Welcome to http://www.omaal.org g مرحباً بكم في أومال صوت جموع المناضلين من أجل الديمقراطية والسلام .. المقاومين للظلم والدكتاتورية الإنعزالية في بلادنا / صوت الذين لا صوت لهم
26/10/1445 (04 مايو 2024)
التصفح
· الرئيسية
· أريتريا في سطور
· الأخبار
· التحليل السياسي
· المقالات
· حوارات
· سجــل الخالدين
· قادة ومؤسسون
· مجموعة الأخبار
· جداول الجنود الهاربين من الخدمة العسكرية للنظام الديكتاتوري
· آداب وفنون
· دراسات ووثائق
· الاتصال بنا
· معرض الصور
· البحث
· دليل المواقع
· الذكرى 49 لإنطلاقة جبهة التحرير الإرترية
· ملفات PDF
“ዋዕላ ብራስለስን ድቡቕ ፖለቲካዊ &#47

“ዋዕላ ብራስለስን ድቡቕ

ፖለቲካዊ ኣንፈቱን ኣመኻኽትኡን”

ብጊላይ ቃሉ /ወዲ-ቃሉ/

ቀዳማይ ክፋል

 

ደምበ-ታቓውሞ ኤርትራ ንሓደ ወርሒ ምሉእ ኣብ ሕድሕድ ፖለቲካዊ ኲናት ከፊቱ ክካታዕ፡ ክማጎት፡ ክነጻጸግ ጸኒሑን ይቕጽል ምህላውን ንኹሉ ህዝቢ ብሓፈሻ እቶም ናይ ኢንተርኔት መሳርሕን ኣገልግሎትን ዝረኸቡ ኣካላት ድማ ብፍላይ ዝምስክርዎ ሓቂ እዩ።

ደምበ-ተቓዉሞ ክንዲ እምባ ዝኸውን ጸላኢ እናሃለዎ፡ ኣብ ነንሕድሕዱ ክመናጨት ንጸላኢ ጽቡቕ ዕድል ክህቦ ኣድላዪ’ድዩ ዝብል ኣተሓሳሳቢ ሕቶ ክልዓል ግድንን ኣድላይን እዩ ዝመስለኒ። ከመይ’ሲ ንደምበ-ተቓውሞ ዝትንክፍን ዝብድህን ክዛረብ ዘገድድን ፖለቲካዊ ተርእዮ ስለዝተኸስተ። እቲ ፖለቲካዊ ተርእዮ ድማ ሕጂ ንደምበ-ተቓውሞ ኣብ ምዝራብን ከሰሓሓቡ ካብ ምግባርን ሓሊፉ ኣብ ናይ መጻኢ ዝምድንኦምን ኩነታት ሃገራዊ ሓድነትን ኣሉታዊ ኩነታት ክፍጠር ቅድመ ባይታ ዘንብርን ሓደገኛ ወጥን ስለዝሓዘን ዝኾነን እዩ። ነቲ ሓደጋ ብምልኣት ምርዳእ ዝከኣል ድማ ነቲ ፖለቲካዊ ውጥንን ዕላማ ወጠንትን፡ ፍሉያትን ብምስጢር ዝተዓደሙ ኤርትራውያን ፖለቲካዊ ዕላምኦም ወይ ባህጎም ብደቂቕ ብምግምጋም ክፍለጥ ዝከኣል እዩ።

1.ዕላማ ዓደምትን ፍሉያት ተዓደምትን፡- ኣብዚ ነጥቢ እዚ ነቲ ዕድመ ዘበገሰ ኣየናይ ትካል በዓልመን…ወዘተ ዝብል ናይ ምጽራይ ነጥቢ ምክያድ ብዙሕ ግዜ ከየህለኽና፡ ዋናታት ናይ’ቲ ፖለቲካዊ ወጥንን ለኣኽትን ብዘይ ሽፍንፍን ኤውሮጳዊ ሕብረትን፡ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካን ምዃኖም ኣርጊጽና ምብጋስ ዝከኣል እዩ። ምኽንያቱ እቶም ዝተላእኹ ሰባትን ሓለፍቲ ትካላትን፡ ብስዉር ዝተዓደሙ ኤርትራውያንን፡ ካልኦት ኣካላትን ኣብ’ቲ ብዕለት 9-10/11/2009 መዛዘሚ ናይ’ቲ ዋዕላ ዘውጽእዎ መግለጺታትን ለበዋታትን እንታይ ካልኦት ነጥብታት ተላዒሎምን ተዘሪብሎምን ብዘየገድስ፡ እቲ ማእከልን ቐንድን ውራይ ግን ኤውሮጳዊ ሕብረትን፡ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካን፡ ኣብ ቐርኒ ኣፍሪቓ ብሓፈሻ ኣብ ጉዳይ ኤርትራ ኸኣ ብፍላይ ክሕዝኦን ክኽተልኦን ዝግባእ ፖሊሲ ዝሕግዝ ትሕዝቶን መንፈስን ዘጠቓለለ ስለ ዝኾነ፡ ዋዕላ ብራስለስ ካብ ክልቲኦም መንግስታት ወጻኢን ብኻልኦት ዝተወሰነን ዝተኻየደን ተገይሩ ክምኽነየሉ ብፍጹም ዘይከኣል ነገር እዩ።

እቶም እቲ ገዳይ “ካብ ክልቲኦም መንግስታት ወጻኢ ብዘለዉ ጉዱሳት ዉልቀ-ሰባትን፡ ትካላትን ዝተበገሰን ብናይ ገዛእ ዓቕሙ ዝተመወለን እዩ” ብምባል ክገልጽዎን፡ ክሽፍኖ ዘይክእል መሸፈኒ ከናድይሉ ክፍትኑ ዝጸንሑን፡ ገና ዝቕጽሉ ዘለውን ኤርትራውያን ኣሕዋት፡ ኣብ ባይታ ንዘየለ ነገር ክጣበቑ ምፍታኖም ኣካል ኣምሳል ናይ’ቲ ውጥን ስለዝኾነ፡ ብኡ መጠን ፖለቲካዊ ረብሓ ኣለና ኢሎም ስለዝረኣዩን ጥራሕ እዮም። እቲ መሰረታዊ ሕቶ ኤውሮጳዊ ሕብረትን፡ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካን፡ ኣብ ሃገርና ኤርትራ ሰፊኑ ዘሎ ግህሰት ሰብኣዊ ዲሞክራስያውን መሰላት ኣመልኪተን ክኽተለኦ ዝድለ ፖሊሲ ንምቕራጽ ስለምንታይ ፍሉያትን ውሑዳትን ኤርትራውያን ክዕድማ መሪጸን እሞኸኣ ብምስጢር። ኣብ ኤርትራ ለውጢ ንምምጻእ ብሰላማውን ሰላማዊ ኣገባብን ጥራሕ ዝቃለሱ፡ ለውጢ ንምምጻእ ወተሃደራዊ ዓመጽ ዘይክተሉን ካብ ናይ ከባቢ መንግስታት ዘይምወሉን ክኾኑን መሪጸን። እቶም ፍሉያት ተዓደምቲ ኤርትራውያን ነዚ ዕድመ’ዚ ስለምንታይ ተቐቢለሞ? ናይ ብሓቂ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ጭቡጥ ፖለቲካዊ ኩነታትን ጨፍላቒ መንግስትን ብሰላማዊ ኣገባብ ቃልሲ ክውገዱን፡ ሰላምን ደሞክራስን ክረጋገጽ ይከኣል’ዩ ዝብል እምነት ስለ ዘለዎም ድዩ ወይስ ካልእ ፖለቲካዊ ምስጢር ስለ ዝተሓንገጡ’ዮም። እስከ ፈላሊና ንርኣዮ?

ሀ. ዓደምቲ ኣካላት፡-  ኤውሮጳዊ ሕብረትን፡ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ኣብ ሃገርና ዝፍጸም ዘሎ ግህሰት ሰብኣውን ደሞክራስያውን መሰላት ንዓኣተን ዝተሰወረ ተርእዮ ኣይኮነን ኣጸቢቐን ዝፈልጣኦን ዝርደኣኦን’ዩ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ንጨፍላቒ መንግስቲ ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝብታትና ዘካይዶ ዘሎ ግህሰት ሰብኣውን ደሞክራስያውን መሰል ኣመልኪተን ብተደጋጋሚ ግዜ ኣብ ኣህጉራዊ መድረኻት ብምልዓል ክወቕሳን ክኹንናን ካብ ዝጅምራ ዓመታት ኣቑጺረን ዘለዋ’የን። ካብ’ዚ ብምብጋስ ድማ ንጨቋኒ መንግስቲ ህግደፍ ገለ ገለ ግዜ ከጠንቕቓኦን ከጓጥጣሉን ኣብ ካልእ ግዜ ድማ ብዝተለሳለሰ ዲፕሎማስያዊ ኣገባብ ብምቕራብ ናብ ምእዙዝ መሓዛ ንምልዋጡ እናሰርሓ መጺአን’የን ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ገና መሊአን ዘየዋደቓኦ ዲፕሎማስያዊ ሜላአን’ዩ። እዘን ዝጥቀሳ ዘለዋ መንግስታት ብዛዕባ ፖለቲካዊ ኩነታት ኤርትራ ተግባራት ናይ’ቲ ኣዕናዊ መንግስትን ምሉእ ኣፍልጦ እንዳሃለወን እንከሎ ስለምንታይ ናይ መጽናዕትን ሓበሬታን ፍሉያት ኤርትራውያን ብምስጢራዊ ኣገባብ ዝመኽሩን ዝሕብሩን ኣካላት ኣድለይወን? እቲ ሓበሬታን ምምኽኻርን’ከ ስለምንታይ ንዝበዝሑ ኤርትራውያን ኣብ ግምት ከየእተወ ብምንፋግን ብምርሓቕን ክሰርሓ መሪጸን? ግህሰት ሰብኣውን ደሞክራስያውን መሰላትን ካልኦት ጸገማትን ብሰላማውን ሰላማዊ ኣገባብን ጥራሕ ክፍታሕ ስለ ዝኣምናን ብዝተግባር ስለ ዝሰርሓን ድየን ዝብል መሰረታዊ ሕቶታት ክንርኢ እንከለና፡ ኣብ ወጽዓን ግርጭታትን ኣብ ምፍታሕ ዘለወን ተግባራዊ እምነት ብምቕዳም ክንድህስስ እንከለና መልሱ ብቐሊል ክርከብ ዝከኣል’ዩ።

ንሱ ኸኣ፡ ኣብ ሃገረ ዒራቕ ዝተኸተልዎ ኣገባብ ኣፈታትሓ ግርጭት ኣብ ህዝቢ ዒራቕ ዝተራእየ ገና ዝቕጽል ዘሎን ደም ዋሕዝን ዘጋጠመ ኣካለ ስንክልናን ዝዓነወ ንብረትን ትካላትን …ህያው ኮይኑ ዝቕጽል ዘሎን፡ ከምኡ’ውን ኣብ ልዕሊ ህዝብን ሃገርን ኣፍጋኒስታን ዝተፈጸመ ዓመጻዊ ግህሰት ሃገራውን ህዝባውን ልዑላውነትን፡ ዝተፈጸመን ዝፍጸም ዘሎ ህልቂትን፡ ዕንወትን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ፍልስጤምን ዘጋጥም ዘሎ ህልቂትን ዕንወትን ወገናዊ መርገጺአንን ከምኡ’ውን ኣብ ልዕሊ መንግስትን ህዝብን ኢራን ዘዋጣውጣኦ ዘለዋ ፖለቲካዊ በትርን ወተሃደራዊ ምድላዋትን ..ወዘተ ብጥንቁቕ ክፍተሹ እንከለው ናይ ሰላማዊ እምነትን ሰላማዊ ኣገባብ ኣፈታትሓን ግርጭትን መግለጺ ዘይኮነስ፡ ናይ ዓመጽን ጎነጽን ኣገባብን ተግባራትን መግለጽን መረጋገጽን ጥራሕን ጥራሕን’ዩ። ተራ ናይ’ዘን መንግስታት እዚኣተን  ኣብ ዝሓለፈ ታሪኽ ሃገርናን ቃልስናን ምልስ ኢልና እንተፈትሽና ድማ፡ ፍትሓውን ሕጋውን ሕቶ ህዝብና ብዋጋ እስትራተጂካዊ ጠቕመን ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ንምሕላው ክብላ ጎስየንን ረጊጸንን ናብ ፈታዊአን ዝኾነ መስፈነ-ርእሰ ማላዊ ስርዓት ኢትዮጵያን ከም ዝቖረናኦ መረጋገጺ ዘይሓትት ኣሉታዊ ተርአን’ዩ።

ስለ ዝኾነ እዘን መንግስታት እዚአን ኣብ ኤርትራ ደሞክራስያዊ ለውጢ ንምርግጋጽ ብሰላማውን ዘይዓመጻውን ኣገባብ ዝቃለሱ ኣባላት ብምስጢር ምምራጸን እምበኣር ኣብ ሰላምን ሰላማዊ ኣገባብ ኣፈታትሓ ግርጭት ዘለወን እምነትን ስነ-ምግባርን ዘረጋግጽን ዝሕብርን ዘይኮነስ፡ ብኣንጻሩ ካልእ ሕቡእ ዕላማ ከም ዘለወን ዝሕበር’ዩ ክኸውን ዝኽእል። ንሱ ኸኣ እዘን መንግስታት እዚአተን ንጨፍላቒ ስርዓት ህግደፍ ብዝተለሳለሰ ዲፕሎማስያዊ ኣገባብ ብምጥቃም ዘይመሰረታዊ ለውጢ /ጽገና/ ከተኣታቱ ምግባር ኣብ ረብሓአን ከውዕላኦ ባህጊ/ ጥሙሕ/ ከም ዘለወን ዘእምት ፖለቲካዊ ሜላ’ዩ። ካብዚ ወጻኢ ኣህልቕ፡ ኣፍርስ፡ ጨቁን፡ ኣጋፍዕ፡ ቅተል ዝብል ስነ-ኣእምሮን ስነ-ምግባርን ዘካይድ ስርዓት ብሰላማዊ ኣገባብ ክለግስን ሰላም ምስፋን ከም ዘይከኣል እናፈለጣ ዝኽተለኦ ዘለዋ በዓል ክልተ መዕቀኒ ፖለቲካዊ ኣንፈት’ዩ። እዚ ድማ፡ ካብ ግሎባዊ ረብሓአን ምርግጋጽ ዘለወን ሓሳባት ብምብጋስ ከባቢና ኣብ ጽልዋን ጠቕምን ተወዳደርተን መንግስታት ከይወድቕ ንምክልኻል ዘንቀሳቕሰኦ ዘለዋ ፖለቲካዊ ውጥን ‘ምበር ንሃገርናን ህዝብናን ካልኦት ጎረባብትናን ስለ ዝሓዘናን ዝሓለያን ኣይኮናን።

 ፖለቲካዊ ውጥን ናይ’ዘን ሓያላት ኣብ ዓለምና ዓቢ ኩለ-መዳያዊ ጽልዋ ዘለወን ንጠቕመንን ልዕልናአንን ዘቐድማ ንሃገራዊ ሓይልናን መጻኢ ሓድነትናን በሰላ ዝሓድግ ዘይቅኑዕ ተበግሶ ምንጥጣፈን  ተሪር ወቐሳ ሂብካ ክቐርብን ኣብ ሃገራዊ ጉዳይና ዘርእየኦ ዘለዋ ዘይቅኑዕ ኣገንዝቦን ወስታታትን  ከይቅጽላሉ ምግባር ቀጻልነት ዘለዎ ዲፕሎማስያዊ ስራሕ ክካየድ ዝሓትት’ዩ። በዚ ኣገባብ’ዚ ድማ፡ ኣብ ዲፕሎማስያዊ ዓለም ካብኣተን ይኹን ካብ ካልኦት ሃገራት ክርከብ ዝኽእል ዲፕሎማስያዊ ደገፋት ንምርግጋጽ ደምበ ተቓውሞና ብሓደሻ ኤ.ደ.ኪ. ከኣ ብፍላይ ኣዕሚቑ ክሓስበሉን ክነጥፈሉን ዝግባእ ኣገዳሲ መልክዕ ናይ ቃልሲ’ዩ። ካብዚ ሓሊፉ በዚ ዝሓለፈ ኣገባብ ኣተዓዳድማአን  ኣይግደሳልናን’የን ካብ ዝብል ተርድኦ ብምብጋስ ኩሪያ ይኹን ምርሓቕ ምኽታል ምስ ዝህሉ ግን ጠቓሚ ስለ ዘይኮነ፡ ክምረጽ ዘይግበኦ’ዩ።  ንዝኾነ ከጋጥም ዝከኣል ዘይተገዳስነት፡ ከፋፋሊ ወስታ፡ ሰጋሪ ፈተነታት …ወዘተ ኣብ ጽኑዕ ሃገራዊ ዕላማና ብምርጋጽ ውህደትን ድልዳለን ሃገራዊ ዓቕሚታትና ምርግጋጽን ንኹሉ ኣብ ዲፕሎማስያዊ መዳይ ዘጋጥም ፈተነታትን ሓደጉኡ ብምምዛን ክንምክቶ ይግበኣና።

ለ. ተዓደምቲ ኣካላት /ኣባላት ስቪክ ማሕበራት ኢና በሃልትን ውልቀ ሰባትን፡ ተወከልቲ ውድባትን/

1.ኣባላት ስቪካዊ ማሕበራትን ውልቀ ሰባትን፡- እዞም ባእታታት እዚኣቶም ብማሕበር ዝተወደቡ ድዮም ተኸፋፊሎም ብዘየገድስ ካብ ዘለዎም ማሕበራዊ ቦታ /ቀጸላ/ ተበጊሶም ኣብ ዝኾነ ይኹን ፖለቲካዊ ሃገራዊ ጉዳይ ተራ ክጻወቱ ከም ዝኽእሉ ነብሶም ዘዕገቡን ዘዳለውን ማሕበራዊ ባእታታት ከም ምዃኖም፡ ውጥን ናይ’ተን ሃገራት ንክሳለጥ ቀዳምነት ተዋሂብዎም ከም ሓይሊ ዕማምን ውልቀ ባእታታትን ክሰርሑ ክምረጹ ባህሪያዊ’ዩ። እዚ ማለት ግን ልሉይ ማሕበራዊ ቦታ ስለ ዘለዎም ንሳቶም ዝሰርሕዎ ይኹን ዝወፍርሉ ፖለቲካዊ ዕማም ይኹን ካልእ ቅኑዕን ንህዝብን ሃገርን ኩሉ ግዜ ዝጠቅምን ዘገልግልን’ዩ ማለት ኣይኮነን። ንሳቶም ዝሰርሕዎ ስራሕ ቅንዕንኡን ዘይቅንዕንኡን ብባህሪኡን ዕላምኡን ዝረአን ዝምዘንን’ዩ ዝኸውን። ስለ ዝኾነ እዞም ባእታታት እዚኣቶም ውጥን ዓደምቲ ኣካላት ንምስላጥ ገሊኦም ከም ሓይሊ ዕማም፡ ገሊኦም ድማ ኣባላት ብምዃን ብምስጢራዊ ኣገባብ ንነዊሕ ግዜ እናሰርሑ ናብ’ቲ ዋዕላ ክካፈሉ ዘለዎም ኣካላት/ ኣባላት ፖለቲካዊ ውድባት/ ብምስጢር ተዓደምቲ ክኾኑ ከም ዘለዎም ተረኦም ብምጽዋት ካብ ዝበዝሐ ሓፋሽን ተቓወምቲ ውድባትን /ደምበ ተቓውሞና/ ተነጺሎም ዝሳስይዎ ዝጸንሑ ተራ ንሳቶም ንስራሖምን ቦታኦምን ረብሓኦምን ከመይ ይመዝንዎ ብዘየገድስ ደምበ ተቓውሞና ብኣሉታ ክጻላሎን ምትእምማን ክስእንን ኣብ ምግባር ቀሊል ዘይኮነ ታሪኻዊ ጌጋ ፈጺሞም’ዮም። እቲ ዝዓበየ ጌጋኦም ከኣ፡ እቲ ጌጋ ምስ ተፈጸመን ንኹሉ ኣባል ደምበ-ተቓውሞ ምስ ተንከፈን ዕረፍቲ ብዘይብሉ ኩነታት ምስ ኣዛረበን’ውን እንተኾነ ንዝፈጸምዎ ጌጋ ክቕበሉ ድልዋት ዘይምዃኖም’ውን’ዩ።

ብኣንጻሩ እቲ ዝተኸተልዎ ኣገባብን ዕማምን ንሃገርን ህዝብን ይጠቅም’ዩ ብምባል ከሰላስልዎ ከም ዝጸንሑ በዚ ኣቢሎም ዝሰፍሐ ሓይሊ ክሳተፈሉ ዝኽእል መድረኽ ንምድላው ይጽዕሩ ከም ዝጸንሑ ብድኹምን ምስምሳዊ መግለጽን ንጉድለታቶም ከፋኹሱን ክሸፋፍንዎ ይፍትኑ ምህላዎም ካብ ጌጋኦም ገና ዘይተማህሩን ክነጥፍሉ ዝኽእሉ ፖለቲካዊ ባይታ ክሳብ መሊኡ ዘይነጸፈን ዘይተዓጽወን ነቲ ዘይድገፍ ተበግስኦምን ተልእኾኦምን ክቕጽልሉ ምዃኖም ዝሕበር ኩነታት’ዩ ዝረአ ዘሎ።  ብቐንዱ ኣብ ክል’ዚ ርእይቶን ምርጫን’ዚ  ዝተወሰኑ ባእታታት ኣባላት እቲ ጉጅለ ብዝፈጸምዎ ጌጋ ኣብ ክንዲ ዝጠዓሱ ንተሳትፎኦም ብዕግበት ክገልጹ ዘይክእሉ ከም ዘልው’ውን ይፍለጥ’ዩ። ይኹን ደኣምበር፡ ኣብ ዝሰርሕዎ ስራሕ ንጹር ገምጋም ብምግባር ነብሶም ክሳብ ዘይነቐፉን ርእይቶኦም ዘየመዓራረዩን ግን ብንጽህና ይኹን  እርማት ክግለጹ ኣይካኣልን’ዩ። እዞም ተወከልቲ ኣባላት ዝተፈላለዩ ስቪካውያን ማሕበራትን ውልቀ-ሰባትን ኣብ ተታሓሒዞም ዝጸንሑን ዝቕጽልሉ ዘለው ግጉይ ፖለቲካዊ ስራሕ ክእርሙ ወይ ተሳዒሮም ኣእዳዎም ክእርንቡ ንምግባር ’ምበኣር ቀዳምነት  ናይ ምእላዮምን ምርዳኦምን ሓጋዚ ዝኾነ ቃልሲ ክካየድ ይግባእ።

  በዚ ኣገባብ’ዚ ድማ፡  እንተተኻኢሉ ኩሎም ግቡእ ተረድኦ ብምሓዝ ኣብ ሃገራዊ ቃልስና ኣወንታዊ ተራ ክጻወቱ ክኽእሉ ብዘይ ምስልካይ ምጽዓር። ኣይተኻእለን ከኣ ብዘይ ዓሚቕ ፍልጠትን ተረድኦን ምድንጋርን ነቲ ዕማም ዝተሳተፍዎ ባእታታት ናብ ዕሩይ ቦትኦም ክምለሱ ንምግባር ሓጋዚ ቃልሲ ብምክያድ’ ምስ’ቶም ውልቀ ጠቕሞም ይኹን ክብሮም ንምሕላው ክብሉ ዝደረቑ ባእታታት ድማ ንጹር ቃልሲ ምክያድን ኣብ’ቲ መስርሕ ዓውዲ ህዝባዊ ቃልሲ ምስጋሮምን’ዩ እቲ ብሕታውን ናይ መወዳእታን ምርጫ። ኣንጻር እዞም ውልቀ ባእታታት ዝካየድ ቃልሲ ዓወት ክጭበጥ ዝከኣል ድማ ምስቶም ዓደምትን ሰብ ውጥንን ዝኾኑ ኣካላት መንግስታት ዝግበር ምርድዳእን ቃልስን ዝውስኖ’ዩ ዝኸውን።

 

                ካልኣይ ክፋሉ ይቕጽል

 

             ዕለት 15.12.2009

أحدث المقالات
· البرنامج السياسي الم...
· لا استطيع ان انعى قا...
· بقلوب راضية بقضاء ال...
· في ذكرى الاستقلال : ...
· في ذكرى الرحيل المر ...
الدخول
الاسم

كلمة السر



نسيت أو فقدت كلمة السر؟
يمكنك الحصول على كلمة جديدة من هنا.
الزيارات غير المكررة: 43,654,640 وقت التحميل: 0.27 ثانية