ዑዉት ህዝባዊ ኣኸባ ኣብ ስቱትጋርት
ምስ ሽማግለ ዋዕላ ንደሞክራስያዊ ለውጢ
ካብ ሕድሪ ስዋኣቱ ዘይጠለመ
በርሀ ዑቁባዝጊ ሃገር ጀርመን
መግለጺ ሽማግለ ዋዕላ ሰሚዕናዮ
ተጀሚሩ እቲ ህዝብና ዝጽበዮ
ማዓስ ዊሒዱና ዝተጸመምናዮ
ተስፋማርያም ካብ ኖርወይ ከምቲ ዝበልካዮ
ንሃገራዊ ዋዕላ መን ኣሎ ዘይተመነዮ
ብጀካ ናይ ህግደፍ ሓደ ክልተ ዋህዮ
ብዋዕላ ክዕወት እዩ እቲ ህዝብና ዝምነዮ
ንህግደፍ ካብ ሰሩ ሚሒና ክንድርቢዮ።
ሰናይ መግለጺ ሰሚዕና ሸውሃትካ ዝከፍት
ኩሉ ተዘርዚሩ ነሩ ዑዉት
እቲ ዘይፈለጠ ክበርሃሉ ከሓትት
ከም ድላይካ ነሩ ምሕታት ኩፉት
ጀሚርናዮ ኣሎና ብዉሑዳት
ጽባሕ ንቕየር ናብ ኣሻሓት።
ሕጂ ውን ሑሕ ሓዊ ከይልብልበና
ተጀሚሩ ብእንካን ሃባን ኣኸባና
ከምቲ ኣቦሓጎታትን ዘውረሱና
ብናይ ሓባር ድምጺ ወጺና
ታሓባባሪት ሺማግለ መዚዝና
ህዝቢን ውድባትን ማይን ጸባን ኮና
ምስ ሲቪካዎያን ማሕበራት ሓቢርና
ኢደይ ኢድካ ኢልና ክንምክቶ ንጸላኢና።
ሕጂ ውን ሑሕ ሓዊ ከይልብልበና
ንጠንቀቕ ዝሓላፈ ገጋ ክይንደግም
ብላሽ ከይትተርፉ ቀይሩ ኣጀንዳኹም
ዕንቅፋት ኣይትኹኑ ህዝቢ ከይ ክዕበኩም
ዶ ጸረ ሓድነት ህዝብና ኢኹም ዓጢቁም።
እንተ ንሕና ድሕነት ህዝቢ ኣብ ቅድሚት ሰሪዕና
ንደሞክራስያዊ ለውጢ ክነዕውቶ ተዳሊና ኣሎና
ኣሎና ኣሎና እቶም ሑሙማት ብህዝብና
ዝመጸ እንተመጸ ድንብርጽ ዘይብለና።
ሕጂ ውን ሑሕ ሓዊ ከይልብልበና
ግርማ ሃገር ኤረትራዊያን ኣደታት ሳዓባ
ሃገራዊ ዋዕላ ክተዔውታ ኣርክባ
ኤረትራዊት ኣደ ክትወጽእ ካብ ጸበባ
ኤረትራና ሰላምን ቅሳነት ክሰፍና ምስ ህዝዝባ።
ሓቅኻ ገዛኢ ኣለዉ ንኸስቲ ጡብ ኣደ
ዕጂብ ዘይብሎም ህዝቢ እንዳ ተዋረደ
ካብቲ ቀዳማዮም ዳሕረዋዮም ገደደ።
ኣነ እሞ ዝበሉ እንተበሉ ድንብርጽ ኣይብለንን
ሕድሪ ስዋኣት ከይተተግበረ ኣይድቅስን
ንጸረ ስኒት ካብ ምግላጽ ኣየቛርጽን
ንስልጣኖም ዝጓየዩ ኣይድግፍን።
ሕጂ ውን ሑሕ ሓዊ ከይልብልበና
ኤረና ንለብዘብን እንበር ነዓመታስ ሸዊት ለምለም
ዓወት ነቲ ደም ዝነብዕ ዘሎ ህዝቢ ኤረትራ
ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ስዋኣትና
ዕንወት ንጃንዳ ህግደፍን ዓንገልቶምን
21 ሚያዝያ
|