Welcome to http://www.omaal.org g مرحباً بكم في أومال صوت جموع المناضلين من أجل الديمقراطية والسلام .. المقاومين للظلم والدكتاتورية الإنعزالية في بلادنا / صوت الذين لا صوت لهم
12/11/1445 (19 مايو 2024)
التصفح
· الرئيسية
· أريتريا في سطور
· الأخبار
· التحليل السياسي
· المقالات
· حوارات
· سجــل الخالدين
· قادة ومؤسسون
· مجموعة الأخبار
· جداول الجنود الهاربين من الخدمة العسكرية للنظام الديكتاتوري
· آداب وفنون
· دراسات ووثائق
· الاتصال بنا
· معرض الصور
· البحث
· دليل المواقع
· الذكرى 49 لإنطلاقة جبهة التحرير الإرترية
· ملفات PDF
ዑዉት ህዝባዊ ኣኸባ ኣብ ስቱትጋር&#472

ዑዉት ህዝባዊ ኣኸባ ኣብ ስቱትጋርት 

   ምስ ሽማግለ ዋዕላ ንደሞክራስያዊ ለውጢ

ካብ ሕድሪ ስዋኣቱ ዘይጠለመ

በርሀ ዑቁባዝጊ ሃገር ጀርመን

መግለጺ ሽማግለ ዋዕላ ሰሚዕናዮ

ተጀሚሩ እቲ ህዝብና ዝጽበዮ

ማዓስ ዊሒዱና ዝተጸመምናዮ

ተስፋማርያም ካብ ኖርወይ ከምቲ ዝበልካዮ

ንሃገራዊ ዋዕላ መን ኣሎ ዘይተመነዮ

ብጀካ ናይ ህግደፍ ሓደ ክልተ ዋህዮ

ብዋዕላ ክዕወት እዩ እቲ ህዝብና ዝምነዮ

 ንህግደፍ ካብ ሰሩ ሚሒና ክንድርቢዮ።

ሰናይ መግለጺ ሰሚዕና ሸውሃትካ ዝከፍት

ኩሉ ተዘርዚሩ ነሩ ዑዉት

እቲ ዘይፈለጠ ክበርሃሉ ከሓትት

ከም ድላይካ ነሩ ምሕታት ኩፉት

ጀሚርናዮ ኣሎና ብዉሑዳት

ጽባሕ ንቕየር ናብ ኣሻሓት።

ሕጂ ውን ሑሕ ሓዊ ከይልብልበና

ተጀሚሩ ብእንካን ሃባን ኣኸባና

ከምቲ  ኣቦሓጎታትን ዘውረሱና

ብናይ ሓባር ድምጺ ወጺና

ታሓባባሪት ሺማግለ መዚዝና

ህዝቢን ውድባትን ማይን ጸባን ኮና

ምስ ሲቪካዎያን ማሕበራት ሓቢርና

ኢደይ ኢድካ ኢልና ክንምክቶ ንጸላኢና።

ሕጂ ውን ሑሕ ሓዊ ከይልብልበና

ንጠንቀቕ ዝሓላፈ ገጋ ክይንደግም

ብላሽ ከይትተርፉ ቀይሩ ኣጀንዳኹም

ዕንቅፋት ኣይትኹኑ ህዝቢ ከይ ክዕበኩም

ዶ ጸረ ሓድነት ህዝብና ኢኹም ዓጢቁም።

እንተ ንሕና ድሕነት ህዝቢ ኣብ ቅድሚት ሰሪዕና

ንደሞክራስያዊ ለውጢ ክነዕውቶ ተዳሊና ኣሎና

ኣሎና ኣሎና እቶም ሑሙማት ብህዝብና   

          ዝመጸ እንተመጸ ድንብርጽ ዘይብለና።

ሕጂ ውን ሑሕ ሓዊ ከይልብልበና 

ግርማ ሃገር ኤረትራዊያን ኣደታት ሳዓባ

ሃገራዊ ዋዕላ ክተዔውታ ኣርክባ

ኤረትራዊት ኣደ ክትወጽእ ካብ ጸበባ

ኤረትራና ሰላምን ቅሳነት ክሰፍና ምስ ህዝዝባ።

ሓቅኻ ገዛኢ ኣለዉ ንኸስቲ ጡብ ኣደ

ዕጂብ ዘይብሎም ህዝቢ እንዳ ተዋረደ

ካብቲ ቀዳማዮም ዳሕረዋዮም ገደደ።

ኣነ እሞ ዝበሉ እንተበሉ ድንብርጽ ኣይብለንን

ሕድሪ ስዋኣት ከይተተግበረ ኣይድቅስን

ንጸረ ስኒት ካብ ምግላጽ ኣየቛርጽን

 ንስልጣኖም ዝጓየዩ ኣይድግፍን።

ሕጂ ውን ሑሕ ሓዊ ከይልብልበና

ኤረና ንለብዘብን እንበር ነዓመታስ ሸዊት ለምለም

ዓወት ነቲ ደም ዝነብዕ ዘሎ ህዝቢ ኤረትራ

ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ስዋኣትና

ዕንወት ንጃንዳ ህግደፍን ዓንገልቶምን

21 ሚያዝያ

أحدث المقالات
· البرنامج السياسي الم...
· لا استطيع ان انعى قا...
· بقلوب راضية بقضاء ال...
· في ذكرى الاستقلال : ...
· في ذكرى الرحيل المر ...
الدخول
الاسم

كلمة السر



نسيت أو فقدت كلمة السر؟
يمكنك الحصول على كلمة جديدة من هنا.
الزيارات غير المكررة: 43,969,179 وقت التحميل: 0.05 ثانية