አሎዉና ፈደይቲ ሕነ
ቦታ የብሉን ንህግደፍ ዛአመነ
ካብ ሕድሪ ስዋኣቱ ዘይጠለመ
በርሀ ዑቁባዝጊ ሃገር ጀርመን
ወራሲ ሕድሪ አገናዕ ኮሪዒዳ
ሕነ ህዝቡ ክፈዲ ዝወረደ ንሜዳ
ኑዑሱባት ዛሕዚሕካዮም ጎሚዳ
ጃንዳ ህግደፍ ካብ ሩሑቅ ቀረባ ሪዒዳ።
ጽባሕ ውን ታአቱ ናብታ ዓባይ ገዛ
ጅግንነት ናይ ኣያታቱ ቀጥ ኣቢሉ ዝሓዛ
ኮኲብዎም ካአቱ እዩ ንገዛ ከምዛ ዋዛ
ሊላይ ቀላሲ ሕርበኛዊ መሪሕ
ናይ ሓባር
እስትራተጂ ሓንጺጹ ዝመርሕ
ዓፋር ቀይሕ ባሕሪ ጀጋኑ ኮኾብ ናይ ጽባሕ
ጀጋኑ ግንባር ድሕነት ንሰለይቲ ዘበሎም ቐባሕባሕ
ለባም ኣዋሃሃዲ ፈተውቱን ጸላእቱን ዝፈልጥ በሊሕ።
አብ ከበሳ ናይ አስተምሁሮ ደወል ተደዊሉ
አሃዱታት ቀይሕ ባሕሪ ሓዊ ምስ ካዓዉሉ
አሃዱታት ግንባር ድሕነት ሓዊ ምስ ነስነስሉ
ስለያ ጃንዳ ህግደፍ ከእዊ ዊዒሉ።
ንስለያ ህግደፍ ጽፊዒት ንህዝብና ሓበን
መድሕን ህዝቢ አማን ባአማን
መንእሰይ ወዲ ሃገር ተሰሚዕዎ ፍናን
ድሕሪ ሕጂ የሎን ርእስኻ ምድናን ምድናን።
፧፧፧፧፧፧፧፧፧፧፧፧፧፧፧፧፧፧፧፧፧፧፧፧
ካብ ቶም ዝሃረሙኻ ´´እቶም ዝዘረዩኻ
ፍለጦም ምዃኖም ጸላእትኻ ከየዳህሉሉኻ
ተሓለቕቲ መሲሎም ዝሓመሙ ባአኻ ተጠንቐቐሎም አይታሃቦም ልብኻ።
ያአኽለና ናይ ህግደፍ ውርደት
ኤረትራዊያን አይንጠምት ንድሕሪት
ርግጽ እዩ ብሃገራዊ ዋዕላ ከም ንዕወት
ምስ ሽማግለ ዋዕላ ንቅድሚት
ምጥማት የሎን ንድሕሪት
ዕድል አይንሃቦም ኑዑቡያት
ዘይ እንታዮም ናይ ህዝቢ አዊያት።
ካብ ሓዊ ዛኣጎዱ ዘንበድበዱ
ካብ መራሕቶ ሳዓብቶም ይገዱ
ካብ ቀዳማይ ዳሕረዋይ ገዲዱ
አንጊሆ እትው ውጽእ ዘለመዱ።
ካብ አፍድገ ዋዕላ ዝነፈጹ
ካብ ጥርናፈ ፋሕ ዝመረጹ
ሓድነታዊ ጥርናፈ ዝረገጹ።
ዓመት መጸ ሕዲሽ ምኽኒት ዘምጹኡ።
ኤረና ንለብዘበን እንበር ንዓመታስ ሸዊት ለምለም
ዓወት ነቲ ደም ዝነብዕ ዘሎ ህዝቢ ኤረትራ
ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ስዋአትና
ዕንወት ንጃንዳ ህግደፍን ዓንገልቶምን
|