ክቅንጠጥዩ ቲ ጸልማት ክፍደ ቲ ሕነ
نشر من قبل omaal في 05:57 صباحا - 15 05 1432 هـ (18 04 2011 م)

ክቅንጠጥዩ ቲ ጸልማት ክፍደ ቲ ሕነ

መበል 11 ክፍሊ

ሕድሪ ሰማእታትና ኩቡር እዩ

በርሀ ዑቁባዝጊ ሃገር ጀርመን


تفاصيل الخبر

ክቅንጠጥዩ ቲ ጸልማት ክፍደ ቲ ሕነ

መበል 11 ክፍሊ

ሕድሪ ሰማእታትና ኩቡር እዩ

በርሀ ዑቁባዝጊ ሃገር ጀርመን

ህዝብና ኮይኑ ዘርሞ ዘርሞ

ትገዛና ዓቢ ህድሞ

ቁንጪ ትዃን  መሊኦሞ

መታን ነቲ ሽፍታ ክጥዕሞ።

ህዝቢ ዘይብሉ ለውጢ መን  ምስ ገበሮ

ጨው ዘይብሉ መግቢ ስራሕ በሰሮ

ኣእምሮ ዘለዎ ህዝቢ ይመርምሮ

ወዲ ድሙ ነይገድፍ ግብሪ ኡሙ ዜሮ።

ክሰርቀኒ ዝራኣኽዎስ ክህበኒ ነይኣምን

ሓደዩ ዕላሙኡ ሰራዊትን ህዝብን

ኪዳንን ምክልኻል ሓይልታትን

ኩሉ ብማዕረ ንለውጢ ያኣምን

ብምድንጋር ክተእምን አይትፈትን።

ህዝቢ ኤረ ፈተውትናን ጸላእትኻ አለሊ

ስዉር ኣሎ ኣሕሊፉ ክበና ዝደሊ

በቛራጭ ክውጣሕ ዝደሊ ናብ በቕሊ

ተቓዋማይ መሲሉ ምስጥር መቃባበሊ።

ህዝባዊ ኣይትምሰል ግበር ጠባይ

ስራሕ ጠቢብ እንታይ ምጥዋይ

ስራሕ ህግደፍ እንታይ ምፍልላይ

ንህዝቢ ፈላሊዮም ዘእትዉ ዉሳይ

እንዳ በሉ ህግደፍ ቀዳማይ ካልአይ

ማሕበረሰብ ይብልዎ ቲ ሳልሳይ 

ንዝቃወሙ ክጥዕሞሞ ምጭዋይ።

እዚ ህዝቢ እንታይ ጸገሙ

መንእሰይ ይጸንት ተሓቲሙ

እቲ ስዉእ ጅግና ተጠሊሙ

ህግደፍ ንህዝቢ ኮይኑ ስሙ

ተቓለስቲ ሰብዓታት ለብሙ

ስድራቤት ስዉኣት ይቑዝሙ

ንዲክተተር ትውድሱ ኣየ ክትሓስሙ

ኣቦ ስዉእ የዕሩኽ ደቀይ ኢሉ ሲዒሙ

ኣይመሰሎን ሕድሪ ስዉኣት ትጠልሙ።

ደስ ስለ ዝብለኒ ክርኢ መረት ዓደይ

ቴቪ ኤረ እንተ ኸፈትኩ ከም ህዝብውይ

ኣስመራ ጽብቕቲ ሓሪምዋ መንእሰይ

ዋርሳይ ኮይኑ ናይ ህግደፍ ሸቃላይ

አይወግሓላን ወላዲት ጀጋኑ መናእሰይ

ኣሕ እንዳበልኩ ተማሪረ ምስ ዛነብሰይ

ካብ አሕ ሓሊፈ ዝገብሮ ስሉ ዘይብለይ

ብሰንኪ ህግደፍ ህዝቢ ኣትይዎ ስቓይ

ዘረባ ኮይኑ ወዮ ጅግና ዝነበረተቓላሳይ

መርሃዊ ዝሰመናዮ ካብ ኮነ ጣልማይ።

ከይቀደመትኪ ሓባል ብሊያ፡

ከይቅደሙ ጭፍራ ዝብሉ

ንሳቶም ክነሶም ከደምቲ ዝባሃሉ

ህዝቢ ኤረትራ ነጻነት ዘይብሉ

መበል 20 ዓመት ከብዕሉ

ሓቂ ከምስሉ ሸበድበድ ክብሉ

ኢሰያስ ዝመራሒኦም ተዃሉ

ብደም ዝጨቀወ ስርዓት ዓዋሉ።

ብኣስራተካሳ ተላኢኹ ዝተመወለ

ዕላማ ሃይለስላስየ ከተግብር ዝነቐለ

አብ ግብሪ ይትርጎም እኖሆለ

ጭፍራ ክነሱ ጭፍራ እንተበለ   

ካብ ህዝቢ ዝበልዕ እንዳ መንጠለ

ጨካን ኣረማዊ ብቅንሰላ ዝለለ

ያኣክል ታኣለ ህዝብና ሰፉ ከየልዓለ

ጉራደ ከይደገመ ታአለ ለለለለለለ።

            ይቕጽል

ዓወት ነቲ ደም ዝነብዕ ዘሎ ህዝቢ ኤረትራ

ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ሰማእታትና

ኤረና ንለብዘበን እንበር ናዓመታስ ሸዊት ለምለም

ዕንወት ንጃንዳ ህግደፍን ዓንገልቶምን