Welcome to http://www.omaal.org g مرحباً بكم في أومال صوت جموع المناضلين من أجل الديمقراطية والسلام .. المقاومين للظلم والدكتاتورية الإنعزالية في بلادنا / صوت الذين لا صوت لهم
18/10/1445 (26 أبريل 2024)
التصفح
· الرئيسية
· أريتريا في سطور
· الأخبار
· التحليل السياسي
· المقالات
· حوارات
· سجــل الخالدين
· قادة ومؤسسون
· مجموعة الأخبار
· جداول الجنود الهاربين من الخدمة العسكرية للنظام الديكتاتوري
· آداب وفنون
· دراسات ووثائق
· الاتصال بنا
· معرض الصور
· البحث
· دليل المواقع
· الذكرى 49 لإنطلاقة جبهة التحرير الإرترية
· ملفات PDF

Video streaming by Ustream
ብደገን ብውሽጥን ንሕና ንሕና
أخبار

ብደገን ብውሽጥን ንሕና ንሕና

ታሪኽ ናይ ሓደ ሸነኽ 20 ዓመት ሰሚዕና

ሕድሪ ሰማእታትና ኩቡር እዩ

በርሀ ዑቁባዝጊ ሃገር ጀርመን

(እንተዘይትጉንጸኒ መን መጽደፈኒ)

ታሪክ ተሓኤ ኣብ ቃልሲ ተረሲዑ በዚሑ ንሕና ንሕና

ኣብ ቃልሲ እጃምና ከምዘይ ኣበርከትና

ንሕና ንሕና ሓደ ሸነኽ ላሕ ኣቢሉና

ታሪኽ ሐደ ሸነኽ ብውጥን ደገን 20 ዓመት ሰሚዕና

ናይ ሰራዊ ሓርነት ጭርሖ

መግዛእቲ ካብ ሱሩ ክሞሖ

ኣብ ኣፍደገ ኣስመራ ኮሎ

ናይ ሹዑ ብርኪሊሎ

ኤረና ኩሑሎዶ ብደርጊ ትሕሎ

ለብዘበን ሓዲኡሎ

እዚ ታሪኽ ዝንገረሉ ግዝየሎ

ደርጊስ ከይዱሎ

ንህግደፍ እንታይ ንበሎ

ሓቢርና ውረድ ንበሎ።

(ጅግንነት ጀብሃ)

ኣይተነገሮምን መንእሰያትና

ንታሪኽ ገዲፍና

ንድሕነት ህዝብና ንቃለስ ኣሎና

ጅግንነት ጀብሃ ምንጋር ነርክበሉ ኢና

ንነጻነት ኤረትራ እጃምና ከም ዘበርከትና።

ጀብሃ ሻዕቢያ እኳ ታሪኽዩ

ንነጻነት ንሓርነት ተበጂዩ

ስንኪሉ ደምዩ

ናጽነትና ብዉሑዳት ተጨውዩ

ኣይነብርንዩ

ጸረ ጃንዳ ህግደፍ ቃልስና ቀጻሊዩ

ሕድሪ ሰማእታትና ኽትግበርዩ

ጀብሃ) ሻዕብያ) ናይ ጽባሕ ሂያው ታሪክዩ።

ጀብሃዊ ተበዲሉ እንበር ነይበደለ

ሻዕብያ ኢኹም ኢሉ ነየግለለ

ኢደይ ኢድካ ኢልና ንህግደፍ ንእለ

እዩ ዝበለ

ንስኒት ስጉምቲ ትውስኹሉ ወሸለ

ቃልስና ምንሃረ ብዝሓየለ።

(ኤረና)

20ን 30ን ይኸውን 50 ዓመት

ኣብ ትሕቲ ዝጠለሙ ሕድሪ ስዉኣት

ኣብ ትሕቲ ናጽነትና ዝቐየሩ ናብ ብርነት

ኣቑሲርካ 50 ዓመታት

ያኣክል 20 ዓመት ድክታቶርነት

2011 ሓርነታዊ ቃልሲዩ ዝዕወት።

ንሕጊ ኣልቦ ስርዓት ኣሊኺ

ክትኣኻኽቢ ደቅኺ

ኣንድድዮም ሓዊ ኮንኪ

ድፈንዮም ሳሃራ ተቐይርኪ

ሰላም ክሰፍኖ ዓዶም ሰማእታትኪ

እቶም ሸዊት ዕድሚኦም ዘወፈዩልኪ

ኣይወለዱ ኣይዘመዱ ዝተበጀዉ ስለኺ።

ወረድ ንበሎ

ኣይፋሉን እንተበለ ግና ሓዲኡሎ

ብውሽጢ ወርጠበ ተዳይዩሎ

ብደገ ኣሃዱታት ኪዳን ኣሎ

 ልቢ ግበሩ ይካኣሎ

ንዲክታቶር የኣኽለካ ክንብሎ።

(ሕሰብ ኣስተውዕል)

ከምቲ ሓርበኛ ስነጥበባዊ ኢዮብ ሃይለ ዝዘየሞ)

ወዲ ሰብ ስማዕ ኣስተውዕል ናትካ ገዲፍካስ ሕሚይትውዕል)

እወ ናትና ገዲፍና ብሰብ ኣይንውዓል ንሕሰብ ንስተውዕል)

ክቅንጠጥዩ ቲ ጸልማት

ከምቲ ናይ 91 ስዕረት ደርጊ፡ ስርዓት ህግደፍ ውን ነበረያ ነበረ ክከውን።

ኣብ ግዝየ ሃይለ ስላስየ ታኣሲርና

ሃገረይ ስለ ዝበልና ተጸፊዕና

ኣብ ግዝየ ደርጊ ግዳም ሓዲርና

ብረት ተሸኪምና ንነጻነት ሃገርና

ኢዱ ኣይስኣን ኢሰያስ ሓንኲሉና

ካብ ኣፍደገ ኣስመራ ተሰዲድና

ካብ መስዋእቲ ተሪፍና

ዕጫና ኮይኑ ተሰዲድና።

(ኣብ ስደት ውን)

ቀጺልናዮ ቃልስና

ንህዝባዊ ሰራዊት እንዳ ደገፍና

አብ ልዕሊ ዑሉም ዘሪጋ ግና

ዕቃበ ነሩና

ድጎል ዕላማኡ ስለ ዝፈለጥና

ኣንጊህና ዓገብ ኢልና።

ዎዮ ዝበልናዮ ኮይኑ

ንነብሱ ፕረስደንት ሰመየ ባዕሉ

ቃልስና ቀጺሉ።

ነዛ ሃገር ኢሰያስ ከፍርሳ

ሲኢና ዝዋሓሳ

ነንዝተወለዱ ይሸጦም ከም እንስሳ።

ሓንሳብ ንደቡብ ሱዳን) ሓንሳብ ንኮንጎ ለውጢ ብዶላር) ለውጢ ብኣልማዝ)

ሓንሳብ ንሶማልያ ውግእ ንምጽሕታር) ሕጂ ካኣ ሓገዝ ንዲክታቶር ንልብያ)

 ብዋጋ መንእሰያት ይእክብ ኣሎ ዶላራት። ንዝና ኢሰያስ ይጸንቱ ኣለዉ መንእሰያት፡

እሞ እዚ እንዳ ሰማዕና ትምዶ ንበል ኣእዳውና ኣጣሚርና ወይስ)

 ተሳማሚዕና ንጽረጎም ነቶም ሰብ ደምና በለካ ልኽዓካ ገዲፍና።

እወ ንሕናስ ንሕና ኢና ኣይተቐየርናን ኣሎና ከም ቀደምና ንጹርዩ ዕላማና) ሓደዩ

 ጸላኢና።ኣብ ናይ ጽባሕ ብሕጊ ትምራሕ ኤረትራ ነንጽህነትና የዋጻኣና።

ህዝቢ ይዕዘብ ኣሎ መን ንቃልሲ ንድሕሪት ይጎቶሎ መንከ ንከዕውቶ ይቃለስ ኣሎ።

ሕጂ ውን ከም ዓሚ ዝተዓወተ ዋዕላ) ሕጂ ውን ክዕወትዩ ብተሳትፎ ህዝብና

ጉባኤ ሹዑ ብጉባኤ ኣቢልና ግዝያዊ ባይቶ ምስ ተኸልና) ብግዝኣተ ሕጊ ክትማሓዳደር ኤረትራ ሃገርና።

ዓዲ ምስ ኣተና ግና ስልጣን ንህዝቢ ክነረክቦ ኢና።

ሹዑ ኣብ ምርጫ ይዋዳደራ) ውድባትን) ሰልፊታትን) ንመን

 ይመርጽ ንህዝቢ ንገድፎ። ሹዑ ሙሁራት ኢና ንሕና ኢና ክንመርሕ

 ብቕዓት ዘነና በሉ ፡

ህዝቢ ዝመረጾ ይኸውን ባዓል ቆጽልና ነዚ ኢና ንቃለስ ዘለና።

 ንሕና ንሕና ትምክሕቲ ጃህራን ግን ናይ ህግደፍ ያኣኽለና።

(ሰናይ ቅነ ኣብ ቀጻሊ የራኽበና) 

ዓወት ነቲ ደም ዝነብዕ ዘሎ ህዝቢ ኤረትራ)

ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ሰማእታትና)

ኤረና ንለብዘበን እንበር ነዓመታስ ሸዊት ለምለም)

ዕንወት ንጃንዳ ህግደፍን ዓንገልቶምን።

أحدث المقالات
· البرنامج السياسي الم...
· لا استطيع ان انعى قا...
· بقلوب راضية بقضاء ال...
· في ذكرى الاستقلال : ...
· في ذكرى الرحيل المر ...
الدخول
الاسم

كلمة السر



نسيت أو فقدت كلمة السر؟
يمكنك الحصول على كلمة جديدة من هنا.
الزيارات غير المكررة: 43,445,262 وقت التحميل: 0.28 ثانية