይሃብኩም ንብል። ኣብዚ መንእሰያት ኤርትራ ክንርድኦ ዝግብኣና ካብ ማንም ሰብ ንላዕሊ ሞት እዞም ኣሕዋት መንእሰያት ንዓና’ዩ ዝሃስየና ኣጆኻ ኣጆኹም ዝብሉና’ዮም ሓሊቖም ዘለዉ።  ካብዚ ዝኸፍእ ኩነታት ከይርከብ ብኣግኡ ነቲ ግናይ መገዲ ንጽረጎ፣ ሓይሊ መንእሰይ ዓጋቲ የብሉን።

መንግስተሰማያት ንዝተቐዝፉ!!

ጸንዓት ንቤተሰብን ንኹልናን!!

ኣዳላዊ ኮሚቴ ሊድስ

ፍትሒ ክነግስ፣ ፍቕሪ ክዕምብብ ውልቀመላኪ የልግስ!!!!!