ራማ ሃኒጾም
Panorama
بـنـوا رامـا
ተኽሊ ተኺሎማ ማይ ኣስትዮም
ሓብሒቦም ኣዕቢዮማ ኮይና ኣውሊዖም
መንጸፍ ኣንጺፎም እናበሉ ሃገር
መጾም ካብ ዝተረኽበ ኩሉ ብሓባር።
ተስፋ ሚልዮናት ምዃኖም ኣመልኪቶም
ንከሀብትሙ ናይ ኩሉ ለምለም መሬቶም
መርሓባ በሉ ሓበሻ ብክፉት ልቦም
ኣህለን ወሳህለን ቅረቡ የቕርብኩም።
ተኸሉ'ውን ሃነጹ ኣብ ሰውራ
ኣብ በረኻ ኮይኖም ጽባሕ ንራያ ነስመራ
ሎሚ ምሕራስ ጽባሕ ኣዝመራ
ሎሚ ምሕራስ ጽባሕ ፍዮሪ ዛህራ።
ኣብ ትምህርቲ መማህራን ካኑ
ነይሮም
ክቐርእ ከንብብ ሓላል ህዝቦም
ንባብ ጎይታ ህይወት ምዃኑ ኣመስኪሮም
ስንቂ ህይወት ክኾኖም ኣብ ዝኸዱ ህዝቦም
ብተክኖሎጂ ሳይንስ ክንህር ግስጋሰኦም።
ኣብ ፍትሒ'ውን ፍትሓውያን
ካኑ
ነበሩ
ሕጊ ሃገር ባህሊ ህዝቢ ዘኽብሩ
ንበይንና ዘይብሉ ፍጹም ብሱሩ
ሓለይቲ ጎረቤቶም ዝብሉ እሽሩሩ።
ኣብ ጥዕና ዓፍያ ሰሓ ተኸናኸንቲ
ሕወ ዝብሉ ለይቲ ምስ መዓልቲ
ጥዕና ጠባይ ቀስ ምዃና ኣረዳእቲ
ደበስ ዝገብሩ ሞት ሃላክ ነከይቲ።
ኣብ ሕርሻ ካኑ
ነበሩ ምዑታት
ሓረስቶት
ካብ ሓላል ዝዘርኡዎ ዝበልዑ ደቀባት
በብሓደ ዘለልዮም ግራት መሬት
ዝመቕሉኻ ካብ ዒልቦኦም ሸዊት።
ኣብ ምክልኻል ዝቃለሱ ዘቃልሱ
ቅድሚ መሰሎም ንሓዎም ደሞም ዘፍስሱ
ፍሽኽታ ዘይትጎድሎም ኣብ ጨው እናሓምበሱ
ናጽነት ኣስሚሮም ጋማ ዘልበሱ።
ሕያዎት ነበሩ ሎሚ'ውን ተቐበልቲ ጋሻ
ንካብ ቀረባ ርሑቕ ዝመጸ ብመጋሻ
ዝብሉ ቤት ቤትኩም ብልዑ እንኩም ቢሻ
እንግዶትኩም ኣብዚ'ዩ ኣይትሕተቱ ኣድራሻ።
Maazin Abdul Qhany
Jun-22-’11
|