ቅድም ድሕነት ህዝቢ
ዳሓር ውድብ ሰልፊ ልቢ ነዕቢ
ካብ ሕድሪ ስዋኣቱ ዘይጠለመ
በርሀ ዑቁባዝጊ ሃገር ጀርመን
ቅድም ህዝቢ ነድሕኖ ካብ ማሕለኻ
ዳሓር እዩ ዝስዕብ ውድበይ ሰልፍኻ
ኣብ ቢላ ተቐሚጥካ ሕደጎ ያላኻ
ሓልዮት ህዝቢ ኣቐድም ቅድሚ ሰልፍኻ።
ካብ በጃ ሃገሩ ሂወቱ ዝወፈየ ዘጣቐዔ
ካብ በጃ ሃገር ኣካሉ ዝጎደለ ዝሳዕሰዔ
ካብ ዓገብ ዝበለ ትም ኢሉ ዝሰምዔ
ተበላጺ ኣብ ዝጸንሔ ጸኒሑ ዝተጸገዔ
ንሓሳዊ ጢዒምው ኣሎ ሰሚዔ።
ዉሑዳት ንሃገር ከእዊዩላ
ቡዙሓት የውደኽድኹ ከም ስዋኣ ዝጣዓመላ
ዓዲ ጀጋኑ ኣይ እንታዮም ክጻወቱላ።
ንዛተ ከይቅየሙና ስዋኣትና
ኣስላምና ክስታና ኮፍ ኢልና
ከምቲ ኣቦሓጎታትና ዘውረሱና።
ኣየወ እቶም ጀጋኑ እንተ ዝትሱኡ
እቶም ጃጀውቲ ኣበይ ኮን ምተሓቡኡ
ደም ህዝቢ መጽዮም ዝበልዑ ዘለዉ ስግኡ
ዝተመንዝዔ መረት ክምለስ ናብ ዋንኡ
ሕልሚ ስዋኣትና ክትግበ ሹዑኡ።
ብሰንኪ ህግደፍ መን ኣሎ ዘይማሰነ
ከም ኣባላት ኢሰባ ሓዞ ሓዞ ከይኮነ
ቦታ የብሉን ጃንዳ ህግደፍ ዛኣመነ
ኣይፋሉን በልዎ ከይኮነ ወይ ኣነ።
መን እዩ በቲኒ ንፋስ ዘእቱ
ዝገበረና መፍተት ሸፋቱ
ደለይቲ ፍትሒ እስከ ሕተቱ
መታን ንሃገራዊ ዋዕላ ክተዕውቱ።
ህዝቢ ሲኢኑ ዝጥውሮ
ጸረ ሲኒት ይወቑዑ ኮቦሮ
ባዓል በሰሮ ይገብራ ሰብ ዘይገበሮ
እኒ ነቢያት ናይ ኢሰያስ ዓጣሮ።
ናይ ህግደፍ ከይ ኣኽሎ ንሕና ገዲድናዮ
ሕድሕድ ክንማናጨት ህዝብና በዲልናዮ
ኣብ ስደት ኮፍ ኢልና ቦታ ህግደፍ ክንምነዮ
ኢደይ ኢድካ ኢልና ንጃንዳ ክንዲ ንኣልዮ።
ልሳን ስዉኣት እዮብ ባህታ
ልሳን ህልዋት ኢዮብ ባህታ
ጉዱ ወጺኡ ኢሰያስ ሽፍታ
ጃንዳ ሸፋቱ በጺሑ ውድቀታ።
ክነተግብሮ ሕድሪ ሓርበኛ ዓዋተ
ንጃንዳ ህግደፍ ክንምክቶ ንዛተ
የኣኽለካ ንበሎ ብደምና ዝተጻወተ
ንመሰሉ ዝተቓለሰ የሎን ዘይታዓወተ።
ኤረና ንለብዘበን እንበር ነዓመታስ ሸዊት ለምለም
ዓወት ነቲ ደም ዝነብዕ ዘሎ ህዝቢ ኤረትራ
ክብርን ሞጎስን ንጃጋኑ ስዋኣትና
ዕንወት ንጃንዳ ህግደፍን ዓንገልቶምን
1 ግንቦት
|