ነጻነቱ ብደሙ ኣራጋጊጹ ሓርነት ዝሓርበቶ
ህዝቢ
መበል 59 ክፋል
ሕድሪ ሰማእታትና ክቡር እዩ
በርሀ ዑቁባዝጊ ሃገር ጀርመን
ኣሎዋና ዋዕሮታት ኣሎዋና
ሞራል ንዓበይት ንናእሽቱን ዝኾና
ኣለዋና ሰብ ምሉእ ሕልና
ዘይከምተን ዘይመረጸኦ ዝብላ መንግስትና//
ኢሰያስ ምስ ጃንዱኡ ናብ ቢንቶ
ክፍታሕ ናይ ኤረትራዊያን ሕቶ
ንዕሰል ናብ ሃገራዊ ባይቶ//
ጀጋኑ ደቂ ኤረይ ኣጆኹም
ብጅግንነትኩም ኣብ ዓለም
ኣመስኪርኩም ኢኹም
ዘይ ኣዘንጊዖም እዮም
ተጻዊቶም ብጅግንነትኩም
እንቢ ንምልኪ ምስ በልኩም
ዝኣመንክምዎም ጠሊሞምኹም
ተዛረቡ ዳሕድሕዎ ኣጆኹም//
እቲ ሓደ ካብቲ ሓደ ዘስደምም
ዝነበረ ጾር ኮይንኩም
ታሪኽ ነጊርኩም
ነጻነት ኣራጋጊጽኩም ብደምኩም
ብ.ኣትማን ሳሕል ተጠሊምኩም
ሓርነት ምስ ሓረመኩም
ናብ ስደት ዊሒዝኩም//
ዘይፈለጠ ክፈልጦም
እቶም ደም ዝልማዶም
ይኣስሩ ይቀትሉ ንብጾቶም
እቶም ጭፍራ ብደም
ዝጨቀወ ኣእዳዎም//
ዝገርም እዩ
ወዮ ጅግና ተሰሚዑ ደሃዩ
ንጸላእቲ ህዝብና ነጊሩና ፈላሊዩ
ህግደፋዊያን እንዳ ሰማዕኩም ገግናዩ
ምስ ምርከብ ጥፍኣት ክትጥሕሉ ትጽበዩ//
ሙሩኻት ተ.ሓ.ኤ ተረሺኖም ምስ ሰማዕኩ ገሪሙኒ
ጉጅለ ኢሰያስ ሰብ ደምና ምዃኖም ማዓስ ጠፊኡኑ
ህግደፋዊያን እንተለኩም እዝኒ
ተግባራት ጭፍራ ኣስደሚሙኒ
ንመንእሰያት ዘጋጠሞም ደመይ ኣፍሊሑኒ
በቲ ሓደ ወገን ግን እመኑኒ
ኣባራቢርዎ ንናይ ደለይቲ ፍትሒ ወኒ
ናብ ስሚዒት ኣእቲዉኒ
ውድቀት ህግደፍ ከም ዝቀረበ ተራኢዩኒ
ኢሰያስ ምስ ጭፍሩኡ ኣበይ ከቅኒ//
ሕጂስ ግደ ዋዕሮታትና ተሪፉ
ንገራና ናይ ቶም ዝሓለፋ ዝሓለፉ
ህግደፍ ትንፋስ ንጹሃት ከም ዘሕለፉ
ምስ ቲ ረሳሕ ታሪኾም ክጓሓፉ//
ዋዕሮታት ዳሕድሕኦ ኣጆኹን
ዝወረደ በድል ኣብ ልዕለኽን
ብጉጅለ ኢሰያስ ከም ዝተበደልክን
ንድርብ ጭኮና ዝተቃለስክን
ኣብ ቃልሲ ጅግንነት ፈጺምክን
ድሕሪ ነጻነት ግን ተረሲዑ ጅግንነትክን
ብጉጅለ ኢሰያስ ተጠሊምክን//
መሰል ቢሄራትና ክዳላደል
ፎእ ንበሎም ንሓርገጽ ንገበል
ኣብ ሃገርና ዳግማይ ክዕለል
ኣይጨጭሕን እዩ ንቋቑሖ ኣጎለል//
እንቢ በል ወዲ ሃገር
ዝብኢ ወጋሕታ ክባረር
ንስመር ንሕበር
ሃንጎሊማ ሕቑኡ ክስበር//
ኣነ ውን ዝብሎ ኣሎኒ
ምስተን ዋዕሮታት ጎኒ ንጎኒ
ኣብ ሰላማዊ ሰልፊ ዘጋጠመኒ
ኣቡዑር ስታላ ምስ ፈተኑ ከኽብቡኒ
ኮማንዶ ኣውሮጳ ምስ ኣድሓኑኒ
ንዑሱባት ህግደፍ እኒ ግኒ
ኣቢልናዮም ንሎሚ መሓርይኒ
ዘይ ብገንዘብ እዮም ዓሲቦምኒ//
ኣብ ስቶኮሎም ምስ ኮነ ተዳሎ
ንማንኪ ሪኢናዮ ብኣቡዑር እስታላ ክሕሎ
ሪዒዱ ካብ ዋርሳይ ምስ ኣያታቱ ይካኣሎ
ምስ ተን ዋዕሮታትታ ኮይኑ ምስ በሎ
ስመር ለብዘበን ሓዲኡሎ
ሳዓብቲ ጃንዳ ሕጂ ወስኑ እዩ ዝበሃል ዘሎ//
ኣታ ኤረትራዊ የ ባሃላይ
ህዝቢ እንዳ ጸነተስ ክሳብ ሰማይ
ንብላዕ ስርናይ
ትኸውን ናይ
ዲክታቶር ኣገልጋላይ
ከይብሉኻ እንታዋይ
ብረብሓ ኣይትኹን ተዓሻዋይ//
ክነሕጽሮ ናይ ጭፍራ ዕምሪ
መንናእሰይ ወስኹሉ ነድሪ
ስመሩ ብግብሪ
ህዝቢ ወዲእዎ ቁሪ
ኩን ሕድሪ ተግባሪ
ሃገር ከተዕሪ
ንጭፍራ ድፈን ትሕቲ ምድሪ//
ብዘረባ ህግደፍ ኣይፈርስን
ኢሰያስ ኮሎ ኤረትራዊያን
ኣይንቀስን ኣይንስስን
ህግደፍ ከሎ ሕጊ ኣይነግስን//
መን ይቃለስ ንስለ ፍትሒ
መን ከ ይገብረና ሎ መመክሒ
ህዝቢ ሓሪምዎ ዉዑይ ጸብሒ
ሃገር ተቖሪና ብእከይ ሸርሒ
ብ ኢሰያስ ናይ ሸፋቱ መራሒ//
በሎም ነቶም ደምና ዝመጽዩ ከም ቱዃን
ያአክል ናቶም ኣገልጋሊ ምዃን
ትም ኣይትበል ወላዲት ኮይና መኻን
ሕጂ ንወስን
ህዝቢ ካብ ምሕደራ ሸፋቱ ንምድሓን
ክሳብ ማዓስ ክትብል ደሓን ደሓን//
ደቂ ኤረይ ጸሓፍቲን ገጠምቲን
ፕረስደንት ኣይትስመይዎ
ንመራሒ ጭፍራ መን መሪጽዎ
መን ከ ይርሓሰና ኢልዎ
መን ከ ቆጽሊ ሂብዎ
ንመጽነቲ ደቀባት ፕረስደት ትሰምይዎ//
ኣታ ኣቲ ትብሉ ጎቦ ጎቦ
ስመር ንመራሒ ጭፍራ ዓቕሉ ክጸቦ
ንሎኽመኛ መጽነቲ ዓደቦ
ምስ ጭፍሩኡ ሓዊ ክልብልቦ//
ሕልሚ ኢሰያስ ከም ትኪ ምስ በነነ
ምስ ጭፍሩኡ ትሕቲ ሜሬት ምስ ተደፍነ
ክቅንጠጥ እዩ ናይ ባርነት ድነ
ሹዑ እወሓስ ኣግብእ ምስ ኮነ
ኢና ኤረትራዊያን ብሕጊ ንዳነ//
ዓወት ነቲ ደም ዝነብዕ ዘሎ ህዝቢ ኤረትራ
ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ሰማእታትና
ኤረና ንለብዘበን እንበር ነዓመታስ ሸዊት
ለምለም
ዕንወት ንጃንዳ ህግደፍን ዓንገልቶምን
|