ናይ ሓዘን መግለጺ
نشر من قبل omaal في 08:00 صباحا - 24 05 1432 هـ (27 04 2011 م)

ንስድራበት ሞዉታት

ንኢዮብ ዝደበሰ ኣምላክ ይደብሶም

ንህዝቢ ኤረትራ ካኣ ጽንዓት ይሃቦ

ንዝመቱ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ካኣ

መንግስተ ሰማያት የዋርሶም

ብ.ገብረሚካኤል ሃብተጽዮን ቁሪጀ፡፡

 


تفاصيل الخبر

 ናይ ሓዘን መግለጺ

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ባሕሪ ሊብያ ናይ ዝሞቱ 325 ኤረትራዊያን ዘጋጠመ ጃምላዊ መቕዘፍቲ ዘይሰንበደ ዘይሓዘነን  ኤረትራዊ የለን። ብጀካ ሓደ ክልተ ዕሩባት ሕልና መጋበርያ ህግደፍ ጸጊቦም ዓዶም ከፍ ዘይብሉ ሃገር መን ክካላኸለሎም እንዳ በሉ ዝዋረዘዩ ለመጫት ከም ዘለዉ ንፈልጦም ኢና እዞም ዕሸላት መን እሰያት ኣሕዋት ከሉ ኤረትራዊ ደኣንብር ዝተወሰኑ ጥራሕ ኣይኮኑን። ደቅኻ ሓቂፍካ እንዳ ኣምሃርካ ኣብ ደሞክራስያዊያን ሃገራት እንዳ ተቐመጥካን ብደቂ ካልኦት ክትዋራዘ ዘሔንኽዩ ገበን ካኣዩ። ሕጂ ውን ስድራበታት ኤረትራ ካብ ዘለዎ ተወሰኮ ኮይንዎም እዞም 325 ኤረትራዊያን መላሲ ኣዊያት ዘይብሎም ጠፊኦም ከይኣኽሎም ጸጊቦም ዓዶም ኮፍ ዘይብሉ እንዳበልካ ምውርዛይ ሳዕበናቱ ቀሊል ከም ዘይኮነ ተረዲኦም መልሓሶም ክቅጥቡ ይምሕጽኖም ።

ንስድራበት ሞዉታት

ንኢዮብ ዝደበሰ ኣምላክ ይደብሶም

ንህዝቢ ኤረትራ ካኣ ጽንዓት ይሃቦ

ንዝመቱ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ካኣ

መንግስተ ሰማያት የዋርሶም

ብ.ገብረሚካኤል ሃብተጽዮን ቁሪጀ፡፡

----------------------------------------

ተለዓል ኤረትራዊ ሰብኣይ ምስ ሰበይቲ

ንማዕበል ሓፋሽ የብሉን ዓጋቲ።

          ሳልሳይ ክፋል

ወየ ወየ ኣታ ዕሸል መንእሰየ

ተዘሚተ ኣሕዋተይ ተዘሚተ ኣሓተየ

ኣብ ዘለዎ ተወሰኮ ኮይንዎም ስድራየ

እንዳ በልኩ ከልቅሰሉ እዚ ድዩ ጻማየ

ውሕጥዎም ባሕሪ ውሕጥዎም ቀላየ

መርድእስ ሰሚዕና ተሳኢኑ ቀባራየ

ወየ ወየ ወየ።

ንዑ ኣሕዋት ኣሓት ንበል ኢሂን ምሂን

ዝጠፍኡስ ጠፊኦም ዝተረፉ ነድሕን

ሃገር ውን ከይንስእና ንካልኦት ከይትኽውን

ንህዝብና ንዑ ንኹን መድሕን

ይኣክለካ ንበሎ ክሳብ ማዓስ ክንሓዝን

ብሓባር ንበገስ ክሳብ ማዓስዩ ሚኒን

ሓርነት ክነስተማቕር ህዝብና ውን ክቀስን።

ንመንእሰያትና ካብ ትምህርቲ ኮሊፉ

ወያነ ወያነ ጸማም ሓደ ደርፉ

ኣብ ገጠር ኣብ ከተማ መንእሰያትና ገፊፉ

ኣብ ሳዋ መልሚሉ ንውግኣት ኣሰሊፉ

ንኹለን ጎረባብትና ተኺብወን ሓሓሊፉ

ጃህራታት ሓሶታትን ዕጥቁ ቁልፉ

መንከማና እንዳበለ ቡዙሕዩ ለፍሊፉ

ንምልእቲ ዓለም ብዘይ ሕፍረት ጸሪፉ

ንህዝብና ጸጊቦም ሓንቂቖም እንዳ በለ ዘሊፉ

ንኣንድነትን ንቅንጅትን ኣማሚቑ ኣብ ሕቁፉ

ህዝቢ ከይዛረብ ብኣፉ ሙዝ ተቁሊፉ

እንቢ ንምልኪ ዝበለ በጃ ተሰይፉ

ቀንጻሊት መጽነቲት ግናይ ስልፉ

ንሳ እያ ሕሉቡ ንጽፉ።

እቶም ዝዋራዘዩ ብኣሕዋትና ኣሓትና

ኣብ ዓዶም ዘይቅመጡ ጥዕምቲ እንተኾይና

ደቃቶም ሓቁፎም ግርም ውርዚይና

ክንዲ ንሓዝነሎም ብሓባር ኩላትና

ክንዲ ንዝክሮም ሽምዓና ወሊዕና

ክንዲ ፍትሓት ንገብረሎም ቤተክርስቲያን ከድና

ስድራ ቤታት ኤረትራኮ ኩላያ ሓዚና

ኣይነሽካዕል ጸጊቦም እንዳ በልና

ብሕልፊ ብሕልፊኳ ኣብ ወጻኢ ዘለና።

ኣብ ሲናይ ይሳቀዩ ኣለዉ ኣሕዋትና ኣሓትና

እንተበልና ድራማዊ

ንመንግስቲ ኢሳያስ ዝተቓወመ ደቡባዊ

ዓገብ ንዝበለ ኣውራጃዊ

ሃይማኖትና ይከበረልና ንዝበሉ ጃሃዳዊ

ንለውጢ ንዝሓተተ ተባሂሉ ወገናዊ ጀጃዊ

ኣብ ኮንተነራት ተመቁሑ ኣብ ነበልባል ሓዊ

ኣታ መጋበርያ ኮንካ ዘረባ ትጠዋዊ

መን ከማና እንዳበልካ ትጭድር ተኤዊ

ነዚ መጽነቲ ህዝብና ይሁዳ ኣስቀረታዊ

ነዚ ጸረ ሰላም ጻሕታሪ ሓዊ።

ይቅጽል

ዓወት ንውጹዕ ህዝብና

ውድቀት ነቶም መጽነትና

ዝኽርን ክብርን ንሰማእታትና።