ርሑስ ብዓል ፋሲካ ንህዝቢ ኤርትራ
نشر من قبل omaal في 07:41 صباحا - 21 05 1432 هـ (24 04 2011 م)

ENCD March 2011.jpg

ርሑስ ብዓል ፋሲካ ንህዝቢ ኤርትራ


تفاصيل الخبر

ENCD March 2011.jpg 

ርሑስ ብዓል ፋሲካ ንህዝቢ ኤርትራ

ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮሚሽን ንደሞክራስያዊ ለውጢ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ ንኣመንቲ ክርስትና ድማ ብፍላይ እንቋዕ ንበዓል ፋሲካ  ኣብጽሓኩም ይብል። በዓል ፋሲካ ንህዝቢ ኤርትራ በዓል ሰላምን ፍቅርን ሕድገታትን ክኸውን ከኣ ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮሚሽን ንደሞክራስያዊ ለውጢ ይምነ።

በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ሰዓብቲ ኩሉ ሃይማኖታት ነቲ ኣብ ሃይማኖታዊ ጉዳያት ብምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ዝግበር ዘሎ ኢድ ምትእትታው ብምንጻግ፡ ሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ንምውሓስን ምጥንካርን ክጽዕሩ፡ ኣብ ሃገርና ሰላምን ፍትሕን ንምስፋን ንዝካየድ ዘሎ ደሞክራስያዊ ቃልሲ ብምድጋፍ፡ ምስ ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮሚሽን ደው ክብሉን ኣብ ምዕዋት ሃገራዊ ጉባኤ ዕዙዝ ተራኦም ክጻወቱን ይጽውዕ።

ዓወት ንህዝቢ ኤርትራ !!

ዓወት ንሃገራዊ ጉባኤ !!

ውድቐት ንምልካዊ ስርዓት ህግደፍ !!

ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ንደሞክራስያዊ ለውጢ

23 ሚያዝያ 2011

encdc2011@gmail.com