Welcome to http://www.omaal.org g مرحباً بكم في أومال صوت جموع المناضلين من أجل الديمقراطية والسلام .. المقاومين للظلم والدكتاتورية الإنعزالية في بلادنا / صوت الذين لا صوت لهم
12/04/1441 (09 ديسمبر 2019)
التصفح
· الرئيسية
· أريتريا في سطور
· الأخبار
· التحليل السياسي
· المقالات
· حوارات
· سجــل الخالدين
· قادة ومؤسسون
· مجموعة الأخبار
· جداول الجنود الهاربين من الخدمة العسكرية للنظام الديكتاتوري
· آداب وفنون
· دراسات ووثائق
· الاتصال بنا
· معرض الصور
· البحث
· دليل المواقع
· الذكرى 49 لإنطلاقة جبهة التحرير الإرترية
· ملفات PDF

Video streaming by Ustream
ኣገዳሲ መጸዋዕታ ኤርትራዊ ሃገራ&#4810
أخبار

ENCD March 2011.jpg

ኣገዳሲ መጸዋዕታ

ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ንደሞክራስያዊ ለውጢ

እቲ ቅድሚ ምዝዛም 2011 ክጋባእ ብዙሕ ትጽቢት ዝግበረሉ ዘሎ ሃገራዊ ጉባኤ ተሳትፎ መላእ ህዝብና ይኹን ሓይልታት ደሞክራስያዊ ለውጢ ዘረጋግጽ፡ ከምኡ’ውን ብዘይዝኾነ ፍልልይ ንኩሉ ብዙሕነት ሕ/ሰብ ኤርትራ ዘንጸባርቕ፡ ኤርትራውያን ብስልጡን ኣገባብ ሕድሕድ ዘተን ልዝባትን ዘካይድሉ፡ ዕውት መጋብኣያ ኮይኑ ክወጽእ ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮሚሽን ብዋዕላ ብዝተነበረሉ ረዚን እምነት መሰረት ብሓልዮትን ሓገዝን ህዝብና ብርቱዕ ጻዕርታት ክገብር ጸኒሑን ኣሎን።

እቲ ዕማም ሓባራዊን ሃገራዊን ዋኒን ምዃኑ ብምግንዛብ፡ ነፍሲ ወከፍ ሞያ ዘለዎ ኤርትራዊ ዜጋ ኣርማ ሃገራዊ ጉባኤ ኣብ ምድላው ክሳተፍ በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ብክብሪ ጻውዒቱ የቕርብ። እቲ ዝዳሎ ኣርማ ንዕላማታት ሃገራዊ ጉባኤን ሽቶኡን ዘንጸባርቕ ኮይኑ፡ ብዝተካእለ መጠን ብሰለስተ ቋንቋታት ማለት ትግርኛን ዓረብኛን እንግሊዘኛን ክቐርብ ብትሕትና እናሓተትና ነዚ ዝስዕብ ረቋሒታት ዘማልእ ክኸውን ይግባእ። 

Ø  ሃገራዊ ጉባኤ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ዘቓላጥፍ ወሳኒ መድረኽ ምዃኑ ዘንጸባርቕ፡-

Ø  ንምድልዳል ኤርትራዊ ሃገራዊ ሓድነትን ብዙሕነት ሕ/ሰብናን ዘንጸባርቕ፡-

Ø  ኣብ መንጎ ኤርትራውያን ተደላይነት ምምዕባል ሕድሕድ ሃናጺ ዘተን ልዝብን ዘንጸባርቕ፡-

Ø  ኣብ ኤርትራ ሰላምን ርግኣትን ምርግጋጽ ዘለዎ ተደላይነት ዘንጸባርቕ፡-

Ø  ኣብ ኤርትራ ልዕልነት ሕግን ፍትሕን ምህናጽ ዘለዎ ተደላይነት ዘንጸባርቕ፡-

እቲ ንድፊ ኣርማታት መወዳእታ ዝቐርበሉ ዕለት 31/07/2011 ምዃኑ እናሓበርና፡ በዚ ዝስዕብ ኣድራሻ ኢ-መይል ENCDC2011@gmail.com ክትሰዱልና ብትሕትና ነዘኻክር። ተዓዋቲ ከኣ ኣብ ሃገራዊ ጉባኤ ናይ ክብሪ ጋሻ ኮይኑ ከም ዝዕደም ነረጋግጽ።

መተሓሳሰቢ

እቲ ብሰብ ሞያ ተዳልዩ ንኮምሽን ዝስደድ ኣርማታት ሕጋዊ ንብረት ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮሚሽን ንደሞክራስያዊ ለውጢ ይኸውን። ኮምሽን ኣድላይ ኮይኑ ምስ ዝረኽቦ ነቶም ረቋሒታት ወይ’ውን ኣገባብ ምድላው ኣርማ ሃገራዊ ጉባኤ  ናይ ምምሕያሽን ምቅያርን ምሉእ መሰል ከም ዘለዎ ንሕብር፡

ዓወት ንደሞክራስያዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ!!

ዓወት ንሃገራዊ ጉባኤ ንደሞክራስያዊ ለውጢ!!

ስዕረትን ውድቐትን ንምልካዊ ስርዓት ህግደፍ!!

ሽማግለ ዜናን ሓበሬታን

ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮሚሽን ንደሞክራስያዊ ለውጢ

07 ሰነ 2011

www.encdc.com

أحدث المقالات
· لا استطيع ان انعى قا...
· بقلوب راضية بقضاء ال...
· في ذكرى الاستقلال : ...
· في ذكرى الرحيل المر ...
· المسلمون هم من يحددو...
الدخول
الاسم

كلمة السر



نسيت أو فقدت كلمة السر؟
يمكنك الحصول على كلمة جديدة من هنا.
الزيارات غير المكررة: 17,119,620 وقت التحميل: 0.49 ثانية