Welcome to http://www.omaal.org g مرحباً بكم في أومال صوت جموع المناضلين من أجل الديمقراطية والسلام .. المقاومين للظلم والدكتاتورية الإنعزالية في بلادنا / صوت الذين لا صوت لهم
19/10/1445 (27 أبريل 2024)
التصفح
· الرئيسية
· أريتريا في سطور
· الأخبار
· التحليل السياسي
· المقالات
· حوارات
· سجــل الخالدين
· قادة ومؤسسون
· مجموعة الأخبار
· جداول الجنود الهاربين من الخدمة العسكرية للنظام الديكتاتوري
· آداب وفنون
· دراسات ووثائق
· الاتصال بنا
· معرض الصور
· البحث
· دليل المواقع
· الذكرى 49 لإنطلاقة جبهة التحرير الإرترية
· ملفات PDF

Video streaming by Ustream
ነጻነቱ ብደሙ ኣራጋጊጹ ሓርነት ዝ&#462
أخبار

ነጻነቱ ብደሙ ኣራጋጊጹ ሓርነት ዝሓርበቶ ህዝቢ

መበል 59 ክፋል

ሕድሪ ሰማእታትና ክቡር እዩ

በርሀ ዑቁባዝጊ ሃገር ጀርመን

ኣሎዋና ዋዕሮታት ኣሎዋና

ሞራል ንዓበይት ንናእሽቱን ዝኾና

ኣለዋና ሰብ ምሉእ ሕልና

ዘይከምተን ዘይመረጸኦ ዝብላ መንግስትና//

       Demo 012.jpg

ኢሰያስ ምስ ጃንዱኡ ናብ ቢንቶ

ክፍታሕ ናይ ኤረትራዊያን ሕቶ

ንዕሰል ናብ ሃገራዊ ባይቶ//

ጀጋኑ ደቂ ኤረይ ኣጆኹም

ብጅግንነትኩም ኣብ ዓለም

ኣመስኪርኩም ኢኹም

ዘይ ኣዘንጊዖም እዮም

ተጻዊቶም ብጅግንነትኩም

እንቢ ንምልኪ ምስ በልኩም

ዝኣመንክምዎም ጠሊሞምኹም

ተዛረቡ ዳሕድሕዎ ኣጆኹም//

እቲ ሓደ ካብቲ ሓደ ዘስደምም

ዝነበረ ጾር ኮይንኩም

ታሪኽ ነጊርኩም

ነጻነት ኣራጋጊጽኩም ብደምኩም

ብ.ኣትማን ሳሕል ተጠሊምኩም

ሓርነት ምስ ሓረመኩም

ናብ ስደት ዊሒዝኩም//

Afwarki Takhle ManGos.jpg

ዘይፈለጠ ክፈልጦም

እቶም ደም ዝልማዶም

ይኣስሩ ይቀትሉ ንብጾቶም

እቶም ጭፍራ ብደም

ዝጨቀወ ኣእዳዎም//

ዝገርም እዩ

ወዮ ጅግና ተሰሚዑ ደሃዩ

ንጸላእቲ ህዝብና ነጊሩና ፈላሊዩ

ህግደፋዊያን እንዳ ሰማዕኩም ገግናዩ

ምስ ምርከብ ጥፍኣት ክትጥሕሉ ትጽበዩ//

ሙሩኻት ተ.ሓ.ኤ ተረሺኖም ምስ ሰማዕኩ ገሪሙኒ

ጉጅለ ኢሰያስ ሰብ ደምና ምዃኖም ማዓስ ጠፊኡኑ

ህግደፋዊያን እንተለኩም እዝኒ

ተግባራት ጭፍራ ኣስደሚሙኒ

ንመንእሰያት ዘጋጠሞም ደመይ ኣፍሊሑኒ

በቲ ሓደ ወገን ግን እመኑኒ

ኣባራቢርዎ ንናይ ደለይቲ ፍትሒ ወኒ

ናብ ስሚዒት ኣእቲዉኒ

ውድቀት ህግደፍ ከም ዝቀረበ ተራኢዩኒ

ኢሰያስ ምስ ጭፍሩኡ ኣበይ ከቅኒ//

ሕጂስ ግደ ዋዕሮታትና ተሪፉ

ንገራና ናይ ቶም ዝሓለፋ ዝሓለፉ

ህግደፍ ትንፋስ ንጹሃት ከም ዘሕለፉ

ምስ ቲ ረሳሕ ታሪኾም ክጓሓፉ//

ዋዕሮታት ዳሕድሕኦ ኣጆኹን

ዝወረደ በድል ኣብ ልዕለኽን

ብጉጅለ ኢሰያስ ከም ዝተበደልክን

ንድርብ ጭኮና ዝተቃለስክን

ኣብ ቃልሲ ጅግንነት ፈጺምክን

ድሕሪ ነጻነት ግን ተረሲዑ ጅግንነትክን

ብጉጅለ ኢሰያስ ተጠሊምክን//

መሰል ቢሄራትና ክዳላደል

ፎእ ንበሎም ንሓርገጽ ንገበል

ኣብ ሃገርና ዳግማይ ክዕለል

ኣይጨጭሕን እዩ ንቋቑሖ ኣጎለል//

እንቢ በል ወዲ ሃገር

ዝብኢ ወጋሕታ ክባረር

ንስመር ንሕበር

ሃንጎሊማ ሕቑኡ ክስበር//

Demo 012 A.jpg

ኣነ ውን ዝብሎ ኣሎኒ

ምስተን ዋዕሮታት ጎኒ ንጎኒ

ኣብ ሰላማዊ ሰልፊ ዘጋጠመኒ

ኣቡዑር ስታላ ምስ ፈተኑ ከኽብቡኒ

ኮማንዶ ኣውሮጳ ምስ ኣድሓኑኒ

ንዑሱባት ህግደፍ እኒ ግኒ

ኣቢልናዮም ንሎሚ መሓርይኒ

ዘይ ብገንዘብ እዮም ዓሲቦምኒ//

ኣብ ስቶኮሎም ምስ ኮነ ተዳሎ

ንማንኪ ሪኢናዮ ብኣቡዑር እስታላ ክሕሎ

ሪዒዱ ካብ ዋርሳይ ምስ ኣያታቱ ይካኣሎ

ምስ ተን ዋዕሮታትታ ኮይኑ ምስ በሎ

ስመር ለብዘበን ሓዲኡሎ

ሳዓብቲ ጃንዳ ሕጂ ወስኑ እዩ ዝበሃል ዘሎ//

ኣታ ኤረትራዊ የ ባሃላይ

ህዝቢ እንዳ ጸነተስ ክሳብ ሰማይ

ንብላዕ ስርናይ

ትኸውን ናይ

ዲክታቶር ኣገልጋላይ

ከይብሉኻ እንታዋይ

ብረብሓ ኣይትኹን ተዓሻዋይ//

ክነሕጽሮ ናይ ጭፍራ ዕምሪ

መንናእሰይ ወስኹሉ ነድሪ

ስመሩ ብግብሪ

ህዝቢ ወዲእዎ ቁሪ

ኩን ሕድሪ ተግባሪ

ሃገር ከተዕሪ

ንጭፍራ ድፈን ትሕቲ ምድሪ//

ብዘረባ ህግደፍ ኣይፈርስን

ኢሰያስ ኮሎ ኤረትራዊያን

ኣይንቀስን ኣይንስስን

ህግደፍ ከሎ ሕጊ ኣይነግስን//

መን ይቃለስ ንስለ ፍትሒ

መን ከ ይገብረና ሎ መመክሒ

ህዝቢ ሓሪምዎ ዉዑይ ጸብሒ

ሃገር ተቖሪና ብእከይ ሸርሒ

ብ ኢሰያስ ናይ ሸፋቱ መራሒ//

በሎም ነቶም ደምና ዝመጽዩ ከም ቱዃን

ያአክል ናቶም ኣገልጋሊ ምዃን

ትም ኣይትበል ወላዲት ኮይና መኻን

ሕጂ ንወስን

ህዝቢ ካብ ምሕደራ ሸፋቱ ንምድሓን

ክሳብ ማዓስ ክትብል  ደሓን ደሓን//

ደቂ ኤረይ ጸሓፍቲን ገጠምቲን

ፕረስደንት ኣይትስመይዎ

ንመራሒ ጭፍራ መን መሪጽዎ

መን ከ ይርሓሰና ኢልዎ

መን ከ ቆጽሊ  ሂብዎ

ንመጽነቲ ደቀባት ፕረስደት ትሰምይዎ//

ኣታ ኣቲ ትብሉ ጎቦ ጎቦ

ስመር ንመራሒ ጭፍራ ዓቕሉ ክጸቦ

ንሎኽመኛ መጽነቲ ዓደቦ

ምስ ጭፍሩኡ ሓዊ ክልብልቦ//

ሕልሚ ኢሰያስ ከም ትኪ ምስ በነነ

ምስ ጭፍሩኡ ትሕቲ ሜሬት ምስ ተደፍነ

ክቅንጠጥ እዩ ናይ ባርነት ድነ

ሹዑ እወሓስ ኣግብእ ምስ ኮነ

ኢና ኤረትራዊያን ብሕጊ ንዳነ//

ዓወት ነቲ ደም ዝነብዕ ዘሎ ህዝቢ ኤረትራ

ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ሰማእታትና

ኤረና ንለብዘበን እንበር ነዓመታስ ሸዊት ለምለም

ዕንወት ንጃንዳ ህግደፍን ዓንገልቶምን

أحدث المقالات
· البرنامج السياسي الم...
· لا استطيع ان انعى قا...
· بقلوب راضية بقضاء ال...
· في ذكرى الاستقلال : ...
· في ذكرى الرحيل المر ...
الدخول
الاسم

كلمة السر



نسيت أو فقدت كلمة السر؟
يمكنك الحصول على كلمة جديدة من هنا.
الزيارات غير المكررة: 43,465,425 وقت التحميل: 0.25 ثانية